ምርጫ ኣመሪካ 2020፡ ቆይቊ ዝበዝሖ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ትራምፕን ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መቀናቕንቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝኾኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ጆ ባይደንን ትማሊ ዘካየድዎ ፈላሚ ክትዕ እቲ ዝኸፍአ'ዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ኣብ ክፍለ ሃገር ኦሃዮ፡ ከተማ ክሊቨላንድ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ኣብቶም ዝፈላልይዎም ቀንዲ ጉዳያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ስርዓተ-ጥዕናን ቁጠባን ከተኩር ትጽቢት ዝተገብረሉ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ እንካን ሃባን ብቆይቊ ዝተዓብለለ'ዩ ነይሩ።
ብፍላይ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ቁጽጽር ናይቲ ነቲ ክትዕ ዝኣሊ ዝነበረ ጋዜጠኛን፡ ዝተዋህቦ ግዜን ብምውጻእ ክንቀፍ'ዩ ሓዲሩ። በዚ ዘንጸርጸረ ባይደን ብወገኑ "ሓፍካ ሓዝ" ዝብል ሓይለ-ቃል ከውጽእ ተገዲዱ'ዩ።
ንሱ፡ ንገለ ሕሉፋት የማናውያን ጸዓዱ ክኹንን ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ ምእባዩ'ውን ሓያል ነቐፌታ ኣስዒብሉ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ ህዝባዊ ደገፍ፡ ጆ ባይደን ብንጽል ቁጽሪ ይመርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ወሰንቲ ክፍለሃገራት ዝተገብረ ዳህሳስ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ዝተቐራረበ ደገፍ ከምዘለዎም'ዩ ዘርኢ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ዳህሳሳት ከምዝሕብርዎ፡ 1 ካብ 10 ኣመሪካውያን፡ ንመኖም ከምዘድምጹ ዛጊት ይወሰኑን ዘለዉ።
ቀንዲ ፍጻሜታት ናይቲ ክትዕ
ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ ኣብቲ 90 ደቒቕ ዝወሰደ ክትዕ ኣብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ዓᎁቕ ክትዕ ኣይተገብረሎምን።
ኣብ ገለ እዋናት ንሓድሕዶም ክሰማምዑ'ውን ኣይከኣሉን ሰለስቲኦም ምስቲ ኣላዪ ናይቲ መድረኽ ዝዛረብሉ ህሞታት'ውን ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ቀንዲ ኣብ መንጎ ዝኣቱ ዝነበረ ትራምፕ ኮይኑ፡ 73 ግዜ ንባይደን ከቋርጾ ተሰሚዑ።
በዚ ዝተቖጥዐ ባይደን ብወገኑ ባህሌላ (ክላውን) ክብል ንትራምፕ ኣጥቂዕዎ።
ትራምፕ፡ ኣብተን ዝሓለፋ ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመታት ተጓናጺፈዮ ዝበሎ ዓወታት ክጠቅስ'ኳ እንተፈተነ፡ ባይደን ነቲ ትራምፕ ዝንቀፈሉ ዘሎ ግብረመልሲ መንግስቲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ድኹም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ውጥን የብልካን" ክብል ነቒፍዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ግብሪ'ውን ክካትዑ ፈቲኖም ነይሮም፡ ግብሪ ከጉድል ዝጸንሐ ትራምፕ፡ ባይደን ዘይተኣደነ ግብሪ ክውስኽ'ዩ ክብል ከሲስዎ።
ባይደን ብወገኑ፡ ነቶም ብዙሕ ዘይከፍሉ ዝበሎም ሚልየነራትን ቢልየነራትን ግብሪ ምውሳኽ ሓላል'ዩ ክብል መጒቱ።
ካብቲ ቀንዲ ዘዘራረበ ግን፡ ጋዜጠኛ ፎክስ ኒውስ፡ ክሪስ ዋለስ፡ ንሕሉፋት የማናውያን ጸዓዱ ኣብቲ መድረኽ ክኹንኖም ድሉው እንተኾይኑ ምስ ሓተቶ፡ ምእባዩ'ዩ።
ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ድማ፡ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ንውጽኢት ምርጫ ተቐቢሎም ንደገፍቶም ከህድኡ ቃል ክኣትዉ ምስተሓቱ፡ ጆ ባይደን፡ ኣወንታዊ መልሲ ክህብ እንከሎ ትራምፕ "ነቒሖም ክከታተሉ" ኣለዎም ምባሉ፡ ተወላዋሊ መርገጺ ሒዙ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ ዝብል ነቐፌታ ኣስዒብሉ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







