መረጻ ኣሜሪካ 2020፡ ማክኮኔል ኣብ ኣመሪካ ግቡእ ምርኽኻብ ስልጣን ከምዝህሉ ተመባጺዑ

ማክኮኔል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓላፊ ሰልፊ ሪፐብሊካን ሚች ማክኮኔል፡ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ዝህሉ ምስግጋር ስልጣን ዘሻቕል መልሲ ድሕሪ ምሃቡ፡ ድሕሪ መረጻ ግቡእ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዝህሉ ተመባጺዑ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሪፐብሊካንን ኣባል ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ሚች ማክኮኔል ኣብቲ 3 ሕዳር 2020 ዝካየድ መረጻ መን’ዩ ተዓዊቱ ብዘየገድስ ኣብ 20 ጥሪ ሰላማዊ ዝኾነ ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ከም ዝፍጽም ገሊጹ።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ‘እንተተሳዒርካ ስልጣንካ ብሰላም ክተረክብ ዲኻ?’ ተባሂሉ ምስተሓተተ “እንታይ ከም ዘጋጥም ሓቢርና ክንርእዮ ኢና” ብምባሉ ንብዙሓት ዕግበት ዘይፈጠረ መልሲ እዩ ሂቡ።

ሚች ማክኮኔል’ውን ንጌጋ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ክዓብስ ኢሉ መግለጺ ዝሃበ ይመስል።

ነዚ 40 መዓልቲ ተሪፍዎ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ህዝቢ ብፖስታ እዩ ድምጹ ክህብ።

ዶናልድ ትራምፕ ድማ ብተደጋጋሚ እቲ ብፖስታ ዝግበር ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ውሑስ ኣይኮነን እዩ ዝብል።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ስዕረቱ ዘይተቐበለ ተወዳዳሪ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ እንተተሳዒሩ’ሞ ነቲ ውጽኢት ኣይቅበሎን’የ እንድሕር ኢሉ ግን ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ተርእዮ’ዩ ክኸውን።

ሕጹይ ተወዳዳሪ ዴሞክራት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ዶናልድ ተሳዒሩ ንውጽኢት ኣይቕበሎን’ዩ ኢሉ እንተኣብዩ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ዋይት ሃውስ ኣትዩ ክኣልዮ ኣለዎ ኢሉ።

ሪፓብሊካን እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ?

ሚች ማክኮኔል ብሓሙስ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ “ኣብ 3 ሕዳር ዝተዓወተ 20 ጥሪ ቃለ መሓላ ክፍጽም እዩ” ኢሉ።

“ልክዕ ከምቲ ካብ 1792 ጀሚሩ ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ሰለማዊ ዝኾነ መርኽኻብ ስልጣን ክካየድ ዝጸንሐ ሕጂ’ውን ሰለማዊ ዝኾነ መስግጋር ናይ ስልጣን እዩ ክካየድ”

ካልኦት ካብ ሪፓብሊካን ከም ሊድስይ ጋርሃም ዝኣመሰሉ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ’ውን ከም ናይ ሚች ማክኮኔል ሓሳብ ከም ዘለዎም ብምሕባር ሰላማውን ርትዓውን ምርጫ ተኻይዱ ግቡእ ዝኾነ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዝህሉ ገሊጾም።

ግራሃም ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ኣዝዩ ሰላማዊ ከም ዝኸውን ከረጋግጸልኩም ይፈቱ” ኢሉ።

እቲ ውሳነ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እንተበጺሑ ድማ፤ “ንሕና ሪፓብሊካን እንተተሳዒርና ነቲ ውጽኢት ብጸጋ ኢና ክንቅበሎ፤ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ ቤት ፍርዲ ጆ ባይደን እዩ ዕውት እንተኢሉ’ውን ንውሳነ ቤት ፍርዲ ክንቕበሎ ኢና” ኢሉ።

ሴናተር ሚት ሮሚ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ነቀፌታ’ዩ ኣስሚዑ።

"ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ፕረዚደንት ንልዕልና ሕጊን ቅዋም ሃገርን ኣይቕብልን እየ ክብል ዘይሕሰብን ዘይቅብሉን’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ብዘለዋ ጽልዋንን ሓይልን ኣብ ሳልሳይ ትስራዕ ከምኡ’ውን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ዴሞክራት ናንሲ ፔሎሲ ብሓሙስ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል ዶናልድ ትራምፕ ከምኡ ኢሉ ምዝራቡ ከም ዘይገርማ እያ ገሊጻ።

ንቭላዳሚር ፑቲን፣ መራሒ ሰሙን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ከምኡ እውን ናይ ቱርኪ ጣይብ ኢርዶጋን ብምጥቃስ “ዕድመ ስልጣኖም ንዘናውሑ መራሕቲ [ከምዞም ሽሞም ዝጠቀሰቶም መራሕቲ] ካብ ዝንእድ ሰብ ካልእ እንታይ ክንጽበ ንኽእል?” ኢላ።

ብምስዓብ “ኣብ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ቱርኪ ወይ ኣብ ሩስያ ኣይኮንካን ዘለኻ ኢለ ከዘኻኽሮ ግን እደሊ” ኢላ።