ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ገዝኦም ክኸዱ ዘይክእሉ 400 ሽሕ ባሕረኛታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ባሕረኛታት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣይክኣሉን

ምንጪ ስእሊ, Gimeil O Abuda

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ባሕረኛታት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣይክኣሉን

ፊሊፒናዊ ተሓጋጋዚ ኢንጅነር ንመዓልቲ መርዕኡ ሚሒር ናፊቑ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ካብ ገዝኡ ካብ ዝወጽእ፡ መሬት ከይረገጸ ባሕሪ ኮለል ክብል እነሆ 16 ኣዋርሕ ኮይኑዎ ኣሎ።

ሰለስተ ግዜ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ፈቲኑ፤ ግን ኣይክኣለን።

ክሳብ ሕጂ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዕረፍቲ'ውን ክረክብ ዘይከኣለ ባሕረኛ እዩ።

"መዓልታዊ ብዙሕ ስራሕ ኣለኒ፤ ኩሉ ግዜ ክሰርሖ ዝግብኣኒ ሪፖርት'ውን ብዙሕ እዩ፤ ቀዳመ ሰናብቲ ከይተረፈ ማለተይ'የ" ይብል 'ኣሎና'።

ካብ ስርሑ ንከይስጎግ ትኽክለኛ ስሙ ከይንጥቀም ስለዝሓተተ 'ኣሎና' ዝብል ሽም ኣጠሚቕናዮ ኣለና።

ንሱ ምስ ካልኦት ትሸዓተ ኣባላት ካብ መርከብ ከይወረዱ ነዊሕ ኮይኑዎ ኣሎ።

እቶም ባሕረኛታት በቲ ኩነታት ሻቕሎቶም ስለ ዝውስኽ ሓሓሊፎም ይሓርቁን ናይ ስራሕ ሞራሎም ባይታ ይዘብጥን።

ኣብዚ ኣዋን ኣስታት 400 ሽሕ ናብ ገዝኦም ክኸዱ ዝጽበዩ ባሕረኛታት ከም ዘለው ይእመን።

መብዛሕትኦም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መርከብ እናሃለው ዝተዓገቱ ኮይኖም፡ ሰብ መዚ ወደባት ከኣ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ክብሉ ከሕልፉዎም ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ሓንሳብ ንስራሕ ዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ብኻልኦት ከይትክኡ ክኽልክላ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ እቲ ዘውጽእኦ ዘለዋ እገዳታት ንቤቶም ንከይምለሱ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ካብ መርከብ ከይወረዱ መዓልቲ ዝደፍኡ ባሕረኛታት ኣለው። እዚ ካብቲ ዓለም ለኻዊ ውዕል ወጻኢ እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ማሕበራት ሰራሕተኛታት እዚ ተግባር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣገዲድካ ምስራሕን እዩ ክብላ ይኸሳ ኣለዋ።

ገለ ሃገራት'ውን እዚ ኣብ ዓለም ለኻዊ ኣገልግሎት መርከብ ጸቕጢ ከየሕድር ብምስጋእ፡ በቲ ዘሎ ኩነታት ሕጉሳት ኣይኮናን።

ናይ መርከብ ኮንተይነር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለም ለኻዊ ፌደሬሽን ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ሰነድ፡ 926 ባሕረኛታት ዝተሳተፍሉ መጽዕታዊ ዳህሳስ ንቢቢሲ ሂቡ ኣሎ።

ኣብዚ፡ እቶም 59 ሚኢታዊት፡ ሒዞምዎ ዝተጉዓዙ ጉጅለ፡ ብኻልእ ተረኛ ዝኾነ ጉጅለ ክትካእ ብዘይምኽኣሉ ውዕሎም ከናውሑ ከም ዝተገደዱ ገሊጾም።

እቲ መጽናዕቲ ኣስታት 26 ሚኢታዊት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ልዕሊ እቲ ብሕጊ ክጸንሕሉ ዝፍቀድ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክጸንሑ ከም ዝተገደዱ ይገልጽ።

ካብዚኦም ገሊኦም ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኣብ ባሕሪ ዝጸንሑ እዮም።

ባሕረኛታት፡ ብሕጊ ካብቲ ክጸንሕሉ ዝግባእ መዓልቲ ይጸንሑ እንተሃልዮም ዝኣተውዎ ውዑል ከቋርጹ መሰል ኣለዎም።

እዚ ግን ብውሑድ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል።

"ካብ ዝኾነ መሬት ርሒቕና ኣብ ማእከል ባሕሪ እንተኾይንና፡ መርከብ ክትሰምጠሉ ወይ ዝኾነ ሓደጋ ክገጥማ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል። ስለዚ ድማ እታ መርከብ ስርሓ መታን ንክትቕጽል፡ ኣነ'ውን ይፍተዎ ይጽልኣዮ ስርሐይ ክቕጽል ኣለኒ" ይብል ኣሎና።

ብዙሓት ብድኻምን ሓደጋ ከይበጽሖምን ኣብ ስግኣት እዮም ዘለው።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት "ኣብ ልዕሊ ሰብ፣ ንብረትን ከባቢያዊ ትሕዝቶ ባሕርን ጉድኣት ከይበጽሕ" ዘለዎም ስግኣት ካብ ባዶ ክሳብ 10 ኣብ ዘሎ ከቐምጡ ምስተሓተቱ፡ እቶም 71 ሚኢታዊት ሓሙሽተን ልዕሊኡን ክህብዎ እንከለው፡ እቶም 15 ሚኢታዊት ድማ 10 ኢሎም።

እቲ ዝኸፍአ፡ 8 ሚኢታዊት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ከም ዘይተኸፈሎም ይገልጹ።

ካልኦት 30 ሚኢታዊት ድማ ሕክምናዊ ጠለባት ክማልኦም ከም ዘይክኣለ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ሆንግ ኮንግ፡ ብርክት ዝበሉ ባሕረኛታት ነታ መርከብ ገዲፎም ናብ ሕክምና ስኒ ክኸዱ ስለ ዘይኽኣሉ፡ ባዕላቶም ስኖም ነቒሎም ይድርብዩ ከም ዘለው ሰሚዐ'የ ኢሉ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሩሲያዊ ባሕረኛ ኣሌክሲ ኩሊባባ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢሙዎ ክነሱ ሕክምና ተነፊጉዎ።

እዚ ድማ ሰብ መዚ ኢንዶኖዢያ ብምኽንያት ኮቪድ-19 እታ መርከብ ክትኣቱ ስለ ዘየፍቀዱ ክረኽቦ ዝግባእ ህጹጽ ሕክምና ስለ ዝተነፍጎ፡ ሓደ ክፋል ኣካሉ ብስርዓት ክሰርሕ ኣይክእልን ዘሎ።

በዓልቲ ቤቱ፡ በዚ ከም ዝሰንበደት ብምግላጽ ህጹጽ ሕክምና እንተዝረክብ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ምሃለዎ ትብል።

ዋና ጸሓፊ ዓለምለኸ ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ስቴቨም ኮቶን "ዝሓመመ ባሕረኛ ሕክምና ተኸሊኡ እንተኾይኑ እዚ ልክዕ ሓደ ዘይተጽሓፈ ሕጊ ተግባራዊ ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምስ ስጉምታት ዕጽዋ ተኣሳሲሩ ዝመጽአን ዘኽስስን እዩ" ኢሉ።

'ሕንቅልሕንቅሊተይ ሎጀስቲክስ'

ኣሎናን ጉጅልኡን ሒዛ ካብ መዐደኒ ዝርከብ ጽሩይ ጨው ሒዛ ናብ ከተማ ኣንቾሬጅ ዝመጽአት መርከብ ንክትምለስ፡ እቲ ዝልኣኾም ኤጀንሲ ዕደና መምለሲኦም ኣዳልዩ'ሎ ዝብል ጽንጽንታ ይሰምዑ ነይሮም።

ኣብ ቻይናን ኮርያን ተመሳሳሊ ፈተነ እንተተገብረ እአኳ ብሓዲኡ እውን ክሰምር ስለ ዘይኽኣለት እነሀለው ኣብ ማእከል ባሕሪ ይዛውኑ።

እታ መርከብ ካብታ ከተማ ናብ ወደብ ምስተጸግዐት፡ ሓደ ሕማቕ ዜና ተሰሚዑ።

እቲ ኤጀንሲ ከዋድዶ ዝግባእ ናይ ስራሕ ወረቐት ኣብ ሰዓቱ ከቕርብ ስለ ዘይክኣለ እቶም ንዕኦም ክትክኡ ዝተባህሉ'ውን ካብ ማኒላ ክብገሱ ኣይክኣሉን ተባሂሉ።

ብዙሕ ግዜ ተስፋ ገይሮም፤ ሕጂ'ውን ብተስፋ ይጽበዩ ኣለው።

ተረኛ ሰራሕተኛታት ምቕያር፡ ናይ ኩሉ ግዜ "ሕንቅልሕንቅሊተይ ሎጀስቲክ" እዩ ይብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤጀንሲ ዕደና ኣንግሎ-ምብራቕ ሆጋርድ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም 16 ሽሕ ባሕረኛታት ኣለውዎ።

መርከብ ኬፕ ሄንሪ

ምንጪ ስእሊ, 'Alona'

እገዳ ምንቅስቓስ፡ እዚ ጉዳይ ክኸብድ ካብ ዝገበሩዎ ሓደ እዩ።

ሰራሕተኛታት ብምኽንያት እገዳ ምንቅስቓስ ካብ ሃገሮም ክወጽኡ ኣይክኣሉን። ኣብ ወደባት ዘሎ እገዳታት ድማ ብቕልጡፍ እዩ ዝቀያየር ዘሎ።

ዋላ'ውን እተን ናይ ሰራሕተኛታት ምቅይያር ክህሉ ዘፍቅዳ ሃገራት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከምዝፍጸም ኣብ ምግባር ብዙሕ ከምዘይተዓወታ ይግለጽ።

"ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፡ እዚ ዕድል'ዚ ክህሉ'ዩ ዝብል ሓሳብ ነይሩና። ግንከ ሲንጋፑርን ሆንግ ኮንግን ኣብ ሓደ እዋን ስኢንናየን" ይብል እቲ ዋና ጸሓፊ።

ኣብ ሞንጎ እቶም ባሕረኛታት ዝፍጠር ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ድማ ካልእ ስግኣት ክፈጥር ጀሚሩ።

ኣሎና፡ ኣብ መርከብ ዝሰርሐሉ ምኽንያት እቲ ዝኽፈሎ ዝሓሸ ስለ ዝኾነ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ስራሕ ነዊሕ እዋን ካብ ገዛኻ ክትርሕቕ ዝገብር'ኳ እንተኾነ፡ ሕጽይቱ ግን ብትዕግስቲ ትጽበዮ ከም ዘላ ተዛሪቡ።

ብገንዘብ ዓቕሙ ምስደልደለ ድማ ካብዚ ኢንዳስትሪ ክወጽእ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

"መንእሰይ እናሃለኹ ገንዘብ ክረክብ እሞ ድሕሪኡ ናይ ባዕለይ ስራሕ ክጅምር መደብ ኣለኒ" ኢሉ።

ባሕረኛ

ምንጪ ስእሊ, Capt Angelo U Panganiban

ሕጂ ድማ ጽቡቕ ወረ ዝስማዕ ይመስል። እቲ ንበዓል ኣሎና ክትክእ ዝተዳለወ ጉጅለ ካብ ፊሊፒንስ ተበጊሱ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ብራዚል ክበጽሑ እንከለው ኣሎናን መሳርሕቱን ካብቲ ቫይረስ ናጻ እንተኾይኖም ኣብ መወዳእታ ሰዓት ናብ ገዝኦም ክኸዱ እዮም።

ብኮሮናቫይረስ ምልካፍ እንተልዩ ግን ተስፋኻ ምጽልማት እዩ።

ሲንጋፖር፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ባሕረኛታት ከምዝቀያየሩ ምግባራ ንኻልኦት ሃገራት ከም ጽቡቕ ተሞኩሮ ይቐርበለን።

ኩሎም ካብ ጉዕዞ ዝምለሱ ንኽልተ ሰሙን ክውሸቡ ትገብር ነይራ። በዚ መሰረት፡ ኣሎና ንኣዋርሕ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናዕ ብሰኑይ'ዩ መሬት ረጊጹ።

ንሱ፡ ዳርጋ ንሓደ ዓመት መሬት ከይረገጸ ብምጽንሑ ሕጂ ብዝረኸቦ ዕድል ኣዝዩ ሕጉስ እዩ።

"ኣዝየ ሕጉስ እየ፤ እዚ ንባሕረኛ ፍሉይ ስምዒት እዩ" ኢሉ።

ኮሮና