ኮሮና ቫይረስ፡ ዓዲ ኢንግሊዝ ምሉእ ዕጽዋ ክትእውጅ እያ

ማስክ ምግባር ግዴታ እዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ቀዳማይ ሚኒስትርር ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኢንግላንድ ናይ ሓደ ወርሒ ዕጽዋ ከም ዝእውጅ ተፈሊጡ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መጠን ዝርግሐ ኮቪድ-19 እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላው ኪኢላታት ጥዕናን ሰብ መዚ መንግስትን ኣቐዲሙ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ክውሰድ ክጽውዑ ጸኒሖም።

ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ዝጸንዕ ንኣብያተ ትምህርቲ ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲን ዘይምልከት ዕጽዋ ካብ ቤት ኣይትውጻእ ክጅመር ምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ኣለው።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲማ ናይ ዕጽዋ ምክልኻል እንተዘይገይራ፡ መዓልታዊ 4000 ሰባት ክሞቱን ካብ ቀዳማይ ማዕበል መጥቃዕቲ ኮሮናቫይረስ ዝበዝሐ መጠን ሞት ከየጋጥማን ይስጋእ።

እቲ ዕጽዋ ሕጂ እንተተገይሩን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ እንተተገቲኡን ግን ኣብ እዋን በዓል ልደት ኩነታት ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘሎ ይሕበር።

ኣብ እዋን ቀዳማይ ዙርያ መጥቃዕቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብቲ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ዝበጽሓሉ እዋን መዓልታዊ ሽሕ ሰባት እዮም ዝሞቱ ነይሮም።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ይዓብን መጠን ሞት ይውስኽን ብምህላው፡ ቤልጂም፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዕጽዋ ኣዊጀን ኣለዋ።

እቲ 'ሎሚ'ዶ ጽባሕ መድሃኒትን ክታበትን ይርከብ' ብማለት ልዑል ተስፋ ኣሕዲሩ መዓልታዊ ዜናታት ርኽበት ሓዲሽ መድሃኒት ክጸናጸን ዝውዕል ዘሎ ህዝቢ ከኣ ሻቕሎቱ መመሊሱ ይዓርግ ኣሎ።

እቲ ብቢቢሲ ዝቐረበ ሰነዳዊ ምድላዊ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ከም ዝዓርግን ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ክንኪ ተስፋ ከም ዘሎን የረድእ።

ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ( NHS) ኣብ እዋን በዓል ልደተ ክርስቶስ ሆሰፒታላት ሓደሽቲ ሕሙማት ክቕበላ ከም ዝጽገማን ኩሉ ህጹጽ ዘይኮነ ቆጸራታት ሕክምና ከም ዝስረዝን ገሊጹ ኣሎ።

ኮሮና