ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ 94 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

ትራምፕ ኣብ ፍሎሮዳ ኣብ ዝነበሮ ጎስጓስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 94 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።

ትማሊ ሓሙስ 91 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተታሕዙ ዝገለጸት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት፡ መዓልታዊ ልዑል ቑጽሪ መልከፍቲ ከም ዝተመዝገበ ትገልጽ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ንጀነው፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ትሸዓተ ሚልዮን ከም ዝበጽሐ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።

ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ፕሬዝደንታዊ ስልጣን ንምውራስ ዝወዳደሩ ዘለው ሕጹያት ፕሬዝደንት ትራምፕን ጆ ባይደንን፡ ሓደ ካብ ዝካትዕሉ ጉዳይ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን 21 ግዝኣታት ኣመሪካ በቲ ለበዳ ተጠቒዐን ኣለዋ። ብፍላይ ገሊአን ግዝኣታት ኣብቲ መረጻ ወሳኒ ተራ ዘለወን እየን።

ሓንቲ ካብኣተን ግዝኣት ዊስኮንሰን ኮይና፡ ትማሊ ዓርቢ ዝነበረ ጎስጓስ መረጻ፡ ንዝርግሐ እቲ ለበዳ ከጋድዶን ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ሆስፒታላት ከጨናንቖምን'ዩ ተባሂሉ ይስጋእ።

"ኣብዚ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ሰብ ክእከብ የብሉን። ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሰን ከባቢ ግሪን ቤይን እቲ ለበዳ ብቕልጡፍ'ዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ" ክብሉ ሆስፒታላት ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ትማሊ፡ ቅድሚ ጎስጓስ መረጻ ምክያዱ "ዝለዓለ ቑጽሪ መርመራ ብምግባር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብብዝሒ ንረክብ ኣለና። ሞት ግን ይንኪ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ'ዩ።

ብምኽንያት እዚ ለበዳ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ምድላዋት ካብ ዕጽው ኣዳራሽ ወጻኢ ከምዝካየዱ እኳ እንተተገበረ፡ ኣካላዊ ርሕቀት ስለ ዘይሕሎን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ምጥቃም ክፍተት ስለ ዘሎን እቲ ለበዳ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ጆ ባይደን'ውን ተመሳሳሊ ጎስጓስ መረጻ የካይድ ኣሎ። እንተኾነ ዴሞክራት ግን ኣካላዊ ርሕቐት ከምዝሕሎ ይገብሩ እዮም ይበሃል። ንኣብነት ደገፍቶም ኣብ መኪናታቶም ኮይኖም ከምዝከታተሉዎ ይሮም።

ከም ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣመሪካ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ሞት ልዕሊ 229 ሽሕ ሰባት ከም ዘመዝገበት ብምግላጽ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ መዓልታዊ መጠን ሞት ይውስኽን ናብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሓፍ ክብ ኢሉን ኣሎ ይብል።

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመሪካ፡ ኣብዚ ወቕቲ መጠን ሞት ክውስኽ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ ኣለው።

ኮሮና