ኣስታት 400 ሽሕ መንእሰይ ትግራይ ሸቕሊ ኣልቦ ምዃኖም ተገሊጹ

ኣገልግሎት ታክሲ ከተማ ዝወሃበሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን፡ ካብ 25 ክሳብ 30 ሚእታዊት መናእሰይ ትግራይ ስራሕ ኣልቦ ከም ዝኾኑ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ክልል ካብ 18 ክሳብ 35 ዓመት ዝኾኑ 1.2 ሚልዮን መናእሰይ ከም ዘለው ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ መንጎኦም ኣስታት 400 ሽሕ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ከምዘለው ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣቶ ሰናይ ክሓሰ፡ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ተደሚሮም እቲ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ ንዝተፈላለዩ ጸገማት ይቃላዕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

"ትግራይ ንጹር ፕሮግራም ልምዓት መንእሰይ ስለ ዘይብላ ድማ፡ ኣብ ህንጸት እቲ መንእሰይ ስፍሕ ዝበለ ክፍተት ኣሎ" ዝብል ኣቶ ሰናይ፡ ብኸመይ ናይ ስራሕ ባህሊ የዕቢ? ንነብሱን ስድርኡን ክገብሮም ዝግባእ ተግባራት እንታይ'ዮም? ዝብል ግንዛበ ከምዘይህልዎ ገይሩ ክብል ነቒፉ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ፡ እቲ መንእሰይ ንሽቕለት ኣልቦነት ተቓሊዑ፡ ኣብ መስተን ወልፊታትን ካልእ ማሕበራዊ ቅልውላውን ይጽመድ ስለዘሎ፡ እቲ ህንጸት መንእሰይ ከካይድ ዝግብኦ መንግስታዊ መሓውርን ዝምልከቶ ሲቪክ ማሕበረሰብን ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ ይብል ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር።

ትግራይ ናብ መንእሰያት ዝጠመተ ንጹር ፖሊሲ የብላን

እቲ ካልእ ዓብዪ ጸገም፡ ትግራይ ናብ መንእሰያት ዝጠመተ ንጹር ፖሊሲ ከምዘይብላ ዝገልጽ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ፡ እቲ ክውንነት ነዚ ሕጂ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ዘሎ ሽቕለተ ኣልቦነት ዘንጸባርቕ እዩ ይብል።

እቲ ሕጂ ዘሎ [ፖሊሲ] ካብቲ ብ1996 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብ ሃገራዊ ፖሊሲ ዝተቐድሐ ምዃኑ ዝዛረብ ኣቶ ሰናይ ክሓሰ፡ "ክትሪኦ ከለኻ ብዛዕባ ሰበኽ ሳግም እዩ ዘውግዕ" ብምባል ከምዘይተመሓየሸን ነቲ ፖሊሲ ዘፈጽም ፓኬጅ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘለዎን ይዛረብ።

"መንእሰይ ንቕሓተ ሕልንኡ ኣስፊሑ ክሰርሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ከም ገባሪ መንእሰይ ከኣ ሓታቲ ምዃኑ ዝነግር ፓኬጅ እዩ ዘለና። ኣነ እዚ ክገብረልካ እየ ንስኻ ከዓ ድልው ኩን ዝብል እዩ ናይ ትግራይ ናይ መናእሰይ ፓኬጅ። እዚ ድማ መንእሰይ ኣብ መንግስቲ ጥራሕ ተጸጊዑ ከምዝነብር ዝገብር እዩ" ኢሉ።

ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ነቲ መናእሰይ መሃዝቲ ስራሕ ንከይኾኑ ጸቕጢ ዝገብር ፖሊስ ብምዃኑ እቲ ኣቦ መንበር ይነቕፎ። ድኽንትን ስእነት ስራሕን ኣብ ዝህልወሉ ኣጋጣሚ መናእሰይ ተስፋ ብምቑራጽ ኣድላዪ ናብ ዘይኮኑ ስራሕቲ ክኣትው ከም ዝደፋፍኦም ይዛረብ።

"ተስፋ ምቑራጽ ክፍጠር ከሎ ናብ ኣልኮላዊ መስተን ካልኦት ወልፊታትን ስለ ዘምርሑ ናብ ክትራንን ካልእን ዝኣትው መናእሰይ ኣለው ዝብል ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ኢና። ካልኦት ምቹእ ኩነታት እናሃለዎም ነቲ ዝረኽቡዎ ጸጋ ዘይጥቀሙ'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ጉድለታት ይዛይድ" ኢሉ።

መድረኽ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ይዳሎ'ዶ?

ከም ሓበሬታ ማሕበር መናእሰይ እቲ ክልል እንተኾይኑ ኣብ ትግራይ፡ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥሪ መድረኽ ስራሕ ኣልቦ ሰባት የካይድ እዩ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል መሰረት ተገይሩ መንግስቲ'ውን ዝሕዞም መደባት ሕርሻ ከተማ፣ ማዕድንን ካልኦት መንእሰይ ዝሳተፈሎም ግንባራትን ብዝርዝር ዝቐርብሉ ኮይኑ፡ ኣብዚ እቶም መናእሰይ እኹል ዕድል ከም ዘሎዎም ይንገሮም።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ክልተ ጉድለታት ኣለው ብምባል እቲ ኣቦ መንበር ይጠቅስ።

ሓደ መንግስቲ ዘቕርቦም ቀረባት፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ዝደልዮ ሰዓት ዘይምቕራቦም'ዩ።

"ልቓሕ ሓቲቶም ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ዝጽበዩ መናእሰይ ኣለው። ስራሕ ዕድል ተፈጢሩሎም (ክሬቸር) ግን ድማ መሰረተ ልምዓት ብዘይምህላው ንልዕሊ ክልተ ዓመት ስራሕ ከይጀመሩ ዝጸንሑ መናእሰይ ኣለው።

. . . መስርሕን መሸጥን ቦታ ተዋሂቡዎም መሰረተ ልምዓት ማይን መብራህትን ከምኡ'ውን መገዲ ብዘይምምልኡ ንብዙሕ ዓመታት ዝከላበቱ መናእሰይ ኣለው። ነዚ ንክረኽቡ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። እዚ መንግስቲ ናይ ኣፈጻጸረማ ጉድለት ከርኢ ከሎ ኣብቲ መንእሰይ'ውን ተስፋ ናይ ምቑራጽ ዝንባለ ይመጽእ፡ ኣይሕግዙናን ናብ ዝብል ስምዒት ይኣቱ" ብምባል የብርህ።

እቲ ፓኬጅ መናእሰይ ብጽሒት ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝርዝር ስለዘይሕብር ካልእ ጸገም እዩ።

እዚ ማለት ወለዲ እንታይ'ዮም ክሕግዙ? ሰብ ሃፍቲ እንታይ ይገብሩ? ማሕበረተሰብ ታይ ይሕግዝ? ዝብል ስለ ዘየነጽር ኩሉ ኣብ መንግስቲ ዝተንጠልጠለ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መንእሰይ ባዕሉ ደላልዩ ስራሕ ንክረክብ እቲ ፓኬጅ ዕንቅፋት ይኾኖ ኣሎ ዝብል ርድኢት ኣለዎ እቲ ኣቦ መንበር።

"ብደረጃ ክልል ኣብ ዝካየዱ መድረኻት እዝን እዝን ክንሰርሕ ኢና ዝብል ቃል ተኣትዩ ዝተጀመረ ነገር ኣሎ። እንተኾነ ኣብቲ መድረኽ ተረዳዲእኻሎም እትወጽእ ነገራትን ኣብ ትግባረ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ" ይብል ኣቶ ሰናይ።

ከም ማሕበር ምስ ድጋፍ ወሃብቲ ትካላት ብሓባር ዝሰርሕ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዓብዪ ድጋፍ ግን ናይ መንግስቲ ሃብቲ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ተጠቒሙ ከተኣሳስሮም ከም ዝጽዕር ይገልጽ።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንእሰይ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ከይንካእ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ቀሊል ኣይኮነን፤ ብናይ ባዕልና ድኽመት ማሕበራዊ ቅልውላው ዘጋጥሞም ውሑዳት መናእሰይ ከኣ ኣለው። ስለዚ ነዚኦም ዝኣሊ፣ ናብ ስሩዕ ስራሕ ዘእቱ፣ ፕሮግራም ቀሪጽካ ክስራሕ ኣለዎ" ክብል ከኣ ይላቦ።