ኦባማ፣ ቡሽን ክሊንተንን ብቴሌቪዥን እናተርኣዩ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ’ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንታት ኣመሪካ ዝነበሩ ባራክ ኦባማ፣ ጆርጅ ደብሊው ቡሽን ቢል ክሊንተንን፡ ብፍቓዶም ብቴሌቪዥን እናተርኣዩ ክታበት ኮቪድ-19 ክወስዱ ከም ዝደልዩ ኣፍሊጦም።
ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣመሪካ ነበር፡ እቲ መድሃኒት ብበዓል መዚ መድሃኒት ኣመሪካ ፍቃድ ምስ ረኸበ፡ ኢድና ክንዝርግሕ ድሉዋት ኢና ኢሎም።
ዴሞክራት ኦባማን ክሊንተንን ከምኡ'ውን ሪፐብሊካን ቡሽን ካብ ሰብ ሞያ ፍቓድ ምስረኸቡ'ዮም ነዚ ክታበት ክወስዱ ዝኽእሉ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምውሳድ ፍቓደኛ ናይ ምዃን ጸገም ከም ዘሎ ክግለጽ እንከሎ፡ እዞም መራሕቲ ድማ ነቲ ህዝቢ ንምትብባዕ እቲ ክታበት ክወስዱ ድሉውነት ከም ዘርኣዩ ተገሊጹ።
ቅድም ኢሉ ካብ ህዝቢ ዝተኣከቡ ርኢይቶታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ጉዳይ ክታበት ቁሩባት ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም ክታበት ጉድኣቱ'ዩ ዘመዝን፣ እንታይ ከም ዝወሃበና'ኸ ብምንታይ ንፈልጥ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም።
ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኩባንያታት ክታበት ሞዴርናን ፒፋይዘርን ዝረኸቡዎ ውጽኢት ወግዓዊ ምስ ገበሩ ዝተኣኸበ ርኢይቶ ህዝቢ ከም ዘመላኽቶ ካብ 10 ኣመሪካውያን እቶም ሽዱሽተ ክታበት ንምውሳድ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ኣመሪካ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ፍቓድ ኣይሃበትን።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ሞዴርናን ፒፋይዘርን ዘቕርቡዎ ውጽኢት ምርምር ክታበት ኣብ ግምት ብምእታው ውሳነ ክተሕልፍ እያ።
ባራክ ኦባማ ድማ፡ "ቃል ይኣቱ፤ እቲ ክታበት ንከማይ ዝበሉ ሰባት ክስራሕ እንከሎ ክኽተብ'የ" ኢሉ።
ንሱ ምስ ሓደ መደበር ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ብቴሌቪዥን ቀሪበ'የ ክኽተብ። ሰባት ኣብ ሳይንስ ከም ዝኣምኑ ክፈልጡ ይደሊ'የ። እንተተኸቲበ ድማ ኮቪድ-19 ኣይሕዘንን ኢለ ይኣምን" ኢሉ።
ተወከልቲ ቡሽን ክሊንተንን ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብቴሌቪዥን ቀሪቦም ንክኽተቡ ፍቓደኛታት እዮም ኢሎም።
እቲ ህዝቢ'ውን ንክኽተብ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ኣመሪካ፡ ቑጽሪ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ሰባት ንፈለማ እዋን ልዕሊ 100 ሽሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣብ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዕጽፊ ዝዓበየ'ዩ።
መዓልታዊ ዘጋጥም መጠን ሞት 2733 ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 14 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ ካልኦት ልዕሊ 274 ሽሕ ከኣ ሞይቶም።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመላኽቱዎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሰሙናዊ ሓደ ሚልዮን ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝትሓዙ ሰባት ይርከቡ ነይሮም፤ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 99 ደቒቕ ዝምዝገብ ማለት'ዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







