ግድብ ሕዳሰ፡ ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገን

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ ሓበሬታ ንምልውዋጥ፡ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክውክላ ዘቕረበትለን ጻውዒት ነጺገንኦን።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ናይ ክረምቲ ኣዋርሕ (ሓምለን ነሓሰን፤ ኢሉ'ውን መስከረም) ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካይድ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ገሊጾም ነይሮም።

ግብጽን ሱዳንን ከኣ፡ እታ ሃገር እትሃንጾ ዘላ ገዚፍ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ኣብ ግዱድ ስምምዕ ከይተበጽሐ: ምምላእ ማይ ክተካይድ የብላን ኢለን ክጉስጉሳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘቕርብኦ ሕቶ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ እንከላ፡ እቲ ግድብ ማይ ክትሕዝ ናይ ምግባር ስራሕ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝርርብ እናተኻየደ'ውን ክኸውን ዝኽእል ከም ዝኾነ ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ተራኺበን ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ክበተን እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምስ ግብጽን ሱዳንን ሓበሬታ ንምልውዋጥ ንክጥዕም ሰብ ሞይአን ከፍልጥኣ ሓቲታ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ'ቲ ሕጋውን ቀያድን ስምምዕ ከይተበጽሐ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብ ሞያ ከፍልጥኣ ዘቕረበትለን ጻውዒት ግብጽን ሱዳንን ኣይተቐበልኦን ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ንመግለጺ ሚኒስትሪ ማይን መስኖን እታ ሃገር ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኣብ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ስምምዕ ካብ ሞንጎ ዝተበጽሓሎም ጉዳያት ኣብ ውሱናት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ጥርጣረ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት፡ እተን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ይገብራ ምህላወን ይግለጽ።

ሱዳን ንመስኖን ዝስተ ማይን ዘድልያ መጠን ማይ፡ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ቅድሚ ምጅማራ: ኣብቲ 600 ሚሊየን ሜትር ኲዩብ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ግድብ ጀበል ኣወልያ ክትዓቚር ምዃና ሱና ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ መስኖ ግብጺ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ እተካይዶ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ብዓብዪ ግድብ ኣስዋን ከም ዘከሓሕሱዎ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ስግኣቱ ደርቂ እንተጋጥም ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ፡ እቲ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ግድብ ሕዳሰ ማይ ንምምላእ ዝተትሓዘ መደብ ብዝኾነ መዐቀኒ ከም ዘይተናውሖ ብምግላጽ ነዚ ዝድግፍ ኣሰራርሓን ምኽንያትን የለን ኢሉ'ዩ።

ህንጸት እቲ ግድብ ንምዝዛም 20 ሚኢታዊት ከም ዝተረፎ ክግለጽ እንከሎ፡ ሙሉእ ስርሑ እንትጅምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪ ዘምንጩ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።

ሰብ መዚ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ብምኽንያት እዚ ግድብ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽብኦ መጠን ማይ ክንኪ'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለወን ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን'የን።