ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዩጋንዳን ግብፅን ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ክለዋወጣ ተፈራሪመን

ባንዴራ ኡጓንዳን ግብጽን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዝኾና ኡጋንዳን ግብፅን፡ ወተሃደራዊ ሓበሬታት ንምልውዋጥ ከምዝተሰማምዓ ተገሊፁ።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፤ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ'ዩ፡ ክልቲአን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝፈራረማ ዘለዋ።

ሰራዊት ምክልኻል ኡጋንዳ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ወተሃደራዊ ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ብምዝታይ ነዚ ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ገሊፁ።

“እቲ ሓቂ፡ ኡጋንዳን ግብፅን ሩባ ናይል ብሓባር ዝጥቀማ እየን። ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ዝተርፍ ኣይኮነን''።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ግብፂ ጀነራል ሳሜሕ ሳበር ኤል ደግዊ ከምዝሓበሮ፡ ''ንኡጋንዳ ዝጸሉ ጉዳይ፡ ንግብፂ’ውን ብተመሳሳሊ ምጽላው ዘይተርፍ ኢዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ሞንጎ ግብፅን ኢትዮጵያን ንዓመታት ሓያል ወጥሪ ክሰፍን መንቀሊ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ግብፂ ነቲ ኣካታዒ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ክተፍርሶ ትኽእል እያ ምባሉ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ እዚ ግድብ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መሰረት ቁጠብኣን ከምዝኾነ እያ ትገልፅ።

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ብወገነን፡ እዚ ግድብ፡ ናብአን ንዝፈስስ መጠን ማይ ብልዑል ኩነታት ክንክዮ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን።

ሩባ ናይል፡ ካብ ክልተ ሃገራት እዩ ዝብገስ፤ ኡጋንዳ መመንጨዊት ዋይት ናይል ክትከውን እንከላ፡ ኢትዮጵያ ከኣ እቲ ዝዓበየ ብፅሒት ዝሕዝ ብሉናይል መበገሲት እያ።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዘይስምምዕ ምብታኑ ይፍለጥ።

ኣገዳስነት ግድብ ህዳሰ

እዚ ህንጸቱ ኣብ 2011 ዝተጀመረ: 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ግድብ፡ ልዕሊ 6,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ከምዝኽእልን፡ ክሳብ ሕጂ ድማ 75% ተዛዚሙ ከምዘሎ ይግለጽ።

እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ሱዳንን ሓያል ወጥሪ ፈጢሩ ከምዝርከብ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይሕብሩ። ሰለስቲአን ሃገራት ተደጋጋሚ ርክባት ብምክያድ እኳ እንተዘተያ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።

ግብጺ፡ ኣስታት 90 ሚእታዊት ናይ ማይ ጠለባ ካብ ፈለግ ኒል እተማልእ ብምዃና፡ እቲ ፈለግ መሰረት ህላወኣ ከምዝኾነ እያ እትገልጽ።

ግድብ ህዳሰ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ማያዊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ግድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።