ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ፡ ሓደሽቲ ኣፍሪቃውያን መሓዙት ግብጺ

ሓይልታት ግብጽን ሱዳንን ኣብ ደቡባዊ ዞባ ካርዳቫን፡ ሱዳን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ እናኣካየዱ 31 ግንቦት 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብጺ ብጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ትሰሐሓብ ኣብ እትርከበሉ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዲፕሎማስያውን ወታሃደራውን ተሰማዕነት ንምሕያል ትሰርሕ ኣላ ይብል ግብጻዊ ተንታኒ ማግዲ ዓብደልሓዲ፡፡

ብ1875 ዝተመስረተ ጂኦግራፍያዊ ማሕበረሰብ ግብጺ፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዘለዋ ድልየት ዘንጸባርቑ ገለ ድርሳናት ኣለዉዎ፡፡ ካብዚኦም ሓደ ደቡባዊ ዶብ እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ቃላይ ቪክቶርያ ገይሩ ዘርእይ ታሪኻዊ ካርታ እዩ፡፡

እቲ ጂኦግራፍያዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ እዋን እቲ ነዊሕ ዘይጸነሐ ሃጸያዊ ሕልሚ ግብጺ ዝተመስረተ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ንሱዳን ኣብ ቁጽጽራ ክተውዕላ እንከላ ንኢትዮጵያ ንምውራር ድማ ካብ 1874 ክሳብ 1876 ከበድቲ ወታሃደራዊ ወፍሪታት ኣካያዳ፡፡ ኮይኑ ግና ብዘሕፍር ኣገባብ ብኢትዮጵያ ተሳዒራ፡፡

ግብጺ ድሕሪ 70 ዓመታት፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ መሪሕ ብምዃን ነቲ ገባታይ ድሕረ ባይታኣ ኣከሓሒሳቶ፡፡

ኣብ ኲናት ዓረብ-እስራኤል ኢዳ ምስኣእተወት ድማ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝነበራ ምንቅስቓስ ቀኒሳ፡፡ እንተኾነ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግና ብፍላይ ኣብ ተፋሰስ ናይል ምስዝርከባ ሃገራት ዘለዋ ርክብ መሰረታዊ ብዝበሃል መልክዕ ተቐዪሩ፡፡

ግብጺ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ቁጠባውን ወታሃደራውን ትሕዝቶታት ዘለዎም ስምምዓት ምስ ሃገራት ዩጋንዳ፣ ኬንያ፣ ቡሩንዲ፣ ርዋንዳን ጅቡቲን ከቲማ እያ፡፡

ምስታ ኣብ ቀረባ እዋን ነፈርቲ ውግእን ፍሉይ ሓይሊታትን ዘሳተፈ ወታሃደራዊ ልምምድ ሓቢራታ ዘካየደት ሱዳን ሰፋሕቲ ስምምዓት ምትሕግጋዝ ካብ ዝገብራ ጸኒሐን እየን፡፡

ብግድብ ህዳሰ ዝሓለፈ ፈለግ ኣባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብግድብ ህዳሰ ዝሓለፈ ፈለግ ኣባይ

መስመራት ኤሌክትሪካ ምስ ሱዳን ኣራኺባ ዘላ ግብጺ፡ ከተማ ኣለክሳንድርያ ምስ ኬፕ ታውን ዘራኽብ ናይ ባቡር መስመር ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ገዚፍ ራእይ ንምትግባር ትትልም ኣላ፡፡

ነዚ ኩሉ ናይ ለውጢ ፖሊሲ ምኽንያት ዝኾነ ግን ሓደን ሓደን እዩ፤ ኢትዮጵያ ‘ዓብዪ ግድብ ህዳሰ’ ኢላ ዝሰየመቶ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝርከብ ግድብ፡፡

በዓል ሞያ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ናኢል ሻማ ‘‘ግብጺ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዲፕሎማሲ ተሞርኲሳ ጸኒሓ እያ፡፡ እንተኾነ እቲ ናይ ዘተ መገዲ ዝተዳኸመ ወይ ናብ ምድኻም ዝቐረበ ይመስል’’ ኢሉ፡፡

ስግኣት ድርቂ

ግብጺ ዓበይቲ ወፍሪታት ኢንቨስትመንት ትገብረሎም ናይ ዘላ ሃገራት ካልእቲ መርኣያ ታንዛንያ እያ፡፡ ኣብዚ ኣብ ሪፊጂ ሩባ ዝተሃነጸ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጁልየስ ነረረ ዓብዪ ኢንቨስትመንት ተካየድ ኣላ፡፡ እዚ ድማ እታ ኪንዮ ሩባ ናይል ካልእ ንመስተን ሕርሻን ዝኸውን ኣማራጺ ዘይብላ ግብጺ፡ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ክለምዓ ናይ ምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዋ ከም መርኣያ ክውሰደላ እትደልዮ እዩ፡፡

ግብጺ ኣብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ተቓውሞ የብላን፤ እንተኾነ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ከመይ ከምእተመሓድሮ ቀያዳይ ዝኾነ ስምምዕ እንድሕር ዘይፈሪማ፡ እቲ ግድብ ኣብ መጠን ፍሰት ሩባ ናይል ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ፡፡

እቲ ግድብ ንሕርሻ ግብጺ ከይጸሉን ድርቅን ሸቕሊ ኣልቦነት ከየስዕብን ስግኣት ኣሎ፡፡

ሩባ ናይል 3 ጥሪ 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩባ ናይል ኣብ ግብጺ ቀንዲ መስሕብ ቱሪስት እዩ

ወታሃደራዊ ቅልጽም ዘይኮነስ ንግዳዊ ርክባት

ትኹረትን ለውጥን ፖሊሲ ወጻኢ ግብጺ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝልወጥ ጸኒሑ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ግብጻውያን ግን ቁሩብ ዝደንጎየ እዩ ይብሉ፡፡

‘‘ኣብ ዘበናዊ ፖለቲካ ጽልዋ ዝፈጥር፡ መድፍዕን ጥይትን ኣይኮነን’’ ዝብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዌስት ሚኒስተር ዝምህርን ኣማኻሪ ንግድን ዋላ ባክሪ እዩ፡፡

‘‘ምስ ከም ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዝኾና ብሩንዲ፣ ርዋንዳ ወይ ዩጋንዳ ስምምዓት ጸጥታ ምግባር ግርም እዩ፤ ኮይኑ ግና ንግብጺ እቲ እትደልዮ ጽልዋ ከምጸአላ ኣይኽእልን’’ ክብል ጽሒፋ፡፡

ሓያል ንግዳዊ ምትእስሳር ካብ ወታሃደራዊ ቅልጽም ብዝበለጸ ውጽኢት ከምጸአላ ይኽእል ብምባል እውን ይሙግት፡፡

‘‘ግብጺ ዘይትደልዮ ዘበለ ኩሉ ካብተን ሃገራት ክትገዝእ ኣለዋ ዝበለ የለን፤ ንኣብነት ግን ሃገራት ተፋሰስ ናይል፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ደረጅኡ ዝሓለወን ቡን የፍርያ እየን፡፡ ግብጺ ከኣ በቢዓመቱ ልዕሊ 95.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቡን እትሽምት ኮይና ካብ 95 ምኢታዊት ንላዕሊ ግን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ካብ ዘለዋ ሃገራት እያ እትገዝእ’’ ይብል፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ እዋን ኣብ ግብጺ ዘሎ ስምዒት ነገር ምጽሕታር እናዐበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡ መራሒ እታ ሃገር ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ እውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብርትዕ ክብል ጸቕጢታት ይግበሮ ኣሎ፡፡

ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት እውን እንተኾኑ፡ነቲ ‘ናይ ግብጺ ናይ ማይ መሰል ከኽብር እንድሕር ዘይክኢሉ ናይ ምምራሕ ስልጣን የብሉን’ ዝብል ንምሕሳቡ ዝኸብድ ኣመለኻኽታ፡ ዓው ኢሎም እንተዘይኮነ እውን ይዛረብዎ ኣለዉ፡፡

ግብጺ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ግጥም ዘይተርፍ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ሃገራት እትዝርገሖ ዘላ ሰንሰለት ምሕዝነት ዋጋ ከምትረኽበሉ ተስፋ ትገብር፡፡