ግድብ ህዳሰ፡ ግብጺ ምስ ኣየኖት ሃገራት'ያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ?

ምንጪ ስእሊ, KENYA DEFENCE FORCES
ኢትዮጵያ ትሃንጾ ብዘላ ገዚፍ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ካብ ሩባ ኣባይ ዝረኽቦ ዓቐን ክንክዮ'ዩ ዝብል ስግኣት ክትገልጽ ዝጸንሐት ግብጺ ሃገራዊ ረብሕኣ ንምሕላው ዝተፈላለየ ጻዕሪ ትገብር ምህላዋ ትገልጽ።
ኣብዚ ጉዳይ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐን ከይተወድአን ከኣ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትጅምር ትሸባሸብ ኣላ።
ይኹን'ምበር፡ ግብጺ ምስ ሃገራት ታሕተዎት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ብምዃን ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክትገብር ጸኒሓ ኣላ።
ካብዚ ብዝብገስ ግብጺ ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከባ ሃገራትን ምስ ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይን ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሓደሽቲ ስምምዓት ዝገብሩ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ዝመርሑዎም ጉጅለታት ክትልእኽ ቐንያ።
ግብጺ ምስዘን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝገበረቶም ስምምዓት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዝብል ይጥቀስ።
በዚ ብፍላይ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብዝተፈለየ ደረጃ ዝግለጽ ወተሃደራዊ ስምምዓት ገይራ ኣላ። ምስ በዓል መን?

ሱዳን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ሱዳን ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪሙ'ዩ።
ግብጺ "ምስ ሱዳን ኣብ ኩሎም መዳያት ብፍላይ ወተሃደራውን ጉዳያት ድሕነትን ዘለዋ ርክብ ክጠናኸር ከም እትደሊ" ብምግላጽ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ጸገማትን ስግኣት ሃገራዊ ድሕነትን ከም ዝገጥመን ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ምስ ሱዳን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብዝተኣሳሰር ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላእ ግብጺ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕብባር 'ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ' ክብል ገሊጹዎ።
ሱዳናዊ መዘንኡ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ኦትማን ኣል ሑሴን ብወገኑ "ዕላማ እቲ ወተሃደራዊ ስምምዕ ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ንምኽባርን ብልምድን ፍልጠትን ዝተሃነጸ ሓይሊ ምህናጽን'ዩ" ብምባል ግብጺ ኣብ ፈታኒ እዋናት ኣብ ጎኒ ሱዳን ምዃና ኣመስጊኑ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ "ኣሞራ ኣባይ 1"ን "ኣሞራ ኣባይ 2"ን ዝተባህሉ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን እየን።
ኣብዚ ሰሙን'ውን ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ወተሃደራዊ ልምምደ ኣካይደን ከም ዝወድኣ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ኬንያ
ኬንያ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ያ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትር ሞኒካ ጁማን ኣዛዚ ሰራዊት ግብጺ ሌፍተናንት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ሄጋዚን እቲ ስምምዕ ከም ዝፈረሙዎ ሓቢሩ።
"ክልቲኦም ሰብ መዚ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ እተን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ዘለወን ምሕዝነት ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕ ቴክኒክ ምክልኻል ተፈራሪመን" ይብል።
ይኹን'ምበር ዝርዝር እዚ ስምምዕ ዝሓዞም ጉዳያት ብወግዒ ኣይጠቐሰን።
ጅቡቲ
ግብጽን ኬንያን እዚ ክልትኣዊ ስምምዕ ምስ ፈረማ ናብ ጅቡቲ ምብጻሕ ዝገበረ ፕሬዝደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ጅቡቲ ነጻነታ ምስ ኣወጀት ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዝገበረ ፈላሚ ፕሬዝደንት ግብጺ ኮይኑ።
ኣልሲሲን መዘንኡ ፕሬዝደንት እስማዒል ኦማር ጉሌሕን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ክህሉ ዝግብኦ ርግኣት ንምሕላውን ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ንምሕላውን ዘኽእል ፍትሓዊ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዝደልዩ ዘትዮም።
ፕሬዝደንት ኣልሲሲ "ሃናጻን ውጽኢታውን" ዘተ ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ክልቲኦም መራሕቲ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከም ዝተዛተዩ ኣብሪሁ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጋጥም ዝኽእል ግብረ ሽበራዊ ሓደጋታት ብሓባር ንምቅላስ "ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት" ክህልወን ትኹረት ከም ዝገብርሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ሕክምናዊ ረድኤት ሒዘን ናብ ጅቡቲ ከም ዝኸዳ ተገሊጹ።
ጅቡቲ፡ ኣካል ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ እንተዘይኮነት'ውን ኣታውን ወጻእን ንግዲ ኢትዮጵያ ዝሳለጠላ ኣውራ ሃገር ከም ዝኾነት ይፍለጥ።

ዴሞክራቲክ ኮንጎ
ግብጺ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ሩባ ናይል ወተሃደራዊ ስምምዕ ክትገብር እንከላ ምስ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከኣ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝጠመተ ስምምዕ ፈሪማ።
ፕሬዝደንት ኮንጎ ፌሊክስ ትሺከዲ ብ2 ለካቲት 2013 ናብ ግብጺ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትሕተ ቕርጺ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝስተ ማይን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስምምዕ ፈሪሞም።
መንግስቲ ኮንጎ ኣብ ማእከላይ ኮንጎ ግዝኣት ሳንቡሩ ሩባ ሉቢ ንዝስተ ማይ ዝውዕል ሓጽቢ ንምህናጽ ምስ ኩባኒያታት ግብጺ ስምምዕ ፈሪሙ።
ሩዋንዳ
ኣዛዚ ሰራዊት ሌፍተንናት ጀነራል መሓመድ ፋሪድ ካብ 27 ክሳብ 29 ግንቦት 2021 ኣብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ነይሩዎ።
ድሕሪ'ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ኣዛዚ ሰራዊት ሩዋንዳ ጀነራል ጄን ቦኮ ካዙራ ክልትኣዊ ዘተ ከም ዘካየደ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል ዝነበሩ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።
ክልቲአን ሃገራት ዝምድንአን ንምጥንኻር ኣብ ቑጠባን ንግድን ከምኡ'ውን ምክልኻልን ድሕነትን ብሓባር ክሰርሓ ጸኒሐን'የን።
ብተወሳኺ ሩዋንዳ ቅድም ኢሉ ዜጋታታ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ንክረኽቡ ናብ ግብጺ ትልእኽ ነይራ።
ብሩንዲ
ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሩንድን ግብጽን ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ወተሃደራዊ ስልጠናን ሓበራዊ ልምምድን ዘካተተ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪሞም ነይሮም።
እቲ ስምምዕ፡ ክሳብ ሰብ ሞያ ምልውዋጥ ዝበጽሕ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ምርድዳእ ዝፈጥር'ዩ ተባሂሉ።
ታንዛኒያ
ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወተሃዳረዊ ጉዳያት ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘትየን።
ሚኒሰረትሪ ምክልኻልን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ታንዛኒያ ሑሴን ምዊኒ ሃገሩ ምስ ግብጺ ዘለዋ ኩለ መዳያዊ ርክባት ክጠናኸር ከም እትደሊ ብምግላጽ ብፍላይ ጸረ ሽብር ዝገብሮ ምትሕብባር ክዓቢ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።
ብተወሳኺ ታንዛኒያ ወተሃደራዊ ኩባኒያታት ከምኡ'ውን ቴክኖሎጅን ዓቕሚ ሰብን ግብጺ ንምጥቃም ድሌት ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።
ፕሬዝደንት ኣል ሲሲ ብወገኑ ምስ ታንዛንያ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ኣብቲ እዋን ገሊጹ።
ኡጋንዳ
ግብጽን ኡጋንዳን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ዙርያ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ዘተኮረ ክልትኣዊ ስምምዕ ፈሪመን።
እዚ ሓላፊ ድሕነት ኡጋንዳ ኣቤልካንዲሆን ጀነራል ድሕነት ግብጺ ሳሜን ሳበር ኤል ደግዊን ዝፈረሙዎ ስምምዕ ክልተአን ሃገራት "ግብረ-ሽበራ ምቅላስ" ዝብል ሓዊሱ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ክለዋወጣ ዝፈቅድ እዩ።
ኣብቲ እዋን ሳሜህ ሳበር፡ "ኡጋንዳን ግብጽን ሩባ ኣባይ ዝማቐላ ስለ ዝኾና ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ ኣገዳሲ'ዩ፤ ምኽንያቱ ንኡጋንዳውያን ዝትንክፍ ብተዘዋዋሪ ንግብጺ ስለ ዘርክበላ" ኢሉ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







