ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ንሕቡራት ሃገራት ዝነቐፈት ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ካብ ስራሓ ደስኪላ

ማውሪን ኣቺየንግ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ ማውሪን ኣቺየንግ

ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ነቲ ውድብ ብምንቃፋ ካብ ስርሓ ተኣልያ ክትጸንሕ እቲ ትካል ወሲኑ።

እቲ ውድብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማውሪን ኣቺየንግ፡ "ናይቲ ትካል ክብርታት ብዘየንጸባርቕ ኩነታት ውልቃዊ ርእይቶኣ ብምክፋላ፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝምርመር ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ተዋሂቡዋ ኣሎ" ኢሉ።

ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ብዘይፍቓድ ቃለመሕትታት" ኣካይዳ ብዝብል ኣብ ልዕሊኣ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ዝገልጽ ሰነዳት ከምዝተዓዘበ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቺየንግ፡ ኣብቲ ኣካዪዳቶ ዝተባህለ ቃለመሕትት፡ ምስ ህወሓት ምድንጋጽ ኣለዎም ዝብሃሉ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣግሊለሞም ኢላ ምዝራባ ነቲ ትካል ባህ ኣየበሎን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ይዝከር። እቶም ሰበስልጣን፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተዋህቦም ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ምውጽኦም'ውን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ከም ሓንቲ ላዕለወይቲ ሓላፊት ዝሃበቶ ርእይቶ ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣእትዩዎ'ሎ።

ንሳ፡ ንሓደ ምስ መንግስቲ ዝደናግጽ ጸሓፋይ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ንሳ እትሰርሓሉ ትካል ምስቶም "ጨካናት" ከምኡ'ውን "ረሳሓት" ክትብል ዝገለጸቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ምድንጋጽ ከምዘርኣየ ትኸስስ። ምስቲ ትካል ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክድስክሉ ከምዝተገብረ'ውን ትጠቅስ።

ኣይ-ኦ-ኤም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እታ ሓላፊት ናይቲ ትካል፡ ንክብርታቱ "ዘየንጸባርቕ ውልቃዊ ርእይቶታት" ከምዝሃበት ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣተሓሕዛ'ቲ ኩነታት ኣንጻር መንግስቲ ዘለዎ ኣድልዎ ዘረጋግጽ'ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይምጉት።

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቢልለኔ ስዩም ብትዊተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጢ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ውሽጣውን ደጋውን ፖለቲካዊ ጽልዋ" ክምርመር ኣለዎ ኢላ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ርእይቶ ናይታ ሓላፊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣንጻሮም ኣድልዎ ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ነቒፎም ኣለዉ።

ኣብቲ ብምስጢር ዝለሓዄ ድምጺ ካልእ እንታይ ኢላ?

ማውሪን ኣቺየንግ ኣብቲ ምስ ሓደ ደጋፊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጀፍ ፒርስ ዝተባህለ ጸሓፋይ ዘካየደቶ ነዊሕ ቃለመሕትት፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ መሳርሕታ፡ ነቶም ኣብ ባይታ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣግሊሎም ክትብል ትኸስስ።

ኣብቲ ብምስጢር ሊሒኹ ዝወጸ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ኣብ ገለ እዋን ህወሓት ነቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጉ ስደተኛታት ተጋሩ ናብ ርዋንዳ ክለኣኹ ውዲት ፈጺሙ ነይሩ ክትብል'ውን ትስማዕ።

እቶም ኣብ ስዑዲ ተዳጒኖም ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ስደተኛተት ናብ ርዋንዳ ክውሰዱ ሕቶ ከምዝቐረበላን፡ እቲ ጠለብ ንኻልእ ዓላማ ዝተሓስበ ምዃኑ'ውን ትጠቅስ።

"ሽዑ ካብ ሩዋንዳ ደባይ ውግእ ከምዝጅመር ኣይትፈልጥን ማለት ረሳሕ'ዩ" ክትብል ትስማዕ። ዘቕረበቶ ዝኾነ ጭብጢ ግን የለን።

ብዘይካ'ዚ፡ ናብ ትግራይ ገጻ ከምዘይትምለስ ቃል ክትኣቱ'ውን ትስማዕ።

ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝበሎ፡ ንመሳርሕታ ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ "ኣዝየ ተረቢሸን ሓዚነን ኣለኹ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ "ብምስጢር ከምዝተቐድሐን፡ ተመዚዙ ዝወጸን" ምዃኑ ክትገልጽ ፈቲና።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝርርብ ይቕዳሕ ምንባሩ እቶም ኣብቲ ቃለመሕትት ዝተሳተፉ ክዘራረብሉ ይስምዑ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ዋና ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣንቶኒዮ ቪቶርዮ ብዛዕባ'ቲ ንሳ ዝሃበቶ ርእይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "እታ ኣባል ናይቲ ትካል ብድምጺ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ምስ መትከላትን ክብርታትን ኣይ-ኦ-ኤም ዝምድና የብሎምን። ብዝኾነ መልክዑ ናይቲ ውድብ መርገጺ ኮይኑ ክረአ የብሉን" ኢሉ።

እታ ብስም ዘይጠቐሳ ሓላፊት፡ ብህጹጽ ከምዝተጸውዐትን፡ ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክትወስድ ከምዝተገብረን ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ሓላፊ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምስጓጓ፡ ባይቶ ጸጥታ ናይቲ ውድብ ነቲ ጉዳይ ከምዝዘተየሉ ይፍለጥ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ፡ ኢትዮጵያ "ዓለምለኻዊ ሕጊ ትጥሕስ ኣላ ኢልና ኢና ንኣምን" ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ዘረጋግጽ መርትዖ ክቐርበሎም ጠሊቡ'ሎ።

እንተኾነ ግን ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድብ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ ብወገኑ፡ እቶም ዝተሰጉ ሰብመዚ "መትከላት ሰብኣዊ ረዲኤት ጥሒሶም" ክብል ብምኽሳስ፡ ሃገሩ ንባይቶ ጸጥታ መብርሂ ናይ ምሃብ ግዴታ ከምዘይብላ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብሰንኪ ምዕጻው መስመራት ጽርግያን ካልኦት ዕንቅፋታትን ናብቲ ተጸባዪ ረዲኤት ዝኾነ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዝበጽሕ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።