ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ደብዳብ ኣየር ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝጽዓነት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ደብዳብ ኣየር ይፍጸም ምህላው ወሃቢ ቃል ህወሓት ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ንሰሙናት ካብ ክልቲኦም ወገናት ብዙሕ ምንቅስቓሳት ምህላው ከይተሰምዐ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግና ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝተጀመረ ነቲ ማዕከን ዜና ዝሓበረ ጌታቸው ረዳ፡ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ንምጅማር ይቀራረብ ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ዓመት ክመልኦ ተቓሪቡ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምዝርግሑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ደቡብ ጎንደርን ሰሜን ወሎን ዝርከብ ከባቢታት ምቁጽጻሮም ዝዝከር እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ንሮይተርስ ብስልኪ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብ ኩሉ ግንባራት ገዚፍ ሓይሊ ይንቀሳቐስ ኣሎ. . . በየናይ ግንባር መጥቃዕቲ ክኸፍቱ ከም ዝኽእሉ ርግጸኛታት ኣይኮናን” ኢሉ።

ወሲኹ’ውን ሓድሽ ተኸፊቱ ብዝበሎ ዝሓየለ መጥቃዕቲ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ መዳፍዓትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓሉ ተዛሪቡ።

“ኣብ ኩሉ ግንባራት ንዝተኸፍተ እዚ መጥቃዕቲ ክነፍሽሎ ኢና” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው “እቲ ተነቢሩና ዘሎ ክባ ክሳዕ ዝላዓል ኣብ ዘለናዮ ክንጸንሕ ኢና” ምባሉ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

እቲ ማዕከን ዜና ብዛዕባ እቲ ይካየድ ከም ዘሎ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ ብነጻ ኣካል ከም ዘይተጻረየን ካብ መንግስቲ ፌደራል፣ ክልል ኣምሓራን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተን ሓቢሩ።

እቲ ሓሙስ ዝጀመረ ተከታታሊ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዓርቢ’ውን ክቕጽል እንከሎ፤ ንሰለስተ ከባቢታት ዕላማ ዝገበረ እዩ። ንሳቶም ድማ ከባቢ ውርጌሳ፣ ወገል ጤና ከምኡ’ውን ብሸነኽ ምብራቕ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዘዋስን ከባቢ ዝርከብ ጽርጊያ ምዃኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብ ከባቢ ውርጌሳ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምንባሩ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ከም ዘረጋገጸሉ ዝጠቐሰ እቲ ማእከን ዜና፡ ኣብቶም ኣብ ካልእ ከባቢታት ተፈጺሞም ዝተባሃሉ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ብነጻ ኣካል ከጻርዮ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ሮይተርስ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ካብ ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ከምኡ’ውን ካብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ከምዘይሰለጠ ገሊጹ።

ሓላፊ ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ሓሙስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ “ብምኽንያት ኣሸባሪ ህወሓት ኣብ ጸገም ንዝርከብ ህዝብና ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝኾነ ግዜን ሰዓትን ዘየዳግም ስርሒት ብኹሉ ግንባራት ክግበር ይኽእል እዩ” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ከመዛብል እንከሎ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጥሜት ከም ዝተቓልዑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ፈጢሩ ዝብል ክሲ ዝቐርበሉ እኳ እንተኾነ፡ ኣይቕበሎን።

ሰራዊት ፌደራል ኣብ ወርሒ ሰነ በይነኣዊ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምእዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምእታዎም ዝዝከር እዩ።

በዚ ድማ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብመረበቱ ክመዛበል እንከሎ 1.7 ሚልዮን ዝኸውን ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ።