ሓደ ላዕለዋይ መኮነን እስራኤልን ዕጡቓትን ብወገን ዶብ ሊባኖስ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ትማሊ ሰኑይ ብኣንፈት ዶብ ሊባኖስ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮነን እስራኤል ከም ዝተቐትለ ሰራዊት እስራኤል ኣረጋጊጹ።
ናብ መሬት እስራኤል ዝሰገሩ ክልተ "ኣሸበርቲ ጸላእቲ" ብሰራዊትን ነፈርትን ከም ዝቐተሉ እውን ሓቢሩ።
ፍልስጤማዊ ጉጅለ እስላማዊ ጅሃድ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተቐትሉ ኣባላቱ ከም ዝዀኑ ተኣሚኑ ኣሎ።
ድሒሩ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ሊባኖስ ንዝተተኮሰ ሞርታር ምላሽ ንምሃብ ኣብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ቦታታት ኣብ ዘጥቅዓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብውሕዱ ሰለስተ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ ሊባኖስ ተቐቲሎም።
ካብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ክፍጸም እዚ ንኻልኣይ መዓልቲ ክኸውን ከሎ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤም ኣብ ቓዛን ዝካየድ ኲናት ዝተጋጠመ እዩ።
ኣሜሪካ፡ እቲ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሊባኖስ ዝዀነን ኣብ 2006 ምስ እስራኤል ኲናት ዘካየደን ሕዝቦላህ ካልኣይ ግንባር ከይከፍት ኣጠንቂቓ'ላ።
እቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ ግጭት ዝጀመረ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣብ ጥቓ ከተማ ሊባኖስ ዳይራ ዶብ ምስ ሰገሩ ብሄሊኮፕተር ብዝተደገፉ ወተሃደራት እስራኤል ምስተቐተሉ ምዃኑ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።
ካብቶም ዕጡቓት ክልተ ክቕተሉ እንከለዉ ሓደ ድማ ተመሊሱ ናብ ሊባኖስ ከም ዝሃደመ ወሲኹ ሓቢሩ።
ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ እቲ ምትእትታው ኣካል "ስርሒት ውሕጅ ኣል-ኣቕሳ" ምዃኑ ገሊጹ። "ስርሒት ውሕጅ ኣል-ኣቕሳ" መጸውዒ ናይቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ደቡባዊ እስራኤል ዘካይዶ ብሰንበት ዝጀመረ መጥቃዕቲ እዩ።
ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል፡ ክልተ ሞርታር ቦምባታት ናብ እስራኤል ምስተተኮሱ፡ ሄሊኮፕተራቱ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዐዘቢ ኬላታት ዝርከብዎም መደበራት ሂዝቦላህ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸማ ሓቢሩ። ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን።
ድሒሩ ሂዝቦላህ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ቁሸታትን ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ካብ ዕጡቓቱ ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ድፋዓት እስራኤል ሮኬታትን ሞርታርን ብምትኳስ ምላሽ ከም ዝሃበ’ውን ሓቢሩ።
ብሰንበት፡ ሕዝቦላህ ኣብቲ ዘካትዕ ከባቢ ሸባ ፋርምስ/ማውንት ዶቭ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቦታታት እስራኤል ብርክት ዝበሉ ቦምባታትን ሮኬታትን ብምትኳስ "ምስ ተቓውሞ ፍልስጤም ናይ ምትሕግጋዝ" ተግባር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
“ቀይሕ መስመር” እንተተጣሒሱ "ናብ ተቓውሞ ፍልስጤም ክጽንበር" ምዃኑ እቲ ጉጅለ ኣፈራሪሑ ነይሩ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት እስራኤል ኣዕሚቑ ክሃርም ዝኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሮኬታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝተወሰኑ "ቀይሕ መስመራት" እንተተጣሒሶም ኣብ ግጭት እስራኤልን ቓዛን ጣልቃ ከም ዝኣቱ ኣጠንቂቑ'ሎ። እቶም “ቀይሕ መስመራት” እስራኤል እትፍጽሞ ወራር ዘጠቓልሉ ምዃኖም ይግለጽ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ፡ "ሕዝቦላህ ጌጋ ውሳነ ምውሳዱን ነዚ ግጭት ካልኣይ ግንባር ክኸፍት ምምራጹን ኣዝዩ የሻቕለና" ክብል ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ምግላጹ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







