እስራኤል ካብ ሂዝቦላሕ ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ሕኔኣ ከምዝፈደየት ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዒላማታት ሂዝቦላሕ ከም ዝሃረመ ኣፍሊጡ።
ሂዝቦላሕ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝርከብ ኣኽራናት ጎላን ብዝወንጨፎ ሮኬት፡ ኩዕሶ እንዳተጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑት ዝርከብዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ምስተፈለጠ እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ሂባ።
እስራኤል በቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ከተማ ድሩዝ ማጅዳል ሻምስ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ክትወቅስ እንከላ፡ ሂዝቦላሕ ግን ዝኾነ ይኹን ኢድ ከምዘይብሉ ብትሪ ነጺጉ።
ትማሊ ኣጋ ምሸት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ 7 ዕላማታት ሂዝቦላህ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደ ገሊጹ። ዝኾነ ጉድኣት በጺሑ ድዩ ኣይበጽሐን ግን ንጹር ኣይኮነን።
እዚ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሂዝቦላሕን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኩሉ መዳያዊ ኲናት ከበግስ ተኽእሎ ኣለዎ።
ኲናት እስራኤልን ቓዛን ካብ ዝጅምር ንደሓር ብቐጻሊ ተኹሲ ክለዋወጡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ እቲ ጉጅለ "ከቢድ ዋጋ ክኸፍል'ዩ" ብምባል፡ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሰዓታት፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል፡ "መኽዘን ኣጽዋርን ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራን" ሓዊሱ "ዕላማታት ራዕዲ" ኣብ ሓደ ለይቲ ከምዝወቕዐ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ወገናት ካብ ተጻብኦታት ክርሕቑ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ምትኹታኽ ናብ ዞባዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ወሃቢ ቃል ሂዝቦላሕ መሓመድ ኣፊፍ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸምዎ ተዛሪቡ'ሎ።
እቲ ዕጡቕ ጉጅለ እቲ ፍንጀራ እስራኤል ብጌጋ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ጸረ ሮኬት ከምዝተፈጸመ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኮይኑ ቢቢሲ ነቲ ጸብጻብ ንምርግጋጽ ይጽዕር ኣሎ።
ሰብመዚ እስራኤል ኩሎም እቶም ዝተቐትሉ ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም እኳ እንተገለጹ፡ ማዕከናት ዜና እስራኤል ገሊኦም ንኣሽቱ ምዃኖም ይሕብሩ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝበጽሐ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ሂዝቦላህ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ምኽሓዱ ከሲሱ።
ንሱ፡ እታ ሮኬት ኣብ ኢራን ዝተሰርሐት ፋላክ-1 "ብፍሉይ ብሂዝቦላሕ እትውነን" ምዃና ገሊጹ።
"ስለያዊ ሓበሬታና ንጹር'ዩ። ብቕትለት ንጹሃት ህጻናት ተሓታቲ ሂዝቦላሕ'ዩ" ብምባል እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጡ።
እስራኤልን ሂዝቦላሕን ብዘይምቁራጽ ተኹሲ ይለዋወጡ’ኳ እንተለዉ ናብ ሰፊሕ ኲናት ከእትዎም ካብ ዝኽእል ተግባራት ግን ተቖጢቦም ይርከቡ።
ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ዘካይድ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ መደብ ኣቐዲሙ ናብ ሃገሩ ይምለስ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዝሃበ መግለጺ “ኩሉ መዳያዊ ኲናት ኣጋጢሙና ኣሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ነቲ ፍጻመ "ዘስካሕክሕን ዘሰንብድን ሓደጋ" ብምባል "ሃገረ እስራኤል ንዜጋታታን ልኡላውነታን ብጽኑዕ ክትከላኸል እያ" ኢሉ።
መንግስቲ ሊባኖስ እውን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሰለማውያን ሰባት ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብል ዝጸውዐ ኮይኑ ክልተኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ካብ ዝኾነ ይኹን ምትኹታኽ ክርሕቑ ጸዊዑ።
ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እውን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒነንኦ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







