እስራኤል ኣብ ቤት ትምህርቲ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 30 ሰባት ተቐቲሎም

መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ማእከላይ ቓዛ ጥቓ ደይር ኣልባላህ ዝተባህለት ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 30 ፍልስጤማውያን ከምዝሞቱ ልዕሊ 100 ድማ ከምዝቖሰሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብቴሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማእከል እዝን ቁጽጽርን ሓማስ ኣብ ውሽጢቲ ካዲጃ ዝተብሃለ ቤት ትምህርቲ ተሓቢኡ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ወሲኹ ሓማስ ነቲ ቀጽሪ መጥቃዕቲ ንምምራሕን ንምውጣንን ከምኡ’ውን ኣጽዋር ንምኽዛን ከም መሕብኢ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቶም ግዳያት ሲቪላት ከምዝነበሩን መብዛሕትኦም ድማ ህጻናት ምዃኖምን ካብ ቪድዮ ኣረጋጊጸ'ለኹ ኢሉ። ቢቢሲ’ውን ኣብ መንጎ እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ህጻናት ከምርከብዎም ካብቲ ቪድዮ ከረጋግጽ ኪኢሉ’ሎ።

ኣገልግሎት ሲቪል ምክልኻል ቓዛ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ተመዛበልቲ ዘዕቈቡሉ ምዃኑ ይገልጽ። ሓማስ ብቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን "ዝተመዛበሉ፣ ዝሓመሙን ዝቘሰሉን ሰባት መብዛሕትኦም ከኣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን" ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

ነቲ ቦታ ዘርእይ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ቪድዮ ራዕዲ ዝመልኦ ኩነታት ዘርእይ ኮይኑ፡ ሰባት ኣብ ዙርያ ሓደ ብፍርስራስ ዝተመልአ ቀጽሪ ክጓየዩ ይረኣዩ።

ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ብደም ዝተሸፈኑ ቆልዑ ሓቊፎም ክኸዱ ከለዉ፤ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ንኻልእ ሓቚፋ ከምኡ’ውን ካልእ ጉጅለ ሰባት ንሓደ ዝተጎድአ ሰብኣይ ኣብ ስትሬቸር ገይሮም እናወሰድዎ ይረኣዩ። ሓደ ሬሳ ከኣ ብኮቦርታ ተሸፊኑ ኣብ መሬት ይረኣይ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ቅድሚ እቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ "ንኣጠቓቕማ ግቡእ ዓይነት ተተኰስቲ፣ ዳህሳስ ኣየርን ተወሳኺ ስለያን ሓዊሱ" ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘጋጥም ሓደጋ ንምንካይ ስጉምትታት ከምዝወሰደ እዩ ዝሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከምዝበሎ ኣብ ከተማ ደይር ኣልባላን ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብ ቀዳም ንግሆ ጀሚሩ 53 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 189 ድማ ቆሲሎም።

እዚ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ንልዕሊ 39 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዝቐተለ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።

እቲ ኲናት ዝጀመረ ብ7 ጥቅምቲ 2024 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1200 ሰባት ምቅታሉን 251 ጅሆ ምውሳዱን ስዒቡ እዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ነቲ ኣብ ዴር ኣል-ባላህ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ እቲ ድሮ ኣዝዩ ዝተበታተነ ኰይኑ ዘሎ ህዝቢ ደጋጊሙ ክግዕዝ ይሕተት ምህላዉ ነቚፉ።

"ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ግድን ሕጂ ክኸውን ኣለዎ" ክብል እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብሓላፊ ሲ.ኣይ.ኤ. ቢል በርንስ ዝምራሕ ዝርርብ ተዂሱ ደው ምባል ሎሚ ሰንበት ወኪላት ቀጠር፣ ግብጽን እስራኤል ኣብ ዝርከቡሉ ክጅመር ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ደይር ኣልባላህ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ ዘሎ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ትማሊ ቀዳም ንግሆ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ካን ዩኒስ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ናብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ኣል-ማዋሲ ናብ "ዝተዳለወ መዕቈቢ" ክግዕዙ ድሕሪ ምእዛዙ'ዩ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ካብ ኣንፈት ደቡባዊ ካን ዩኒስ ናብ እስራኤል ገጹ “ብዝሒ” ሮኬት ከምዝተኰሰ ድሕሪ ምግላጹ ከምኡ’ውን ሓማስ ኣብ ከባቢ እቲ መዕቆቢ ትሕተ ቅርጺ ከምዝሰረተ ዝሕብር ንጹር ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘለዎ ምስሓበረ “ብሓይሊ ስርሒት ከካይድ” ምንባሩ ገሊጹ እዩ። እቲ ሰራዊት “ኣብቲ ከባቢ ምጽናሕ ሓደገኛ ክኸውን እዩ” ክብል ንሰላማውያን ሰባት ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ድሕሪ’ቲ ሰላማውያን ሰባት ክግእዙ ዝተወሃበ ትእዛዝ እስራኤል ኣብ ከባቢ ካን ዩኒስ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ብቀዳም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ባላታ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ ከምዝሞተን ትሽዓተ ሰባት ከምዝቖሰሉን በዓል መዚ ሚንስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ብዛዕባ’ቲ ጸብጻባት ካብ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።