ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ኢራን ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ኢራን ከም ዝተቐትለ ሓማስ ኣፍሊጡ።
ሓማስ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃኒያ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ እስራኤል ብዘካየደቶ ክትትል ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓማስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃኒያ ኣብ ስነ-ስርዓት ናይቲ ብሰሉስ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ድሕሪ ምስታፉ’ዩ ሞይቱ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ጠንቂ ናይቲ "ክስተት” ብቕጽበት ንጹር'ኳ እንተዘይኰነ፡ መርመራ ይካየድ ኣሎ" ክብል ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ እቲ ጕጅለ ንቕትለት ሃኒያ ግብረ መልሲ ክህብ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።
ሙሳ ኣቡ ማርዙቕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃንያ ዝተፈጸመ "ከይተቐጽዐ ዘይሓልፍ ናይ ፈራሕ ተግባር" ክብል ከም ዝገለጾ ብሓማስ ዝመሓደር ተለቪዥን ኣል-ኣቕሳ ሓቢሩ።
ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣል ሃዳተ፡ ቅትለት ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ እስማዔል ሃንየ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝነበሉ ገዛ ዒላማ ብዝገበረ ሚሳይል ከም ዝተቐትለ ገሊጹ።
እስራኤል ነቲ ክሲ ገና መልሲ ኣይሃበትሉን፤ እንተዀነ ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል "ንሓማስ ክትጭፍልቘን ከተጥፍኦን" ምዃና ተሓንያ ነይራ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሓያሎ ላዕለዎት ሰባት ሓማስ ብእስራኤል ከም ዝተቐትሉ ይእመን - እዚኦም ምክትል ፖለቲካዊ መራሒ ሳልሕ ኣል ኣሩሪን ምክትል ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ማርዋን ዒሳን ይርከብዎም።
እስማዒል ሃኒያ ንመወዳእታ ግዜ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ተራእዩ ነይሩ።
ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምኡ’ውን ምስ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመይኒ ተራኺቡ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት “ኢራን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ፍልስጤም ደው ከም እትብል” ከም ዝገለጸሉን ሃኒያ ድማ ን”ክቡር መርገጺ” ኢራን ከም ዘመስገነ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ 1200 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትወስዶ ብዘላ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ዝዀኑ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ከም ዘለው ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስማዒል ሃንየ መን'ዩ?
ወዲ 62 ዓመት ሃኒያ፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ፍሉጥ ኣባል ምንቅስቓስ ሓማስ እዩ ነይሩ።
እስራኤል ኣብ 1989 ፈላማይ ናዕቢ ፍልስጤም ኣብ እትጭፍልቐሉ ዝነበረት እዋን ንሃንያ ንሰለስተ ዓመት ኣሲራቶ ነይራ።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1992 ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሓማስ ናብ ሓደ ሰብ ዘይብሉ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሊባኖስን ዝርከብ ከባቢ ተሰዲዱ።
ሓማስ ብ2006 [ኣ.ኣ] ኣብ መረጻ ፍልስጤም ዝበዝሐ መንበር ባይቶ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ሃኒያ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልስጤም ገይሩ መዚዙዎ ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ጕጅለ ንሓደ ሰሙን ድሕሪ ዘካየዶ ሓያል ናዕቢ ንሰልፊ ፋታሕ ካብ ወሽመጥ ቓዛ ድሕሪ ምእላዩ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
ሃኒያ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየሉ መገዲ “ዘይሕገ መንግስታዊ” እዩ ብምባል ክነጽጐ እንከሎ፡ መንግስቱ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝነበሮ ሃገራዊ ሓላፍነት ዕሽሽ ከም ዘይብሎ” ብምግላጽ ንቓዛ ምምሕዳር ቀጺሉ።
ኣብ 2017 ድማ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ ኰይኑ ተመሪጹ።
ኣብ 2018 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንሃኒያ ግብረሽበራዊ ክብል በይኑዎ፤ ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ክኣ ኣብ ቐጠር ይነብር ነይሩ።
እቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝለዓል ንድሓር፡ እስራኤል ንሃኒያ ክትሃድኖ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።
ሰለስተ ደቂ እስማዒል ሃኒያን ኣርባዕተ ደቂ ደቁን እውን፡ እስራኤል ኣብ ሚያዝያ ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተቐቲሎም እዮም።
ኣብቲ ኲናት፡ ብ11 ሚያዝያ 2024 እስማዒል ሃኒያ ሰለስተ ደቁን ኣርባዕተ ደቂ ደቁን ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።
እታ ደቁ ዝጓዓዙላ ዝነበረት መኪና፡ ኣብ ቓዛ ከባቢ መዕቈቢ ስደተኛታት ኣልሻቲ ብእስራኤል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ምስ ሓማስ ዝምድና ዘለዎ ሚዲያ ጸብጺቡ።
ሰለስቲኦም ደቂ ሃኒያ -ሓዚም፡ ኣሚርን መሓመድን- ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ቓዛ ከም ዝነበሩ ንኣልጀዚራ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ደቂ ደቁ ዝዀኑ ሞና፡ ኣማል፡ ኻልድን ራዘንን በቲ “ኣጸያፍን ፈራሕን” ኢሉ ዝጸውዖ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
እቶም ቈልዑ በዓል ዒድ ምስ ቤተሰቦም ንምኽባር ይኸዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጻባት ይገልጹ።
ኢራን 'ሕነ ክትፈዲ' ተሓንያ
![ሃንየ [ጸጋም] ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢራን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/cfcd/live/4c9841a0-4f1c-11ef-b2d2-cdb23d5d7c5b.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን፡ ‘ደም እስማዔል ሃንየ ብከንቱ ፈሲሱ ኣይተርፍን’ ክትብል ተሓንያ፤ ኢራን ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ናሰር ሃናኒ፡ ሃንየ “ሕቡን ተቓላሲ” እዩ ነይሩ ብምባል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ከም ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ፡ ካናኒ ደም ሃንየ “ፈሲሱ ኣይተርፍን” ኢሉ ኣሎ።
ኢራን፡ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ትምርምሮ ከም ዘላ ብምሕባር ሞት ሃን ግን ኣብ መንጐ ኢራንን ፍልስጤምን ዘሎ “ዘይብተኽ ዓሚቕ ርክብ ዘጠናኽር” ክኸውን እዩ ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን፡ ንእስራኤል ብቅትለት ሃንየ “ክትጣዓስ” ምዃና ብምግላጽ ኢራን “ግዝኣቲ ሓድነታ ክትከላኸል፡ ክብራ ክትሕሉ እያ” ኢሉ።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሃንየህ “ተባዕ መራሒ” ክብል ከም ዝገለጾ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ቀጠር ዝነብር ዝነበረ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ ፕረዚደንት ፔዘሽክያን ንምስታፍ ኣብ ቴህራን ከም ዝነበረ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ'ውን ንሞት ሃንየ ሕነ ምፍዳይ ናይ “ቴህራን ግዴታ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ እስራኤል ን”ተሪር መቕጻዕቲ” ዝዕድም ባይታ ከም ዘጣጥሐት ተዛሪቡ።
እስራኤል ክሳብ ሕጂ ብቕትለት ሃንየ ሓላፍነት ኣይወሰደትን ዘላ።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ግን ንቕትለት እስማዔል ሃንየ ይኹንና ኣለዋ።
ዮርዳኖስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃንየ ዝተፈጸመ ቅትለት ከም እትኹንነፖ ብምግላጽ እዚ “ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወጥሪን ቅልውላውን” ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቓ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ እውን፡ ነቲ ቅትለት ብምኹናን ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብቲ ዞባ ከቢድ ምዕባለ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ፡ “ነቲ ቅትለት ብጽኑዕ ከም ዝቃወሞን ከም ዝኹንኖን” ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ክስዕብ ዝኽእል ቅልውላው “ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ” ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሊን ጂያን ኣብ ቓዛ “ኩለመዳያውን ነባሪን ተኹሲ ደው ምባል” ክግበር ኣለዎ ኢሉ።
ቀጠር፡ ቱርኪን ሩስያን’ውን ቅትለት ሃንየ “ፍጹም ቅቡልነት ዘይብሉ” እዩ ብምባል ኰኒንኖ ኣለዋ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቱርኪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እዚ መጥቃዕቲ ኲናት ቃዛ ዞባዊ መልክዕ ክትሕዝ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







