ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝተታሕዙ ዕሉላት ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ እንታይ ትፈልጡ?

ማእሰርቲ ኤል ማዮ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ እስማዒል ‘ኤል ማዮ’ን ሁዋኪን ጉዝማን ሎፐዝን [ወዱ ንሓላፊ መርበብ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ሲናሎዋ ዝነበረ ‘ኤል ቻፖ’ ጉዝማን] ኣብ ቴክሳስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እስማዒል ‘ኤል ማዮ’ ዛምባዳ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ንግድን ምዝውዋርን ዕጸ-ፋርስ ስሙ ዝገነነ ውልቀሰብ’ዩ።

‘ኤል ማዮ’ ብተወሳኺ ብጭካነኡ እውን ይፍለጥ።

ኣብ መንጐ ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ብዝለዓል ኲናት፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጭካነ ዝተመልኦ ኣመራርሓኡ ይፍለጥ።

ብዙሓት ‘ኤል ማዮ’ “መርኣያ ስቓይን ሞትን ‘ዩ” ብምባል ይገልጽዎ።

እዚ ወዲ 76 ዓመት ኣዘዋዋሪ ዕጸ-ፋርስ፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ መስረትቲን ሕጂ መራሒን ሲናሎዋ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ መርበብ ንግዲ እጽ መክሲኮ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሲናሎዋ፡ ሓደ ካብቶም ነባራትን ዕውታትን ጕጅለታት ምዝውዋር እሰ-ፋርስ መክሲኮ ኰይኑ፡ ኣብ 1980ታት ዝተመስረተ መርበብ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ 2010፡ እቲ ጕጅለ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 40 ክሳብ 60 ሚእታዊት ንግዲ ዕጸ-ፋርድ መክሲኮ ተቘጻጺሩ ከም ዝነበረን ዓመታዊ ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ይረክብ ከም ዝነበረን ይግለጽ።

እዚ ብ1980ታት ዝተመስረተ ጕጅለ ብኤል ቻፖ ይምራሕ ነይሩ።

ንሱ ክልተ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ መክሲኮ ሃዲሙ፤ ኣብ መወዳእታ ብ2016 ኣብ ሲናሎዋ ተታሒዙ።

ብ2017 ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ እንከሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፈደራል ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱ ኣሎ።

ኤል ማዮ ግን፡ ካብ ኤል ቻፖ ብዝተፈለየ መልክዕ ን35 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ከይኣተወ እዩ ጸኒሑ።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣዝዩ ቀረባኡ ብዝዀነ ሰብ ተኻሒዱ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ኣትዩ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ወዲ 76 ዓመት ሰብኣይ፡ ብሓሙስ ብዛዕባ እቲ ዝበረሉ ዝነበረ ቦታ ግጉይ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ ናብ ነፋሪት ምስ ተሰቐለ'ዩ ኣብ ቴክሳስ ከተማ ኤል ፓሶ ተታሒዙ።

ዓቃቢ ሕጊ ማሪካ፡ ብቕትለት፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ዕጸ-ፋርስ፡ ከምኡ'ውን ብገበን ዝተረኽበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ብምጥቃምን ካልኦት ገበናትን ይኸሶ።

ኤል ማዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ኣይኰንኩን ኢሉ።

ኤል ማዮ፡ ኣብ ቀይዲ ሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ምእታው ዘይኰነ ተታሊሉ ክትሓዝ ምኽኣሉ'ዩ ዝያዳ ከዘራርብ ቀንዩ።

እዚ፡ 'እቲ በዓል ቆብዕ ሰብኣይ' [The Man with the Hat] ብዝብል'ውን ዝፍለጥ ኤል ማዮ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት'ዩ ኣብ ንግዲ ዕጸ-ፋርስ ተዋፊሩ ጸኒሑ።

ወራሲ ኤል ቻፖ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ሁዋኪን ጉዝማን ሎፐዝ፡ ኣብ ሰሜን ሜክሲኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከርእየካ ኢሉ ንኤል ማዮ ኣታሊሉ ናብ ኣመሪካ ወሲድዎ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ሁዋኪን ንኤል ማዮ ኣሕሊፉ ንምሃብ ምስ ሰብ መዚ ኣመሪካ ብዛዕባ ዝበጽሖ ስምምዕ ዝተባህለ ነገር የለን።

ክልቲኦም ካብ መክሲኮ ተላዒሎም ኣብ ቴክሳስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ብ2010፡ ኤል ማዮ ኣብ ዝሃቦ ሓደ ቃለ መጠይቕ “ኣብ ቀይዲ ክኣቱ’የ ኢልካ ትሰግእ’ዶ” ተባሂሉ ተሓቲቱ ነይሩ።

ሽዑ፡ “ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ዝብል ክሓስቦ እንከለኹ ይርብሸኒ’ዩ። ነፍሰ ቅትለት ንምፍጻም ዓቕሚ ኣለኒ’ዩ ኢለ’ኳ እንተዘይሓሰብኩ ኣብ ማእሰርቲ ካብ ዝጸንሕ ንነብሰይ ከጥፍእ ይመርጽ” ኢሉ።

ሰራሕተኛ በዓል መዚ ተቘጻጻሪ ዕጸ-ፋርስ ኣመሪካ ነበር ማይክ ቪዳል፡ ኤል ማዮ ተገዲዱ ናብታ ነፋሪት ተሰቒሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

“ኣብ 70ታት ዝርከብን ጥዕና ዝውሕዶን ሰብ’ዩ” ይብል።

እስማዒል ዛምባዳ ጋሪሳን ሁዋኪን ጉዝማን ሎፔዝን

ምንጪ ስእሊ, US Drug Enforcement Administration

መግለጺ ስእሊ, እስማዒል ዛምባዳ ጋሪሳን ሁዋኪን ጉዝማን ሎፐዝን

ባጀት ሓደ ሚልዮን ዶላር

ሓደ ካብ ደቁ ንኤል ማዮ ዝዀነ ቪሰንተ ዛምባዳ ኒበላ፡ ብ2009 ኣብ መክሲኮ ተኣሲሩ።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ዝጽሕፎ ዝነበረ ውልቀ መዘክር ወግዓዊ ኰይኑ።

ኣብቲ መዘክርን ንሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምስክርን፡ ኣቦኡ ወርሓዊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ንጕቦ [ብላዕ] ይስልዕ ከም ዝነበረን፡ እዚ ድማ ባንክታትን መንግስታትን ዝዓለመ ከም ዝነበረን ገሊጹ’ዩ።

ኤል ማዮ፡ ምስ ማሕበረሰብካ ጽቡቕ ርክብ ምፍጣር ዝብል ዝንባለ ዝነበሮ ኣዘዋዋሪ ዕጸ-ፋርስ ምዃኑ’ውን ይዝረብ።

ወረስቲ ኤል ቻፖ

ብዛዕባ’ቲ ምስ ዛምባዳ ብሓሙስ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሁዋኪን ጉዝማን ሎፐዝ [ወዱ ንሓላፊ ‘ኤል ቻፖ’ ጉዝማን] ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

እዚ ኤል ጉዌሮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ፡ ኤል ቻፖ ካብ ካልአይቲ ሰበይቲ ዝወለዶ’ዩ።

ኤል ቻፖ ካብ ሰለስተ ኣንስቲ ዝወለዶም ዓሰርተ ቈልዑ ኣለውዎ።

ሁዋኪን፡ ኣባል ደቂ ኤል ቻፖ ዝመስረቱዎ ሎስ ቻፒቶስ ዝተባህለ መርበብ ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ’ዩ።

እዚ ሓው ኦቪዲዮ ዝርከቦ ጕጅለ ክኸውን እንከሎ፡ ኦቪድዮ ኣብ መስረከም እቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መክሲኮ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ።

ንፈደራላዊ ጕዳያት ወጻኢ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ፡ ሁዋኪን፡ ኣብ ሎስ ቻፒቶስን ጕጅለ ሲናሎዋን “ላዕለዋይ ትእዛዝን ስርሓት ምቍጽጻርን” ዝነበሮ’ዩ ክብል ይኸስስ።

ኤድጋር ዝተባህለ ዓብይ ወዱ ንቻፖ ምስ ሞተ ሁዋኪንን ኦቨዲዮን፡ ነቲ ንጥፈታት ብምውራስ ኣብ መክሲኮ ማሪዋና፡ ኣብ ኮሎምቢያ ድማ ኮኬይን እናዓደጕ ሓያሎ ገንዘብ ኣውፊሮም’ዮም ብምባል ሰብ መዚ ኣመሪካ ይኸሱ።

ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ኣብ መክሲኮ ግዝኣት ሶናሎዋ ሜታምፌታሚኔ ዝተባህለ ሓያልን ወልፊ ዘትሕዝን ዕጸ-ፋርስ ዘፍርዩሎም 11 ቤተ-ፈተነታት ከም ዘመሓድሩ ይገልጹ።

ሁዋኪን፡ ብ2018’ዩ ኣብ ኣመሪካ ክስታት ምዝውዋር ዕጸ-ፋርስ ክቐርበሉ ጀሚሩ።