ኣመሪካ፡ ‘ንግስቲ ክሪፕቶ’ ንምሓዝ 5 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ

ሩጃ ኢግናቶቫ - ‘ንግስቲ ክሪፕቶ’ (ክሪፕቶኲን)

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Dr.RujaIgnatova

ኣሜሪካ፡ ‘ንግስቲ ክሪፕቶ’ (ክሪፕቶኲን) ብዝብል እትፍለጥ ዝተሰወረት ሩጃ ኢግናቶቫ ንምሓዝ ዝሕግዝ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ፡ ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ኣብ ቡልጋርያ ዝተወልደትን ዜግነት ጀርመን ዘለዋን ጓል 44 ዓመት፡ ‘ዋንኮይን’ ዝተባህለ ናይ 4.5 ቢልዮን ዶላር ምትላል ክሪፕቶካረንሲ ብምውዳብ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ትህደን ምህላዋ ይፍለጥ።

ንሳ፡ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ቀይዲ ንኽትውዕል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምስ ፈረሙ እያ ካብ 2017 ጀሚራ ደሃያ ጠፊኡ ዘሎ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ዶክመንታሪ ቢቢሲ፡ ሩጃ፡ ምስቲ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ ምጥፋኣን ቅትለታን ኢድ ኣለዎ ብዝብል ዝጥርጠር ሓላፊ ማፍያ ዘለዋ ርክብ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንሩጃ ኢግናቶቫ ምክትታል ቀጺሎምሉ ኣለዉ።

ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ኣብ 2022 ምስቶም ኣብ ኣሜሪካ ኣዝዮም ተደለይቲ ዝኾኑ10 ሰባት መዝጊብዋ፤ ንዘላትሉ ቦታ ዝሓበረ ሰብ ድማ 100 ሽሕ ዶላር ጉንዖ ከምዝህብ ኣፍሊጡ ነይሩ። ድሒሩ ድማ ነቲ ገንዘብ ናብ 250 ሽሕ ዶላር ኣዕብይዎ።

ትማሊ ረቡዕ ከኣ እቲ መጠን ገንዘብ መሊሱ ብዕስራ ዕጽፊ ወሲኹ ናብ 5 ሚልዮን ዶላር በጺሑ’ሎ።

"ኣብ ታሪኽ ኣብ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓለማዊ ውዲታት ምትላል ብዘለዋ ተራ እትህደን ‘ክሪፕቶኲን’ ተባሂላ እትፍለጥ ጀርመናዊት ሩጃ ኢግናቶቫ ንኽትእሰር ወይ ንክፍረዳ ሃለዋታ ንዝሕብረና ክሳብ 5 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ክንህብ ኢና" ይብል ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ማቲው ሚለር።

ኣብዚ እዋን ብኣሜሪካ ትህደን ዘላ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ኤውሮጳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዳኒኤል ኪናሃን ዝርከበሉ ቦታ ብዝምልከት ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ እውን ልክዕ ከምቲ ናይ ሩጃ 5 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ቀሪቡ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ዝመደበሩ ሓላፊ ጉጅለ ገበን ዝበሃል ሴሚዮን ሞጊለቪችን ከምኡ’ውን ብፖርኪ ዝፍለጥ ኣባል ናይቲ ኣብ ሆንዱራስ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ጕጅለ ገበነኛታት ‘ኤምኤስ-13’ ዝኾነ ዩላን ኣዶናይ ኣርቻጋ ካርያስ ሓበሬታ ንዝህቡ እውን ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ተመዲቡ ኣሎ።

ሰብመዚ ጀርመን ንሩጃ ኢግናቶቫ ካብ ዝኸስዋ ነዊሕ ጸኒሖም እዮም።

ኤፍ ቢ ኣይ ንሩጃ ኢግናቶቫ - ‘ንግስቲ ክሪፕቶ’ (ክሪፕቶኲን) ክሕዝ ዝዘርግሖ ሓበሬታ

ምንጪ ስእሊ, FBI

ኣብ ቢቢሲ ዛንታኣ ብምቕራብ ጉዳያ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ዝገበረ ጄሚ ባርትሌት፡ ምውሳኽ መጠን እቲ ሽልማት ምናልባት ነቶም ክሳብ ሕጂ ክሓብእዋ ዝኽእሉ ሰባት ዝዓለመ ምዃኑ ይኣምን።

"ኤፍ.ቢ.ኣይ ሕጂ ጻዕርታቱ ኣብ ዙርያ ሩጃ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ኣተኲሩ’ሎ። ምስ ናይ ቀረባ መሻርኽታ ንኽራኸቡ ይፍትኑ ኣለዉ" ኢሉ።

"100 ሽሕ ዶላር ንሓደ ጀማሪ ኣባል ጉጅለ ገበን ወይ ውልቃዊ ሓላዊ ቴሌፎን ናብ ኤፍ.ቢ.ኣይ ክድውል ክደፋፍኦ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። 5 ሚልዮን ዶላር ግን ክኸውን ይኽእል’ዩ" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

እዚ ልዕሉ መጠን ገንዘብ ዝሰርሕ እንተኾይኑ ድማ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከምዝረኣ ኣተንቢሁ።