እስራኤል ላዕለዋይ ኮማንደር ሕዝቦላህ ቀቲላ፤ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ከይዓርግ ተሰጊኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝዀነት በይሩት ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፋሪት ንላዕለዋይ ኮማንደር ሕዝቦላህ ከም ዝቐተለት ኣፍሊጣ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ፋኡድ ሽኩር ዒላማ “ኣብ ስለያ ዝተመርኰሰ ምጥፋእ” ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ሕዝቦላህ ክሳብ ሕጂ ሞት መራሒኡ ኣየረጋገጸን ዘሎ፤ ይዅን’ምበር ኣብቲ እዋን ሽኩር ኣብ ሓደ ህንጻ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሰብ መዚ እስራኤል፡ ሽኩር ኣብቲ ብቐዳም መብዛሕትኦም ህጻናት ዝዀኑ 12 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሮኬት ተሓታቲ’ዩ ይብል።
እቲ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ ዝተቘጻጸረቶ ከባቢ ክፍጸም እንከሎ፡ ሕዝቦላህ ነቲ ክስታት ነጺጉ’ዩ።
ሕዝቦላህ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ክለዓል ከም ዝተገብረ ብምግላጽ “ውጽኢት ይጽበ ኣለኹ” ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ግን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
“ብንጹርን ብግልጽን ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ሲቪላት ዝቐተለ ተኸታታሊ ስርሒታት ገበናዊ ተግባር" እዩ ክብል ገሊጹዎ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ጽሑፍ፡ “ሕዝቦላህ ቀይሕ መስመር ሓሊፉ” ኢሉ።
ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ንሲቢኤስ ኒውስ እስራኤል ብዛዕባ ኣብ በይሩት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንኣመሪካ ከም ዘፍለጠት ኣረጋጊጹ።
ፋኡድ ሸኩር ላዕለዋይ ኣማኻሪ መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ምዃኑ ከም ዝእመን ኣመሪካ ኣቐዲማ ገሊጻ ነይራ።
ብዛዕባኡ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ንሱ፡ ኣብ 1983 ኣብ በይሩት ኣብ ልዕሊ ድፋዕ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ “ማእከላይ ተራ” ከም ዝተጻወተ ትኸስስ።
በቲ መጥቃዕቲ 241 ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ተቐቲሎም።
እቲ ሕጂ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ዝፈጸመትሉ ሓረት ሕራይክ ዝተባህለ ከባቢ ዳህየ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉን ድልዱል ዕርዲ ሕዝቦላህ ከም ዝዀነን ይንገር።
እታ ዳህየ ዝተባህለት ከባቢ ንርእሳ ብናይ ሕዝቦላህ መፈተሺ ነቑጣታት ዝተኸበበት እያ።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህ ዘሎ ተጻብኦ ካብ ጥቅምቲ እዚ ዓመት ጀሚሩ እናገደደ ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኣብ ጥቓ ዶብ እስራኤልን ሊባኖስን ምትፍናናት ክምዕብሉ ጸኒሖም’ዮም።
እዚ ድሕሪ እቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡብ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝስዓበ ምዃኑ ይፍለጥ።
ንሓማስ ዝድግፍ ሕዝቦላህ ኣብ ሰሜን እስራኤል ውሱን ካልኣይ ግንባር ከፊቱ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ክልቲኦም ወገናት ተዅሲ ክለዋወጡ ጸኒሖም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልቲታት መራሕቲ ዓለም እቶም ተጻባእቲ ወገናት ካብ ኲናት ልጓም ክገብሩ ለበዋ ከቕርቡ ተራእዮም’ዮም።
ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ኢራን ምብጻሕ ዝገብር ዝነበረ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ’ሎ።
ኢራን፡ ‘ደም እስማዒል ሃኒያ ብከንቱ ፈሲሱ ኣይተርፍን’ ክትብል ተሓንያ ኣላ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ናስር ሓናኒ፡ ሃኒያ “ሕቡን ተቓላሲ” እዩ ነይሩ ብምባል ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ከም ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ፡ ሓናኒ ደም ሃኒያ “ፈሲሱ ኣይተርፍን” ኢሉ ኣሎ።
ኢራን፡ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ትምርምሮ ከም ዘላ ብምሕባር ሞት ሃኒያ ግን ኣብ መንጐ ኢራንን ፍልስጤምን ዘሎ “ዘይብተኽ ዓሚቝ ርክብ ዘጠናኽር” ክኸውን እዩ ኢሉ።
እዚ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪን ቅልውላውን ናብ ዝኸፍአ ምዕራፍ ከይወስዶ ከም ዝስጋእ ተዓዘብቲ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







