ስዑድ ዓረብ ንምንታይ እያ ተጻወትቲ ንምዕዳግ ሚልዮናት ተፍስስ ዘላ?

ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ምስ ምኽፋት ክረምታዊ መስኮት ዝውውር ተተሓሒዙ ተጻዋቶ ንምፍራም ዘሎ ጉያ ይፈልጠኦ እየን፡፡ ሎም ዘበን ግና ካብቲ ክፍለ ኣህጉር ወጻእ ዝኾነት ተናሓናሒት ገጢማተን ኣላ፤ ስዑድ ዓረብ፡፡

ኣብ 1970ታት ዝተመስረተ ላዕለዋይ ሊግ ስዑድ ዓረብ፡ ድሕሪ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ንፉዓት ተጻዋቶ ናይ ምህዳን ኣካይዳ፡ ርእሲ ዜናታት ዓለም ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ናይ ዝውውር መስኮት፡ ጋንታታት ስዑድ ዓረብ ልዑል ስም ዘለዎም ተጻዋቶ ናብታ ሓውሲ ደሴት ሃገር ንምምጻእ ዳርጋ ሓደ ቢልየን ዶላር ወጻኢ ገይረን፡፡ ኣብዚ እዋን ጋንታታት እንግሊዝ ጥራሕ እየን ዝበዝሐ ገንዘብ ኣውጺአን፡፡

እቲ ተገሊጹ ዘሎ ገንዘብ ንተን ክለባት ዝተኸፈለ እዩ፤ ኣፍካ ማይ ዘምዑግ ወርሓዊ መሃያ እቶም ተጻዋቶ ኣይሓውስን፡፡

እዚ ወጻኢ ንሓደ እዋን ተራእዩ ዝጠፍእ ከምዘይኮነ እዩ ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ስዑድ ዓረብ በዓል ሞያ ዝኾነ ካርሎ ኖህራ ዝገልጽ፡፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ እቲ ሊግ ብኣታውን ጽፈትን ካብቶም ብሉጻት ክሳብ ዝኸውን ብገንዘብ ንምድጋፍ ዉፉይ ከምዝኾነ እውን ይዛረብ፡፡

‘እቲ ሕዚ እትርእይዎ ዘለኹም፡ ላዕለዋይ ሊግ ስዑዲ ከምቲ ካልኦት ሊጋት ክሰርሕዎ ዝደልዩ እዩ ዝሰርሐ ዘሎ፡፡ ናብዚ ብርኪ በጺሕና ኣለና፤ ኣብ ሜዳ ዘሎ ጽፈት ንምምሕያሽ ድማ ዘድሊ ኩሉ ንገብር ኣለና’’ ክብል ኖህራ ንሮይተርስ ተዛሪቡ፡፡

ካብቶም ዝፈረሙ ተጻዋቶ ሓደ እቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝኸበረ ተጻዋታይ ዓለም ዝኾነ ብራዚላዊ ነይማር እዩ፡፡

ርያድ ማእከላ ዝገበረት ጋንታ ኣል-ሓላል ነቲ ተጻዋታይ ንምፍራም 98 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸፈለት ጸብጻብ ቢቢሲ ስፖርት የመልክት፡፡

ምስ ጋንታ ማንችስተርሲቲ ጽዋዕ ቻይምፕዮንስ ዝተዓወተ ኣልጄርያዊ ሪያድ ማህረዝን ተዓዋቲ ባሎን ዶኦር ፈረንሳዊ ካሪም በንዜማን ካብቶም ካልኦት ፍሉጣት ፈረምቲ ዝጥቀሱ እዮም፡፡

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጋንታ ኣል-ናስር ንፖርቹጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማንችስተር ሲቲ ንናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮንትራት 400 ሚልዮን ዶላር ከምዘቕረበት ኣብ ዝተገለጸሉ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ፡፡

ኣርባዕተ ጋንታታት፡ ኣል-ሒላል፣ኣል-ናስር፣ ኣል-ኣህልን ኣል-ልቲሃድን መብዛሕትኡ ግዝኢት ዘካየዳ እየን፡፡ እተን ጋንታታት በቲ 776 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ዘለዎ ‘ፐብሊክ ኢንቨስትመንት ፈንድ’ ስዑድ ዓረብ ዝውነና ኮይነን ወራሲ ዓራትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ይቆጻጸረን፡፡

ሕልሚ ዋንጫ ዓለም

ግን ንምንታይ እየን ጋንታታት ስዑዲ ኣብ ተጻዋቶን ክለባትን ገንዘብ ዘፍስሳ ዘለዋ?

እቲ ዕላማ ደረጃን ስምን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ሓፍ ካብ ምባል ንላዕሊ እዩ፡፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ 2016፡ ራእይ 2030 ዝተባህለ ኣብ ነዳዲ ጥራሕ ንዝተመርኮሰ ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ካልኦት ጽላታታት ንምውሳኽ ዝዓለመ ተበግሶ ጀሚራ፡፡

ስፖርት ሓደ ካብ ድልየታት እታ ሃገር እዩ፤ ስዑዲ ናይ ባዕላ ውድድር መኪና ፎርሙላ 1 ኣለዋ፤ ኣብ ፕሮፌሽናል ጎልፍ ኣሶስየሽን ዝለዓለ ብጽሒት ትውንን፤ ኣብ 2029 ውድድር ሓጋይ እስያ ንምእንጋድ ኣብ ማእከል ምድረበዳ ሪዞርት ትሃንጽ ኣላ፡፡ እዚ ወፍሪ ካብ ምዝማን ኢንዳስትሪ ተሃድሶ ንላዕሊ ረብሓ ዘለዎ እዩ፡፡

ስዑድ ዓረብ፡ ስፖርት ኣብታ ድኹም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ሃገር ኣመለኻኽታ ኣብ ምቕያር ዘለዎ ተኽእሎ እውን ኣስተባሂላ ኣላ፡፡ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ መንገዲ ወሲዶም እዮም፤ ጎረባብታ ዝኾና ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቀጠርን እውን ኣብ ስፖርት ዓብዪ መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ በብተኸታታሊ ን ማንስተር ሲቲን ፒኢስጂን ገዚአን፡፡

ኣብ 2022 ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ዘአንገደት ቀጠር፡ ፈላመይቲ ሃገር ማእከላይ ምብራቕን እስላማዊትን ኮይና፡፡ ስዑድ ዓረብ እውን ብተመሳሳሊ ክትእንግድ ድልየት ተርእይ ኣላ፡፡ ስዑድ ዓረብ ኣብ 2021 ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኒውካስትል ብምግዛእ ኣሰር ጎረባብታ ስዒባ እያ፤ እንተኾነ ዘይከምጎረባብታ ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገራ እያ ብዙሕ ሃብቲ እተፍስስ ዘላ፡፡

ሃገራት ዋዒ ኩዕሶ እግሪ ካብ ኣውሮጳ ንምውሳድ ክፍትና እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፡፡ ኣብ 2016ን 2017ን መብዛሕተአን ምስ ኢንዳስትሪ ሪል ስቴት ምትእስሳር ዘለወን ጋንታታት ቻይና ካብ ጋንታታት ኣውሮጳ ፍሉጣት ተጻዋቶ ንምፍራም ጀሚረን ነይረን፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ፈተና ድሕሪ ለበዳ ኮረናቫይረስ ፈሺሉ፡፡

እሞ ስዑድ ዓረብ ከ ዕጫ ቻይና ዶ በበጽሓ ወይስ ተናሓናሒት ኣውሮጳ ትኸውን?

ብፍሉይ ንቊጠባ ኩዕሶ እግሪ ዘጽንዕ በዓል ሞያ ቊጠባ ስቲፋን ሊዢ፡ ዓብዪ ጥርጣረ ኣለዎ፡፡ ድልየት ተጻዋቶን ደገፍትን ዝምልከት ሐዚ እውን ኣውሮጳ ብልጫ ከምዘለዋ ይኣምን፡፡

‘‘ዛጊድ ተጻዋቶ ናብ ስዑድ ዓረብ ክኸዱ ዝገብሮም ዘሎ ገንዘብ እዩ፡፡ ምሩጻት ጋንታታትን ውድድራትን ንምህናጽ ዓሰርተታት ዓመታት እዩ ዝወስድ’’ ይብል፡፡

ሊዢ፡ ስዑድ ዓረብ ብቐጻሊ ቊጠባዊ ወፍርን ብሉጽ ምሕደራን ጥራሕ ተፈታዊ ሊግ ክትሃንጽ ከምእተኽእል ይኣምን፡፡

ነይማር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጸሓፊ ዛዕባታት ኩዕሶ እግሪ ሳሚንድራ ኩንቲ ብወገኑ፡ ሊግ ስዑዲ ሰሓባይ ንምግባር መንእሰያት ተጻዋቶ ክተምጽእ ከምዘለዋ ይመክር፡፡

‘‘በንዜማ፣ ሮናልዶን ነይማርን ናይ ኮኾብነት ዓቕሚ የምጽኡ እዮም፤ እንተኾነ እቲ ብሉጽ ዓቕሞም ግዘ ሓሊፍዎ እዩ፡፡’’

ብተወሳኺ ኣውሮጳ እቲ ዝጠንከረን ዝሃብተመን ውድድር ሻምፒዮንስ ሊግ ከምእትውንን ኩንቲ ይገልጽ፡፡

‘‘ኣብ መወዳእታ. . . ዝለዓለ ኢድ ዘለዋ ኣውሮጳ እያ፡፡ እቶም ኩሎም ኮኸባት ዝደምቁሉ ናይ ጋንታታት ጸወታ እዩ ሕድሕድ ተጻዋታይ ክስዕር ዝደሊ’’ ይብል ኩንቲ፡፡

‘‘ንግዳዊ ተፋሰስ እዩ ዘሎ፤ ስዑድ ዓረብ ክሳብ መወዳእታ ክትከዶ እያ ኢልካ ምግማት ከቢድ እዩ፡፡’’

‘ስፖርታዊ ሕጽቦ’

ገለ ነቐፍቲ እቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ስፖርት ተካይዶ ዘላ ወፍሪ፡ ከም ቅትለት ጀማል ካሾጊ ዝበሉ እታ ሃገር እትፍጽሞም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ስዒቡ ዝጎደፈ ሽማ ንምምሕያሽ እትገብሮ ዘላ ‘ስፖርታዊ ሕጽቦ’ ከምዝኾነ ይገልጹ፡፡

ኣመሪካ ንወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን ቅትለት ካሾጊ ኣጽዲቑ ብምባል ትኸሶ፤ ንሱ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ፡፡

እንተኾነ ገለ ሰብ ሞያ፡ ምምሕያሽ ምስሊ ብሕታዊ ውጥን ስዑዲ ዓረብ ከምዘይኮነ እዮም ዝኣምኑ፡፡

‘‘ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ስፖርትን ተሃድሶን ከም መፈጸሚ ልስሉስ ሓይሊ ይጥቀማሉ እየን’’ ይብል ፕሮፌሰር ስፖርትን ጂኦፖለቲካል ኢኮኖምን ሳይመን ቻድዊክ፡፡

‘‘ሃገራት ዓለም ልብን ኣእምሮን ህዝቢ ንምስሓብ ብዛዕባ ዝገብረኦ ውድድር ኢና እንዛረብ ዘለና፡፡ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ህንድን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ነዚ ፖሊሲ ተግቢረን እየን፡፡ ሕዚ ስዑዳውያን ንሱ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ’’ ይብል፡፡