ግምት ግጥማት ፕረሚየር ሊግ፡ ማንቸስተር ክትሰዓር’ያ፣ ኣርሰናል ክትዕወት’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሾን ዳይሽ ኣብ ለካቲት ኣስልጣኒ ኤቨርተን ኮይኑ ምስ ተሾመ ኣብ ፈላሚ ጸወታኡ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ምዕዋቱ ይዝከር።
ሰንበት ክልቲአን ጋንታት ደግማይ ክራኸባ እንከለዋ፡ ኤቨርተን ነቲ ዓወት ትደግሞ ዶ ትኸውን? ወላስ ድሕሪ 2017 ኣርሰናል ንፈለማ እዋን ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ትዕወት ትኸውን?
ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ሱቶን ኣርሰናል ነዚ ጸወታ ከምእትዕወተሉ እኳ እንተገለጸ ቀሊል ከምዘይከውን ይግምት።
ሱቶን፡ ንግጥም ኤቨርተንን ኣርሰናልን ጥራሕ ዘይኮነ ካልኦት ግጥማት እዚ ቀዳመ ሰንበት ግምቱ ገሊጹ ኣሎ።
ቀዳም
ዎልቭስ ምስ ሊቨርፑል
ሎምዘበን ሊቨርፑል ተቐናቓኒት ማንቸስተር ሲቲ ክትኸውን ክምእትኽእል ሱቶን ይግምት።
ወላ’ኳ ብርክት ዝበላ ጋንታታት ስዑዲ ዓረብ ንመሓመድ ሳለሕ ንምዕዳግ ድልየታት እንተኣርኣያ፡ ሊቨርፑል ነቲ ተጻዋቲ ዘይምሻጣ ቅኑዕ ውሳነ እዩ ይብል።
መስመራት ምጥቃዕን ምክፍፋልን ሊቨርፑል ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እዩ ዘሎ ዝብል ሱቶን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ዎልቭስ እትገብሮ ግጥም ከምእትዕወት ይገልጽ።
ግምት 0 – 2
ኣስቶን ቪላ ምስ ክሪስታል ፓላስ
ማርክ ጉዬ ንሃገሩ ዓዲ እንግሊዝ እናተጻወተ እንከሎ ስለዝተሃረመ ንክሪስታል ፓላስ ሃስያ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ሱቶን።
ወላ’ኳ ፓላስ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት እንተላ ኣብዚ ግጥም ግና ኣስቶን ቪላ ክትረትዕ እያ ዝብል ግምቱ ይህብ።
ቪላ ኣብዚ ወቕቲ ጸወታ ተለዋዋጢ ብቕዓት እኳ እንተኣርኣየት ኣብ ሜዳኣ እትትንከፍ ኣይኮነትን።
ግምት 2 – 0
ፉልሃም ምስ ሉቶን
ካብ ታሕተዋይ ሊግ ናብ ፕረሚየር ሊግ ዝተጸንበረት ሉቶን ታውን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት ክትዕወት ዘይምኽኣላ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ከቢድ እዩ።
ናብ ክራቨን ኮቴጅ ተጓዒዛ ምስ ፉልሃም እትጻወት ሉቶን እቲ ግጥም ክብርትዓ ምዃኑ ይግምት።
ወላ’ኳ ሉቶን ካብቲ ግጥም ሓንቲ ነገር ንምርካብ ከምዝጽዕሩ እንተገለጸ፡ ተዓዋቲት ፉልሃም እያ ክትኸውን ይብል።
ግምት 2 – 0
ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ብራይተን
ማንቸስተር ዩናይትድ ጌና ነዚ ወቕቲ ጸወታ ኣይጀመረቶን ኣላ ዝብል ሱቶን፡ እዚ ግጥም ካልእ ብድሆ ከምዝኾና ይኣምን።
ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጸወታ፡ ብራይተን ኣብ ፈላሚ ጸወታኣ ንዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድ ትራፎርድ ስዒራ እያ።
ሎምዘበን’ውን ክትደግሞ ክትፍትን እያ።
ምናልባት እዚ ጸወታ፡ ዩናይትድ ቅርጻ እትረኽበሉ ክኸውን እዩ። ኣብ መልሰ መጥቃዕቲ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃና ንፈልጥ ኢና ዝብል ሱቶን፡ ጸወታ ብራይተን ነዚ ምቹእ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።
እንተኾነ ግና ዩናይትድ ናይ ሎምዘበን ኣቃውማኣ እንተዘይቀዪራ እዚ ጸወታ ንብራይተን ምቹእ ከምዝኸውን ይገልጽ።
ግምት 2 – 3
ቶተንሃም ምስ ሺፊልድ ዩናይትድ
ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም፡ አንጅ ፖስቴኮግሉ ነታ ጋንታ ይቕይራ ከምዘሎ ሱቶን ይኣምን።
ሺፊልድ ከምቲ ምስ ሲቲ ኣብ ዝተጻወተትሉ ዘርኣየቶ ተሪር ምክልኻል እንተጌራ ንቶተንሃም በዳሂ ክኸውን እዩ ይብል።
ከም ግምት ሱቶን፡ ቶተንሃም ሓንቲ ሸቶ እንተኣቑጺራ ካብ ምድግጋም ደው ዘብላ የለን።
ግምት 3 – 0
ዌስት ሃም ምስ ማንቸስተር ሲቲ
ሲቲ ነዚ ግጥም ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ክትፍትን እያ።
ዌስት ሃም ኣድብያ ጸኒሓ መልሰ መጥቃዕቲ ምግባር እዩ ድልየታ።
ወላ’ኳ ዌስት ሃም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጸወታታት ተከላኪልላ መልሰ መጥቃዕቲ ብምግባር ፍልጥቲ እንተኾነት ኣብዚ ግጥም ናይ ምዕዋት ተኽእሎኣ ሒደት እዩ።
ግምት 1 – 2
ኒውካስል ምስ ብሬንትፎርድ
ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ግጥማት ተሳዒራ ኣላ። ተጻወትቲ ብሬንትፎርድ ከኣ ኣዝዮም ዝተዋሃሃዱን መኣስ የጥቅዑ ዝፈልጡን እዮም።
እንተኾነ ግና እዚ ግጥም ኒውካስል ካብ ናይ ነጥቢ ቅልውላው እትወጸሉ ክኸውን እዩ ይብል ሱቶን።
ግምት 4 – 0
ሰንበት
ቦርንመዝ ምስ ቸልሲ
ቸልሲ በቲ ናይ ሕጂ ኣቃውማኣ እንታይ ከምእትገብር ምግማት ከቢድ ምዃኑ ሱቶን ይነግር።
ተጻወትቲ ቸልሲ ዋላ’ኳ ጽቡቕ ጸወታ እንተኣርኣዩ ነቲ ዝፈጠርዎ ዕድላት ይጥቀሙሉ የለውን።
ቦርንመዝ ናብ ብሬንትፎርድ ኣብ ዝተጉዓዘትሉ ነጥቢ ሒዛ ምምላሳ ከምዘገረሞ ዝገልጽ ሱቶን እዚ ግጥም ማዕረ ክዛዘም እዩ ይብል።
ግምት 1 – 1
ኤቨርተን ምስ ኣርሰናል
ብርግጽ ኤቨርተን ነዚ ነዚ ግጥም እንተትዕወተሉ ዓቢ ዜና ምኾነ። ዋላ’ኳ ኣብ ጉዲሰን ፓርክ ጽቡቕ ጸወታ ተርእየና እንተላ ኤቨርተን ክትዕወት እያ ምባል ግቡእ ኣይኮነን ይብል ሱቶን።
ግምት 1 – 2
ሰኑይ
ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ በርንሊ
በርንሊ ሎምዘበን ሰለስተ ግዜ ተሳዒራ ኣላ። ነጥቢ ንምርካብ ምክልኻል ከድልያ እዩ።
ነዚ ግጥም ኖቲንግሃም ፎረስት ክትዕወተሉ ምዃና ሱቶን ይግምት።
ግምት 2 - 1




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







