ናብራ ከልቢ፡ ምዝመዛ ሰራሕተኛታት ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘቃልዕ ዛንታ

ኣዱጂቪታም (ነጂብ) - ቀንዲ ገጸባህሪ እታ ፊልም

ምንጪ ስእሊ, Aadujeevitham

እዚ ዛንታ'ዚ፡ ንድልያ ስራሕ፡ ህይወቱ ምእንቲ ክቕይር ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝኸደ እሞ፡ ዘጓነፎ መሪር ህይወት ይገልጽ። እዚ ዛንታ'ዚ ግን ዛንታ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እውን እዩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ብሕልፊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብዘን ሃገራት'ዚኣተን ንምእታው ይዅን ምስ ኣተዉ ዘጓንፎም፡ ናይ ኵሉ ግዜ ዜና ይኸውን ኣሎ። እንተዀነ፡ ብግዳያት ዝዝንቶ ዝርዝር ይውሕድ። እዛ ኣብዚ ኣተኲራ ዝተዓየየት ፊልም፡ ነዚ ዛዕባ ናብ ቃልዕ ኣምጺኣ መዛረቢ ኰይና ኣላ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስራሕ ዝደልዩ ህንዳውያን ንዘጋጥሞም ጸገማት እትገልጽ ብቛንቋ ማልያላም ዝተዓየየት ፊልም፡ ናብ ሲነማታት ድሕሪ ምቕራባ ኣቓልቦ ስሒባ ትርከብ።

እታ፡ "ናብራ ከልቢ" (ብእንግሊዝኛ Goat Life) ዝተሰምየት ፊልም፡ ካብታ ኣብ 2008 ብቤኒይ ዳኒኤል ተደሪሳ ብዝሒ ተነባብነት ዝረኸበት ልብ-ወለድ መጽሓፍ ዝተራዕመት ኰይና፡ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ-ህይወት ናይ ኣዱጂቪታም ስጉማረም ዝተባህለ ሰብ ኣተኲራ ዝተዓየት እያ።

ንሱ፡ ኣብ 1990ታት ከም ስደተኛ ናብ ስዑድ ዓረብ ምስ ኣተወ ተጨውዩ፡ ኣብቲ ምድረበዳ ከም ጓሳ ኣጣል ግልያ ክኸውን ድሕሪ ምግዳዱ፡ ድሕሪ ክልተ መረርቲ ዓመታት ከምልጥ በቒዑ። እቲ ኣብታ ፊልም ነጂብ ዝብል ጠባይ ሒዙ ዘሎ ድማ ንኡ ይውክል።

እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኬረላ ከም እምነ-ኵርናዕ ባህላዊ ያታ ክትከውን ብምብቃዕ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ 250 ግዜ ተሓቲማ። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝነበረን ዘሎን ክውንነት ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረክብን ማእከል ወግዒ ክትከውንን ክኢላ።

እታ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ፊልም'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ዝተዘርግሓትሉ ቀዳማይ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 8 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ገይራ። ሃየስቲ፡ "ኣደናቒት ድራማ፡ ንህላወ ናይ ዝግበር ቃልሲ፣" ከምኡ'ውን፡ "ሲነማዊ ምስሊ ናይ ርህራሀ ዘይብሉ ቃልሲ፡" ክብሉ ገሊጾማ።

ኣዱጂቪታም (ነጂብ) ምስ ጎይታኡን እንስሳታቱን ጥራይ ብምዃን ካብ ዓለም ተነጺሉ። ኣብቲ ክቱር ምቘት፡ ካብ ኣውራ መንገዲ ኪሎሜተራት ርሒቑ፡ ብዘይ ተለፎን፡ ብዘይ ዝጽሕፈሉ ወረቐት ኰነ ቢሮ፡ ዝደሃዮ ብጻይ ኣብ ዘይብሉ፡ ምስ እንስሳታቱ ሓቢሩ ካብ ሓደ ዒላ እናሰተየ፡ ኣብ ሃወሽቶ ምድረበዳ ተደርብዩ ነበረ።

ነጂብ፡ ኣብ ሓደ ንልብኻ ብሓዘን ዝመልእ ትርኢት ናይታ ፊልም፡ "በጃኻ እባ ናብቲ ዝነበርኩዎ ክምለስ ፍቐደለይ፧" ኢሉ ክልምን ይርአ። ነቲ ኵሉ ዝነበሮ ሸይጡ፡ ንስድራኡ ሕቘኡ ሂቡ ዝሓሸ ስራሕ ንምድላይ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝተበገሰሉ ዕለት እናዘከረ፡ ገጹ ብንብዓት ይሕጸብ።

እንተዀነ፡ እቲ ዓረብኛ ጥራይ ዝዛረብ ጐይታኡ፡ ነቲ ብቛንቋ ማልያላም ዘቕርበሉ ዝነበረ ልመና ግዲ ኣይሃቦን።

ካብቶም 2.1 ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ኬረላ፡ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተሰደዱ እዮም። እዚ ድማ እታ ግዝኣት ምስ ከም ባሕረይን፡ ኩዌት፡ ቐጠር፡ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝጸንሓ ዝምድና ዝተኣሳሰር እዩ።

ብዙሓት ካብዞም ካብ ድኻታት ስድራቤታት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ካፋላ (ዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝውስን ሕጊ) ስለ ዝቝረኑ፡ ጻንሒቶም ኰነ ምንቅስቓሳቶም ብመወልቶም ስለ ዝውሰን፡ ንመጥቃዕትን ምዝመዛን ይቃልዑ። እቲ ናብ ዓዶም ዝልእክዎ መሃያኦም ድማ ንቝጠባ ኬረላ የጐልብቶ እዩ። በዚ ዝተላዕለ፡ እታ ግዝኣት ዝተሓተ መጠን ድኽነት ከም ዘለዋ ይግለጽ።

ዛጊት፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ጨቋኒ ኵነታት ብዙሕ ተጻሒፉ እዩ።

"ፓስፖርትኻ ስለ ዝውሰድ፡ ክትምለስ ኣይትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ፡ ኵሉሳዕ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ሞት ኢኻ፡" ይብል ብዛዕባ ሽቕለት ስደተኛታት ዘጽንዐ መሓመድ ሻፊቕ ካሪንኩራይል - ካብ ማእከል ሰብኣውነት ማኒፓል።

ኣዱጂቪታም (ነጂብ) - ቀንዲ ገጸባህሪ እታ ፊልም

ምንጪ ስእሊ, Aadujeevitham

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ዛንታ-ህይወቱ ተመርኲሱ መጽሓፍ ዝተጻሕፈሉን ፊልም ዝተሰርሓሉን ኣዱጂቪታም (ነጂብ)፡ ኣብ ዩቱብ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ ናብቲ ኣብቲ ዛንታ ዝተገልጹ ቦታታት ፈጺሙ ክምለስ ከም ዘይክእል ይዛረብ።

"ኣብ 1991 ንኬረላ ክሓድጋ እንከለኹ፡ ብዙሕ ሕልምታት ነይሩኒ፣ እቲ ምስ ዘስካሕክሕ ጎይታን ህይወተይ ምስ ኣጣልን ዘሕለፍኩዎ ተመኵሮ ግን ውነይ ኣስሒቱ ኣእምሮይ ሃስዩኒ፡" ይብል።

ኣብ 2008 ዳይረክተር ፊልም ብሌሲ፡ ነታ መጽሓፍ ናብ ፊልም ናይ ምርዓም ፍቓድ ረኺቡ። እቲ ከም ነጂብ ኰይኑ ዝተዋስአ ስኩማራን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዳይረክተር ነቲ ጽሑፍ-ፊልም ንዓመታኡ ምስ ኣረከቦ፡ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ብዙሕ ከም ዝፈልጥ ክኣምን ከም ዝኸኣለ ገሊጹ።

"ንዅሉ ኣብቲ ዛንታ ዘሎ ፍጻመ እፈልጦ እየ፣ ሰባት ብዙሕ እዮም ብዛዕባኡ ዘዕልሉ - ብሕልፊ እኳ ኣብ ኢንዳስትሪ ፊልም ዘለዉ። ይዅን'ምበር፡ ሽዑ'ውን ብምስክሕካሕ ከንፈጥፍጥ ገይሩኒ።"

"ሓደ ፍሉይ መለለዪ ናይዚ ዛንታ፡ ኣብ መንጐ ሰብን እንስሳን ዝህሉ ምድብላቕ መንነት ዘርኢ ኰይኑ፡ ሓደ ሰብ ቀስ-ብቐስ ካብ ዓሌት ሰብ እንታይነቱ እናኣጥፍአ፡ ሓደ ካብቶም እንስሳታት ክኸውን እንከሎ ዘርኢ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታ ኣንቢበ ኣይፈልጥን እየ።"

ኣብታ ፊልም፡ ነጂብ በብቝሩብ ቋንቋ ማልያላም ምዝራብ ኣቋሪጹ፡ ከምቶም ዝፈትዎም እንስሳታት ዘስምዑዎ ጐረሮኣዊ ድምጽታት የስምዕ። ደሓን ንኽስምዖ ድማ ናብታ ካብ ዓዱ ዘምጽኣ ናይ ማንጉስ ሳርማ ቅጫ እናኣጥሓለ ይዘናጋዕ።

ድሕሪ ናይ 16 ዓመታት ትጽቢት፡ ኣዱጂቪታም ከም ናህሪ ወጻኢታት፡ ለበዳ ኮሮና ዝኣመሰሉ ሓያሎ ዕንቅፋታት ሰጊሩ፡ ካብቲ ዓቚርዎ ዝነበረ ገንዘብ፡ ነታ ዛንታ ናብ ስክሪን ኣብቂዑዋ።

ዳይረክተር ብሌሲ፡ ነታ፡ "ፕሮጀክት ወኒ" ኢሉ ዝገልጻ ፊልም፡ ነቲ ቀንዲ ሕመረት ንምንጽብራቕ፡ ን43 ገጻት ናይታ መጽሓፍ ጥራሕ ከርዕም ከም ዝመረጸ ገሊጹ።

እዛ ፊልም ኣብ ዝተዘርግሐትሉ ፋልማይ ሰሙን፡ ሰባት ሓደው ነታ ፊልም ከም ዝርኣዩዋ ወይ ንኽርእዩዋ ትኬት ከም ዝቘረጹ ይዛረቡ ነይሮም። ቻነላት ዩቱብ ድማ ሰባት እናነብዑ ካብቲ ሲነማ ክወጽኡን ፍሉይ ዝዀነ ስምዒት ከም ዝተመኰሩ እናገለጹን ኣርእየን።

ሓንቲ ሰበይቲ ድማ፡ "ነቲ ዛንታ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ነይረ እየ። እንተዀነ፡ ብኻ ዘይርኣኹዎ እየ ኢለ፣ ክሳዕ ክንድ'ዚ እዩ መሪር ነይሩ፡" ትብል።