ትግራይ: ኣብ ሃገራዊ ውድድር ዝተዓወተት 'ንምንታይ?' ዘርእስታ ፊልም ትሕዝቶኣ እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, AHMED ABDU
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ሃገራዊ ውድድር ሓፀርቲ ፊልምታት ዝተሳተፈት ‘Why?’ (ስለ ምንታይ?) ዘርእስታ ፊልም ቀዳመይቲ ኰይና ተዓዊታ።
እቲ ኮሚሽን ቅድሚ ኣዋርሕ ንዝዘርግሖ ጻውዒት ውድድር መሰረት ብምግባር ነታ ፊልም ኣብ መቐለ ኰይኑ ከምዘእተዋ ዝዛረብ ደራስን ኣላይን ኣሕመድ ዓብዱ ስዒድ፡ “ዘይተፀበኽዎ ዓወት ረኺበ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ነቲ ምልክታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኢና ርኢናዮ። ብደረጃ ጀመርትን ፕሮፌሽናላትን ክወዳደሩ ዝደልዩ ሰብ ሞያ ክወዳደሩ እዩ ዝፅውዕ ነይሩ። ኣብ ክልተ ቀንዲ ሓሳባት፤ ቀዳማይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘድሃበ ካልኣይ ከኣ ኣብ መሰል ዘተኮረ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብር” ክብል ንመዕቀኒታት እቲ ውድድር የረድእ።
ኣሕመድ ነዚ ዕድመ ውድድርን ረቛሕታቱን ምስረኣየ ነታ ቅድም ክብል ሰሪሕዋ ዝነበረ ኣስታት 12 ደቓይቕ ሓጻር ፊልም ከእትዋ ወሲኑ።
“ከም ኣጋጣሚ ፊልምና ነተን ክልተ ዛዕባታት ዝሓዘት እያ ነይራ። ሰብኣዊ መሰልን ናይ ምንባር መሰልን ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለዋ” ይብል።
ናብቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ውድድር ኣስታት 400 ሓጸርቲ ፊልምታት ንውድድር ከምዝቐረባ ዝረኸናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ምመያ እናተኻየደ ግን ኣብ መወዳእታ 40 ጥራይ ናብ ውድድር ቀሪበን።
ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ ኲናት ተታሓሒዙ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝወረደ ግፍዒታታን መጥቃዕትታትን ዝምልከት ጭብጢ ዝሓዘት ፊልም ‘ስለ ምንታይ?’ ድማ ካብ ኵለን ጸብላል ብምባል ቀዳመይቲ ክትከውን በቒዓ።
“ትዅረትና ኣብ ትግራይ ኢና ገይርና። ኣብ እዋን ኲናት ብኣካል ኣብኡ ስለዝነበርኩ ንዅሉ መከራ ብዓይነይ ርእየዮ እየ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ምጥፍፋእ ፍፃመታት ብቐንዱ ተቓላዕቲ ካብ ዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ኢና ርኢና።
“ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን ትጽቢት ዘይግበር ብምዃኑ፡ ‘ኣብ 21 ክፍለዘብን እዚ ንምንታይ?’ ኢና ኢልናዮ” ክብል ንጭብጢ ዛንታ እታ ዝተዓወተት ፊልም ይገልፅ።
'ንምንታይ እዚ ክፍፀም እንከሎ ስቕ ኢልና ርኢና?'

ምንጪ ስእሊ, AHMED ABDU
ኣብታ ፊልም ዘላ ገፀ-ባህሪ: ግዳይ ናይቲ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ምዃና ሓሊፉ ኣብ ልዕሊኣ ብወተሃደራት ዝወረደ ዓመጽን ንዕኡ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጸቕጢን ሰጊራ ምስ ህይወት ክትቃለስ ትርአ።
“ምድፋራ ከይኣክል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ እትነብረሉ ከባቢ ተፈናቒላ፡ ኣብኡ ናብራኣ ንምድፋእ፡ እንተነኣሰ ብህይወት ንምቕጻል እትገብሮ ፃዕሪ የርኢ። እሞ ድማ ዝዀነ ይዅን ቈላሕታ፡ መግቢን መድሃኒትን ከይረኸበት ንነብሳ ክትኣሊ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኵነታት ወዲቓ ግን ድማ ንምንባር እትገብሮ ጻዕሪ እተርኢ ፊልም እያ” ክብል የረድእ ደራስን ኣላይን እታ ፊልም መንእሰይ ኣሕመድ።
እታ ገፀ-ባህሪ ኣብታ ፊልም እተስምዖም ዘረባታት ካብ ሰለስተ ምሉእ ሓሳባት ዝሓልፉ ኣይኰኑን። እቲ ዝበዝሕ ክፋል ብዘይዘረባ ብተግባራትን ፍፃመታትን ጥራይ ዝግለፀሉ ዓይነት ጥበብ ፊልም ‘ፓንቶ ማይሚን’ [ዝርርብ ኣልቦ] እዮም ተጠቒሞም።
በታ ፊልም ኣቢልካ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ጓልኣንስተይቲ ዝወረደ ግፍዒን መጥቃዕትን ምዝራብ ወይ መወዳእታኣ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ንምንታይ እዚ ክፍፀም ከሎ ስቕ ኢልና ርኢና፡ ፈቒድና ወይ ርኢና?’ ዝብል ሕቶ ንምልዓል እዩ” ክብል ቀንዲ ዕላማኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ውድድር ንምስታፍ ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን፡ ሓደ ጥርጣረ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ኰይኑ፡ ነዚ መልእኽቲ ዝሓዘት ስርሖም ኣይኰነን’ዶ ክትዕወት ብኣጋኡ ተቐባልነት እትረክብ እውን ኣይመሰሎምን ነይሩ።
“ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ኴንና እሞ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዘርኢ ፊልም ሒዝና ብምቕራብና እቲ ነቲ ውድድር ዘዳለወ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ክቕበለና ድዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጥና ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ስቕ ኢልና ነእትዋ ኣብ ዝብል ውሳነ በፂሕና” ክብል ይዝክር።
ኣብ መወዳእታ ግን ከምቲ ዝሰግእዎ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ እታ ‘Why?’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃብዋን ረዚን መልእኽቲ ዝሓዘትን ፊልም፡ ቀዳመይቲ ብምዃን ንሽልማት ገንዘብን ወረቐት ምስክርን ኣብቂዓቶም።
“ካብቲ ናይ ገንዘብ ሽልማት ብተወሳኺ ዕድላት ሒዙልና ዝመፅአ ኣጋጣሚ ኰይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። እታ ዝተዓወትናላ ፊልም ኣብ ምሉእ ሃገር ክትርአ ምዃና ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩና ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ካልእ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝዳሎ ተመሳሳሊ መድረኽ ኣብ ቀረባ እዋን ስለዘሎ፡ ኣብኡ ናይ ምስታፍ ዕድል እውን ፈጢራትልና። ንዓይ ብውልቀይ እውን እቲ ኮሚሽን ሰፊሕ ናይ ፊልም ፕሮጀክት ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ።
ኣሕመድ መን’ዩ?
መንእሰይ ኣሕመድ ዓብዱ ስዒድ ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዓብዩ። ካብ ዕድመ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ብዝሓደሮ ፍቕሪ ስነጥበብ ተሳሒቡ ድማ ናብቲ ዓውዲ ተጸምቢሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ውዳበታት ስነጥበብ እናተጠርነፈ ንነዊሕ እዋን ክነጥፍ ብምጽንሑ ብዙሕ ድራማታት ናይ ምስራሕ ዕድል ገጢምዎ።
“ኣብ ትያትራት ሰሪሐ እየ። ብፍላይ ቅድሚ ምውላዕ ኲናት ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ኣብ ውድድር ትያትር ዝተዓወትኵሎም እዮም ነይሮም። ብተኸታታሊ ቀዳማይ ብምውፃእ ዋንጫ ዝረኸብኩሎም ዓመታት እዮም። ብዘይካ’ዚ ኣብ ትልሂት እውን በዓል ሞያ እየ። ንባዕለይ እናሰራሕኩ ንኻልኦት እውን የሰልጥን።

ምንጪ ስእሊ, ENDA THISH/SCREEN
ናብ ዓውደ ፊልም ምሉእ ቈላሕታ ብምሃብ ክሰርሕ ዝጀመረ ግን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት እዩ ነይሩ። ብተለቪዥን ኣብ ዝፍነዉ ተኸታተልቲ ድራማታት ዝሰርሐ ኣሕመድ፡ ብፍላይ ኣብታ “እንዳ ትሕሽ” ብዝብል እትፍለጥ ተኸታታሊት ኮሜዲ ድራማ ‘መምህር ጥንቁቕ’ ብዝብል ገፀ-ባህሪ ሒዙ ብምውሳኡ ብዙሓት ይፈልጥዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







