ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዓወት ጆ-ባይደን እንታይ ይብሉ?

መሬን ሰመዳርን ኣቶ ዑቕባይን

ምንጪ ስእሊ, Meron and Oqubai

መግለጺ ስእሊ, መሮንን ሰመዳርን ኣቶ ዑቕባይን

ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ኮቪድን ብሰንኩ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ድቀትን ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ፡ ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ህዝቢ ዝተሳተፎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትማሊ ብዓወት ጆ ባይደን ተጠናቒቑ ኣሎ።

ነባሪት ሰሜን ኣመሪካ ኣስመረት መጎስ “ፍቕዲ ድምጺ ክንከታተል አዒንትና ሰለም ከየበለ እዩ ቀንዩ። ሕጂ ግን እቲ እንደልዮ ሰብ ብምምራጹ አዕሪፍና” ትብል።

ንሳ ጥራሕ ግን ኣይኮነትን አዒንታ ካብ ተሌቪዥን ዘይኣለየት። ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኣመሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብ ኣመሪካ ስልጣን ዝሕዝ ሰብ መን ምዃኑ ክፈልጥ ምስ ሚድያታትን ጸብጻባተንን እዩ ቀንዩ። ይብል ቅድምን ኣብ እዋን እቲ ምርጫን ንጆ ባይደን ምረጹ እናበለ ክጉስጉስ ዝጸንሐ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ኣመሪካ ዝተቐመጠ ነባሪ ኣትላንታ ስዩም ተስፋይ።

ስዩም ተስፋይ ጆ ባይደን ብምምራጹ ንዝተሰመዖ ስምዒት ሓደ ወላዲ ቖልዓ ምስ ወለዶ ምስ ዝስመዖ ሓጎስን ደስታን እዩ ዘዛምዶ።

“ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ምስ ትራምፕ ከነሕልፎ ከቢድ ምኾነ” ብምባል ትራምፕ ንክብሪ ኣመሪካ ዝተንከፈ ተለዋዋጢ ባህርይ ዘለዎ መራሒ ምዃኑ እዩ ዝገልጾ።

እዚ ሓዲሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን ከቢድ ዕዮ ገዛ ከምዝጽበዮን፡ተኸፋፊኑ ንዝጸንሐ ሕብረተሰብ ኣመሪካ አሕውዩ ዓለማዊ ክብሪ ኣመሪካ ኣብ ቦትኡ ክመልስ ክሰርሕ ትጽቢት ከምዘለዎ ይገልጽ ስዩም።

ኣብ ካሌፎርኒያ ንምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ ዝተወዳደረ መንእሰይ ሜሮን ሰመዳር ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት ጆ ባይደን ብምዕዋቱ ልዑል ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ይገልጽ። “ ፕረዚደንት ትራምፕ ፈላላይ እዩ ነይሩ። ጆ ባይደን ግን ኣካቢ እዩ።

ሕጂ ምስተዓወተ እውን ከም ፕረዚደንት ዴሞክራት ዘይኮነ ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ እየ ክዋሳእ ክብል እቲ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ምእካብ ባህሪ ዝገለጸ፡ ንኣመሪካ ናብቲ ዝነበራ ክብሪ ክመልሳን ህዝቢ ክሓቁፍን ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ ሕጹይ ብምምራጸይ ሕቡን እየ” ይብል።

ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሰልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝነበሮ ፖሊሲን ለበዳ ኮቪድ ንምቁጽጻር ዝተኸተሎ ኣገባብን ካብ ብዙሓት ሊቃውንትን ኪኢላታትን ተቓውሞ የጋጥሞ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ሰብ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኦፊስ ከይቅጽል ዓቢ ስክፍታ እዩ ጸኒሑ ይብል ኣቶ ዑቐባይ ካብ ካሊፎርኒያ።

“ ናይ ትራምፕ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስለዘሰከፈና ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ድምጾም ንክህቡ ኣብ ምጉስጓስ ዓቢ ተራ ኢና ተጻዊትና። ብዙሓት አሕዋትና እውን ነቲ ዝሓሸ እዩ ዝበሉዎን ዝበልናዮን ጆ-ባይደን ድምጽና ሂብና። ዝሓረናዮን ዝጎስግስናሉን መራሒ ስለዝተዓወተ ከኣ ሕጉሳት ኢና” ይብል።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ሕጹይ ሰልፊ ዴሞክራት ጆ- ባይደን ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጸላም ኣመሪካዊት ካሚላ ሃሪስ ከኣ ምክትል ፕረዚደንት ኮይና ብምዕዋቶም ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ጆ ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ እንከሎ ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጋጢሙዎ ዘይፈልጥ ክብደት፡ “ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድን ብሰንኩ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ከርግእ፤ ስርዓተ ፍትሕን ሓደጋ ደሞክራስን ከዐሪ፡ ኣብ ፈተና ዝርከብ ጉዳይ ክላይመት ዝኣመሰለ ከቢድን በዳህን ስራሕ ይጽበዮ ኣሎ” ክብል ኣብ ቅድሚኡ ዝህሉ ብደሆ ኣረዲኡ።

ይኹን እምበር ጆ - ባይደን ንዝመረጾ ይኹን ዘይመጾ ብዘየገድስ ንረብሓ መላእ ኣመሪካውያን ብምቕዳም ክሰርሕ እዩ ብምባል ኩሎም ኣመሪካውያን ክድግፉዎ ጸዊዑ።

እዚ ምርጫዚ እዚ ኣመሪካ ናይ ብሓቂ ተኸፋፊላ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ዝበለ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ንሕውየት እታ ሃገር ነብሲ ወከፍ ሰብ አእጃሙ ክጻወት ሓቲቱ’ሎ።

ኣብ ኦክላንደ ካሊፎርንያ ንምምሕዳር ከተማ ተወዳዲሩ ሃብታም ተመኩሮ ዝቐሰመ ሜሮን ሰመዳር፡ “ ፖሊሲ ትራምፕ ንስደተኛታት ዝጻረር እዩ። ብፍላይ ከኣ ንኤርትራ ኣብ እገዳ ስለዘእተዋ፡ ብዙሓት ዜጋታት ንቡር ምጽንባር ስድራ ቤት ከይገብሩ ተጸጊሞም እዮም ጸኒሖም።

ስለዚ ኢና ኸኣ ኣነን ዝኸማይን ጆ ባይደን ንኽምረጽ ዝከኣለና ዝገበርና” ይብል። ሕጂ ምስ ምምጻእ ጆ ባይደን እቲ ኣብ ምሕደራ ትራምፕ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከምሓየሽን ንብዙሕ ሽግራት ክፈትሕን ትጽቢት ስለዘሎ እቶም ኣብዚ ዛንታ እዚ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኩሎም ዝሓሸን ርህውን መጻኢ ክርእዩ እየም ዝትስፈው።