ምስ ትራምፕ ሓርፋፍ ርክብ ዝነበሮ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንባይደን ሓጎሱ ገሊጽሉ

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ዓወት ጆ ባይደን ዕላዊ ምስኮነ፡ መራሕቲ ዓለም ናይ ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ መልእኽቲ የብጽሕሉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ናይ ‘እንኳዕ ኣሐጎሰካ’ መልእኽቲ ካብ ዘመሓላለፉ መራሕቲ ሓደ እዩ።

ምስ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝሓርፈፈ ርክብ ዝነበሮ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም’ውን ብተመሳሳሊ ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ ኢሉ ኣሎ።

“ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ሓቢርና ክንሰርሕ ተስፋ ንገብር” ዝብል መልእኽቲ ድማ ኣመሓላሊፉ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ዓመታዊ ድጋፍ ክትስሕብ ዝገበረ ኮይኑ፡ ንኣመሪካ ካብ ኣባልነት’ቲ ትካል ንከውጸኣ’ው ፈቲኑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፣ ፕረዚደንት ዙምባወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ፣ ፕረዚደንት ዩጋንዳው ዩዌሪ ሙሴቪኒ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፕረዚደንት ጋና ኣኩፎ ኣዶ ካብቶም ንዕውት ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ ዝበሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ገሊኦም እዮም።

ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ካብቶም ቀዲሞም ናይ ‘እንኳዕ ደስ በለካ’ መልእኽቲ ዘሕለፉ መራሕቲ ዓለም እዩ።

ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ዓለም፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሓጎሶም እናገለጽሉ ዝርከቡ እንትኾኑ፡ ምስ ሃገረ ኣመሪካን ምስ ሓድሽ ምሕደራ ባይደንን ሓቢሮም ንምስራሕ ድልዋት ምዃኖም እናገለጹ ይርከቡ።

ትራምፕ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ብዙሕ ጌጋ ከምዝፈጸመ እዩ ዝንቀፍ።

ንምዃኑ ጆ ባይደን መን'ዩ?

ንሱ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኮይኑ ዘገልገለ ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት እዩ።

ደገፍቱ፡ ባይደን ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወጻኢ ሙኩር ሰብ'ዩ ይብሉዎ።

ብልዑል ርግኣት ዝፍለጥ ባይደን፡ ኣብ ናይ ፖለቲካ ህይወቱ ብርክት ዝበሉ ዘሕዝኑ ክስተታት ኣጋጢሙዎ ኣሎ።

ቅድሚ 47 ዓመት እዩ ባይደን ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ተጸምቢሩ። ቅድሚ 33 ዓመት ከኣ ፕረዝደንት ኣመሪካ ክኸውን ክጽዕር ጀሚሩ።

እዚ ብ 1987 ፕሬዝደንት ኣመሪካ ናይ ምዃን ሕልሚ ዝሓደሮ ባይደን፡ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ምስ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ተወዳዲሩ ተዓዋቲ ኮይኑ'ሎ።