ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራናዊ መዘናኡ ክራኸብ ቅሩብ ምዃኑ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኢራን፡ ሓሰን ሮሃኒ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዘንበረቶ ማዕቀብ ከየልዓለት ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ክራኸብ ከም ዘይደሊ ኣፍሊጡ።
ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ዋዕላ ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ክራኸብ ቅሩብ ምዃኑ ኣተንቢሁ ነይሩ።
እንተኾነ፡ "ብዘይ እዚ መፍትሕ'ዚ እቲ ማዕጾ ክፍታሕ ኣይክልን'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሃኒ መሊስሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሃገሩ ካብቲ ምስ ኢራን ዝተበጸሐ ውዕል ኑክሌር ድሕሪ ምስሓባን፡ ማዕቀብ ድሕሪ ምንባራን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።
ንሱ፡ ሓድሽ ስምምዕ ተገይሩ፡ ኢራን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ልዕሊ ፕሮገራም ኑክሌር ኢራን ገደብ ክግበርን፡ ኢራን ሚሳይላት ካብ ምምዕባል ክትቁጠብን'ዩ ዝጠልብ ዘሎ።
ኢራን ብወገና፡ ሓንሳብ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ'ዩ ብምባል፡ ነቲ ጠለብ ነጺጋቶ'ላ።
እተን ኣካል ናይቲ ኣብ 2015 ዝተፈረመ ስምምዕ ዝኾና፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ[ይ]፡ ጀርመን፡ ቻይናን ሩስያን ነቲ ስምምዕ ክትግበር'የን ዝጽዕራ ዘለዋ።
እንተኸነ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፡ ንኢንዱስትሪ ነዳዲ እታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱሉ ስለዘሎ፡ እተን ሃገራት ነዚ ጸገም'ዚ ከፋኹሳላ እንተዘይኪለን፡ ኢራን'ውን ካብቲ ስምምዕ ጠቕሊላ ብምውጻእ፡ ምምዕባል ኑክሌራዊ ፕሮገራም ከትቅጽል ምዃና ከተጠንቅቕ'ያ ጸኒሓ።
ድሮ'ውን፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ማዕቀብ፡ ነቲ ዝኣተወቶ መብጽዓታት ከም ዝጠሓሰቶ ብወግዒ ገሊጻ ነይራ።
ቁጠባ ኢራን ተሃስዩ ስለዘሎ፡ ናብ መኣዲ ልዝብ ክመጹ'ዮም ዝበለ ትራምፕ፡ ክሊኦም መራሕቲ ዋዕላ ከካይዱ ተኽእሎ ከም ዘሎ'ዩ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ብወገኑ፡ ንፕረዚደንት ሮሃኒ ብቴለፎን ረኺቡ፡ እቲ ጉዳይ ብዝርርብ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ከም ዝሓበሮ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሃንደበት ኣብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ ምርካቡ'ውን፡ ናይ ተስፋ ምልክት'ዩ ተባሂሉ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







