ኮሮናቫይረስ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካውያን ማስክ ክገብሩ ከም ዘየገድድ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ኣሜሪካውያን ማስክ ክብሩ ከም ዘየገድድ ሓቢሩ።
ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ መራሕቲ ግዝኣታት “ብዝተኻእለ መጠን” ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከገድዱ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ እዩ።
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር፡ “ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ዝበለ ፋውቺ፡ “ኩላትና ክንገብር ኣሎና” ኢሉ።
ኣብ ኣሜሪካ ማስክ ምግባር ፖለቲካዊ ትርጉም እዩ ተዋሂብዎ ዘሎ።
ዝበዝሑ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት፡ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ወጻኢ ማስክ ክገብር ኣዚዞም ኣለው።
ኣባል ሪፓብሊካን ዝኾነ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣላባማ ካይ ኢቨይ፡ ኣብ ፈለማ ማስክ ምግባር ይቃወም እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ኩሉ ሰብ ክገብር ካብ ዝኣዘዙ ኣመሓደርቲ እዩ።
ኣንጻር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተሪር መርገጺ ዝጸንሖ ትራምፕ ንባዕሉ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ማስክ ጌሩ ተራእዩ ነይሩ።
ብዓርቢ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ግና ሰባት “ዝተወሰነ ናጽነት” ክህልዎም ኣለዎ ብምባል ኣብታ ሃገር ማስክ ምግባር ግዴታ ከም ዘይከውን ሓቢሩ።
ኣብዚ ሰሙን ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ኩሉ ሰብ ማስክ ክገብር ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኡ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







