ትራምፕ፡ ንዕኡ ዝነቅፍ መጽሓፍ ከይዝርጋሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ዳኛ ነጺጉዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ነበር፡ ጆን ቦልቶን ተጻሒፉ ዝቐረበን ነቲ ፕረዚደንት የቃልዕ እዩ ዝተብሃለን መጽሓፍ ክእገደሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ ነይሩ።
ጆን ቦልቶን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብዚ 'The Room Where It Happened' ዝብል ሓድሽ መጽሓፉ፡ ገለ ዝፈልጦም ምስጢራት ኣውጺኡ ተባሂሉ እዩ ዝዝረብ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ እቲ መጽሓፍ ብኣግባቡ ኣይተመርመረን ኢሉ እዩ ዝሟገት።
ነዚ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተበገሰ ጥርዓን ዝመርመረ ዳኛ ናይ ሓደ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ግን፡ "እቲ ጥርዓን፡ እቲ መጽሓፍ ከብጸሖ ንዝኽእል ጉድኣት ብግቡእ ከረጋግጽ ኣይከኣለን" ብምባል ክዝርጋሕ ወሲኑ።
እንተኾነ እቲ ዳኛ፡ እቲ ጸሓፊ ብሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ 'ጠላዕ' ከምዝተጻወተ ገሊጹ ስክፍትኡ ኣስፊሩ እዩ።
ዛጊድ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ቅዳሕ ናይቲ መጽሓፍ ተሓቲሙ ተዘርጊሑ እዩ። ኣብ መጻኢ ሰሉስ ድማ፡ እዚ ኣዘራራቢ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።
ጆን ቦልተን፡ ኣብዚ መዘከርትኡ 'ህስስ' ዝበለ ስእሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተጠቐመ ኾይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝገብሮ ነገር ኩሉ፡ ኣብ ቀጻሊ መረጻ ደጊሙ ንክስዕር ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዘቃለዕ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ግን፡ እቲ መጽሓፍ ብሕሶትን በለካ ለኽዐካን ዝተመልአ ክብል እዩ ኣቆናጺብዎ።
እቲ ዳኛ እንታይ እዩ ኢሉ?
ጠበቓ ጆን ቦልተን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ እዩ ዘይፈተዎ'ምበር፣ ከምቲ ኣብቲ ክሲ ዝተብሃለ፡ ዝባኸነ ሃገራዊ ምስጢር የለን እዩ ዝብል።
እቲ ዳኛ ግን፡ እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታሙ፡ 'ኣድላይ ዝበሃል ጥንቃቐ ይሓትት ነይሩ፡ ሃገራዊ ድሕነት ድማ ቀዲሙ ክሪኦን ክምርምሮን ነይሩዎ' እዩ ዝብል።
እቲ ዳኛ፡ ኣብ 10 ገጽ ኣብ ዘስፈሮ ብይን፡ ቦልተን ምስጢር ሃገር ንከየቃልዕ ንዝኣተዎ ግዴታ ጥሒሱ፡ ነዚ መጽሓፍ ከምሰናደአ ሓቢሩ እዩ።
እቲ ጠበቓ ግን፡ ነዚ ኣገላልጻ ናይቲ ዳኛ ኣይተቐበሎን።
እንተኾነ፡ መንግስቲ እቲ መጽሓፍ ከይዝርጋሕን ክእገድን ንዘቕረቦ ሕቶ፡ እቲ ከይበጽሕ ዝተስገአ ጉድኣት ድሮ ኣጋጢሙ ዘሎ እዩ ኢሉ ስለዝኣመነሉ፡ 'ኣየናይ ጉድኣት ንምክልኻል እዩ'ሞ ክእገድ?' ክብል ይሓትት።
"ኣብዚ ኣብ ዘመነ ኢንተርኔት፡ ዋላ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ቅዳሓት እንተወጺአን እቲ ጉድኣት ምቁጽጻር ኣይከኣልን። ሓደ ግዱስ ሰብ ኣብ እንዳቡኑ ኮፍ ኢሉ ንዓለም ከባጽሖ ይኽእል እዩ። እቲ ጉድኣት በጺሑ እዩ። ምሕዋይ ኣይከኣልን" ኢሉ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ዳኛ እዚ ኢሉ ምስ ወሰነ ሽዑ ንሽዑ፡ "ቦልተን ብዙሕ ሃገራዊ ምስጢር ኣባኺኑ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ለጢፉ።
ጠበቓታትን ወነንቲ እቲ ቤት ሕትመትን፡ ዳኛ እቲ መጽሓፍ ከይእገድ ምውሳኑ ኣድኒቖም።
እንተኾነ፡ ብፍላይ እቲ ጠበቓ "ቦልተን ንዝኣተዎ ግዴታ ጥሒሱ እዩ" ንዝብል ናይቲ ዳኛ ርእይቶ ኣይንቕበሎን ኢሉ።
እቲ መጽሓፍ እንታይ ሒዙ?
ጆን ቦልተን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 እዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ጸጥታ ኾይኑ ተመዚዙ።
እንተኾነ፡ 2019 ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ኢራን፣ ሰሜን ኮርያን ኣፍጋኒስታንን ምስ ትራምፕ ከይተስማምዑ ስለዝተረፉ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም መዝነቱ ብፍቓዱ ገዲፉ።
ቦልተን ኣብ መጽሓፉ ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ 'ቅዋም ዘይብሉ፣ ንቕድሚት ዘይርኢን መረዳእታ-ኣልቦን" ክብል እዩ ኣቆናጺብዎ።
ብውልቀ ተዘራሪብናሎም ኢሉ ኣብ መጽሓፉ ዘስፈሮም፡ ምርግጋጽ ዘይተኽኣሉ ጉዳያት፡ ትራምፕ፡ ቻይና ኣብ መጻኢ መረጻ 2020 ክትሕግዞ ምድላዩ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢዱ ከእቱ ምድላዩን ንፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ታይፕ ክሕግዝ ምድላዩን ይርከብዎም።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እንግሊዝ ኑክሌር ከምእትውንን ኣይፈልጥን፣ ፊንላንድ ድማ ኣካል ሩስያ ገይሩ ከምዝቖጸራ ዝኣመሰሉ ናይቲ ፕረዚደንት ፍልጠት ትሑት ምዃኑ ዘርእዩ ጉዳያት 'ውን ኣስፊሩ ተባሂሉ እቲ መጽሓፍ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







