ትራምፕ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማክ ማስተር ብጆን ቦልተን ተኪኦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማክ ማስተር ብወተሃደራዊ ሊቅ ጆን ቦልተን ተኪኦም።
ትራምፕ ኣብ ትዊተር ማክማስተር ዝነኣድ ስራሕ ከምዝሰርሑን መሓዝኦም ኮይኖም ከምዝቕፅሉን ገሊፆም።
ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያን ኢራንን መጥቃዕቲ ክፍፀም ዝድግፉ ቦልተን፡ ናብ ስልጣን ምምፅኦም እቶም ፕረዚደንት "ብዙሕ ኣማራፅታት ከምዘለዎም" ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቦም።
ጀነራል ሃርበርት ራይመንድ ማክ ማስተር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝተሰናበቱ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሓደ ኮይኖም ኣለው።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቲለርሰን ብዳይሬክተር ሲኣይኤ ማይክ ፖምፒዮ ምትክኦም ይዝከር።
ቦልተን ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ንሳልሳይ ግዜ ብትራምፕ ዝተሾሙ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት እዮም።
ጆን ቦልተን "ውሽጣዊ ድሕነት ብምውሓስ ብደረጃ ዓለም ጽኑዕ ሃገር ንምፍጣር" ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን ኣባላት ጉጅልኦምን ክሰርሑ ድልየት ከምዝነበሮም ገሊፆም።
ጆን ቦልተን መን'ዮም?
ወዲ 69 ዓመት ቦልተን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሮናልድ ሬገን፣ ጆርጅ ሀርበርት ቡሽን ጆርጅ ቡሽን ኣገልጊሎም።
ኣብ ዘመነ ስልጣን ቡሽ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኣሜሪካ ኮይኖም ተሸይሞም ነይሮም።
ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ወራር ንኽፍፀም ደጋፊ ቅዋም ነይርዎም። ሰሜን ኮርያን ኢራንን'ውን ክቕፅዓ ከምዘለወን ይኣምኑ።
ማክማስተር ንምንታይ ተተኪኦም?
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ማክማስተር ንትራምፕ ኣመስጊኖም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብ ሰራዊት ምኽልኻል ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት'ዚ ክሰናበቱ ሕቶ ኣቕሪቦም ምንባሮም'ውን ተዛሪቦም።
ወዲ 55 ዓመት ጀነራል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኖም ኣገልግሎት ሂቦም።
ካብ ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ መግለፂ ከምዘመልክቶ ብዛዕባ ምስንባቶም ኣብ ሞንጎ ትራምፕን ማክማስተርን "ሓበራዊ ስምምዕ" ተገይሩ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







