ፕረሲደንት ቬንዙዌላ: ''ኣሜሪካ ክትቀትለኒ ትደሊ`ላ'' ኢሉ

ፕረዚደንት ቨንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ታሕሳስ 12 2018

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቨንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ

ፕረሲደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኣሜሪካ ንዕኡ ቀንጺላ ንመንግስቱ ክትዓሉ ትኣልም ከምዘላ ጠቂኑዋ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ቦልተን ኣብ`ቲ ጉዳይ ብኣካል ከምዝተሳተፈ ድማ ገሊጹ፡ እንተኾነ ግን ዝሃቦ ጭብጢ የለን።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ጸጋማዊ መራሒ ቬንዙዌላ ውልቀ-መላኺ`ዩ ኢልዎ ነይሩ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ድማ ማዕቀብ ኣንቢሩ`ዩ።

ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ሰሙን`ዚ፡ ኣሜሪካ ንምእታው ክልተ ሩስያውያን ነፈርቲ ኲናት ናብ ቬንዙዌላ ኮኒና ነይራ።

እተን ቱፖለቭ ቱ-160 [Tupolev Tu-160] ዝዓይነተን ነፈረቲ ኲናት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክስከማ ዝኽእላ`የን።

ማዱሮ እንታይ`ዩ ኢሉ?

ፕረዚደንት ማዱሮ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሚራፍሎረስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ `ጆን ቦልተን ንዓይ ናይ ምቕንጻል፣ ምውፋር ናይ ደገ ሓይልታትን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስትን ዕማም ከወሃህድ ተልእኾ ተዋሂቡዎ`ሎ፤ ህዝቢ ቬንዙዌላ ግን `ብሓገዝ መሓዙት ሃገራት` ነቲ ውጥን ንምፍሻል ድሉው`ዩ ኢሉ።

ማዱሮ ቅድሚ ሕጂ`ውን ንኣሜሪካ፣ ኮሎምቢያን ተቓወምቲ ሃገሩን ንምቕታሉ ይደናደኑ ከምዝነበሩ ጠቂኑ`ዩ።

ዕላማ ምብጻሕ ናይ`ተን ነፈርቲ ሩስያ እንታይ`ዩ?

ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ቬንዙዌላን ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ፍልልያት ምስ ዘለወን ከም ሩስያን ቻይናን ካልኦት ዝኣመሰላ ሃገራትን ብዘለዋ ርክብ ኣዝያ`ያ ትሻቐል።

ምብጻሕ ናይ`ተን ነፈረቲ ኲናት ሩስያ ከም `ምብኻን ገንዘብ ህዝቢ ብኽልተ ብልሽዋት መንግስታት`ዩ ዝቑጸር` ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ።

ክልተ ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ኣብ ቨንዝወላ ታሕሳስ 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ሩስያ ግን ነቲ ዘረብኡ `ፈጺሙ ዘይግቡእ` ኣዘራርባ`ዩ ኢልዎ።

እተን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ስትራቴጂያውያን ነፈርቲ ኲናት ብኽልተ ካልኦት ነፈርቲ ሩስያ ተሰንየን`የን ብሰኑይ ካብ ርእሰ-ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳይሞ ቦሊቫር ዓሊበን።

እተን ነፈርቲ ኣካል ናይ`ቲ ምስ ሓይሊ ኣየር መሻርኽቲ ሃገር ዝኾነት ሩስያ ዝግበር ልምምድ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ቬንዙዌላ ቭላዲሚር ፓድሪኖ ሓቢሩ።

ዋይ ሃውስ [ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ] እተን ነፈርቲ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ሃገረን ክምለሳ ምዃነን ብመንገስቲ ሩስያ ከምዝተሓበሮ ገሊጹ`ሎ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ቬንዙዌላ ክሳብ ክንደይ ከቢድ`ዩ?

ካብ 2014 ንነጀው ጥራይ፡ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ቬንዚዌላውያን ሃገሮም ገዲፎም ተሲደዶም ኣለዉ። እዚ ቑጽሪ`ዚ ኣስታት ሸውዓተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ናይ`ታ ሃገር ማለት`ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዌላ ኣስታት 20 ዓመት ንዘቑጸረ ማሕበርነት ንምእላይ ኣብ ልዕሊኣ ቁጠባዊ ኲናት ተካይድ ምህላዋ ቨንዝወላ ትገልጽ።

ፕረሲደንት ማዱሮ፡ ፖሊሲታት ኣሜሪካን ማዕቀባትን ጠንቂ`ቲ ኣብ'ታ ሃገር ዘሎ ልዑል ዝቕባበ፣ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ካልእ ሃለኽትን ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣሜሪካዊ ሰራሕ ጎማ መኪና ጉድየር ድማ ኣብ ቬንዙዌላ ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ብሰኑይ ገሊጹ።

`ዕላማና ስራሕ ትካልና ንምቕጻል`ዩ ነይሩ፡ ኮይኑ ግን ብምኽንያት ቁጠባዊ ኩነታትን ማዕቀብ ኣሜሪካን ስራሕና ክንቅጽል ኣየኽኣለናን` ኢሉ ጉድየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛኡ ኣብ ቬንዙዌላ ድማ ዓሰርተ ጎማ መኪና ብመልክዕ መፋነዊ ካሕሳ ተዋሂቡዎ።

ንኬሎግን ክሎሮክ ሓዊስካ ሓያሎ ናይ ደገ ትካላት ኣብ`ታ ሃገር ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ማዕቀብ ኣሜሪካን ምኽንያት ብምግባር ካብ`ታ ሃገር ወጺኤን ኣለዋ።