ፕረሲደንት ቬንዙዌላ: ''ኣሜሪካ ክትቀትለኒ ትደሊ`ላ'' ኢሉ

ፕረሲደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኣሜሪካ ንዕኡ ቀንጺላ ንመንግስቱ ክትዓሉ ትኣልም ከምዘላ ጠቂኑዋ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ቦልተን ኣብ`ቲ ጉዳይ ብኣካል ከምዝተሳተፈ ድማ ገሊጹ፡ እንተኾነ ግን ዝሃቦ ጭብጢ የለን።

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ጸጋማዊ መራሒ ቬንዙዌላ ውልቀ-መላኺ`ዩ ኢልዎ ነይሩ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ድማ ማዕቀብ ኣንቢሩ`ዩ።

ኣብ ፈለማ ናይ`ዚ ሰሙን`ዚ፡ ኣሜሪካ ንምእታው ክልተ ሩስያውያን ነፈርቲ ኲናት ናብ ቬንዙዌላ ኮኒና ነይራ።

እተን ቱፖለቭ ቱ-160 [Tupolev Tu-160] ዝዓይነተን ነፈረቲ ኲናት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክስከማ ዝኽእላ`የን።

ማዱሮ እንታይ`ዩ ኢሉ?

ፕረዚደንት ማዱሮ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሚራፍሎረስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ `ጆን ቦልተን ንዓይ ናይ ምቕንጻል፣ ምውፋር ናይ ደገ ሓይልታትን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስትን ዕማም ከወሃህድ ተልእኾ ተዋሂቡዎ`ሎ፤ ህዝቢ ቬንዙዌላ ግን `ብሓገዝ መሓዙት ሃገራት` ነቲ ውጥን ንምፍሻል ድሉው`ዩ ኢሉ።

ማዱሮ ቅድሚ ሕጂ`ውን ንኣሜሪካ፣ ኮሎምቢያን ተቓወምቲ ሃገሩን ንምቕታሉ ይደናደኑ ከምዝነበሩ ጠቂኑ`ዩ።

ዕላማ ምብጻሕ ናይ`ተን ነፈርቲ ሩስያ እንታይ`ዩ?

ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ቬንዙዌላን ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ፍልልያት ምስ ዘለወን ከም ሩስያን ቻይናን ካልኦት ዝኣመሰላ ሃገራትን ብዘለዋ ርክብ ኣዝያ`ያ ትሻቐል።

ምብጻሕ ናይ`ተን ነፈረቲ ኲናት ሩስያ ከም `ምብኻን ገንዘብ ህዝቢ ብኽልተ ብልሽዋት መንግስታት`ዩ ዝቑጸር` ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ።

መንግስቲ ሩስያ ግን ነቲ ዘረብኡ `ፈጺሙ ዘይግቡእ` ኣዘራርባ`ዩ ኢልዎ።

እተን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ስትራቴጂያውያን ነፈርቲ ኲናት ብኽልተ ካልኦት ነፈርቲ ሩስያ ተሰንየን`የን ብሰኑይ ካብ ርእሰ-ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳይሞ ቦሊቫር ዓሊበን።

እተን ነፈርቲ ኣካል ናይ`ቲ ምስ ሓይሊ ኣየር መሻርኽቲ ሃገር ዝኾነት ሩስያ ዝግበር ልምምድ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ቬንዙዌላ ቭላዲሚር ፓድሪኖ ሓቢሩ።

ዋይ ሃውስ [ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ] እተን ነፈርቲ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ሃገረን ክምለሳ ምዃነን ብመንገስቲ ሩስያ ከምዝተሓበሮ ገሊጹ`ሎ።

ቁጠባዊ ቅልውላው ቬንዙዌላ ክሳብ ክንደይ ከቢድ`ዩ?

ካብ 2014 ንነጀው ጥራይ፡ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ቬንዚዌላውያን ሃገሮም ገዲፎም ተሲደዶም ኣለዉ። እዚ ቑጽሪ`ዚ ኣስታት ሸውዓተ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ናይ`ታ ሃገር ማለት`ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ቬንዙዌላ ኣስታት 20 ዓመት ንዘቑጸረ ማሕበርነት ንምእላይ ኣብ ልዕሊኣ ቁጠባዊ ኲናት ተካይድ ምህላዋ ቨንዝወላ ትገልጽ።

ፕረሲደንት ማዱሮ፡ ፖሊሲታት ኣሜሪካን ማዕቀባትን ጠንቂ`ቲ ኣብ'ታ ሃገር ዘሎ ልዑል ዝቕባበ፣ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ካልእ ሃለኽትን ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣሜሪካዊ ሰራሕ ጎማ መኪና ጉድየር ድማ ኣብ ቬንዙዌላ ስርሑ ደው ከብል ምዃኑ ብሰኑይ ገሊጹ።

`ዕላማና ስራሕ ትካልና ንምቕጻል`ዩ ነይሩ፡ ኮይኑ ግን ብምኽንያት ቁጠባዊ ኩነታትን ማዕቀብ ኣሜሪካን ስራሕና ክንቅጽል ኣየኽኣለናን` ኢሉ ጉድየር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።

ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛኡ ኣብ ቬንዙዌላ ድማ ዓሰርተ ጎማ መኪና ብመልክዕ መፋነዊ ካሕሳ ተዋሂቡዎ።

ንኬሎግን ክሎሮክ ሓዊስካ ሓያሎ ናይ ደገ ትካላት ኣብ`ታ ሃገር ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ማዕቀብ ኣሜሪካን ምኽንያት ብምግባር ካብ`ታ ሃገር ወጺኤን ኣለዋ።