መረጻ 2013፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ተዓዘብቲ መረጻ ክልእኽ እዩ ኢሉ

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ምንጪ ስእሊ, MFA

መግለጺ ስእሊ, ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን እተሳልጦ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ ዝዕዘቡ ሰብሞያ ከም ዝልእኽ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ፡፡

ካብቲ ሕብረት ብተወሳኺ፡ ነቲ መረጻ ዝዕዘቡ ካልኦት ሰብ ሞያ፡ ካብ ኣመሪካን ሩስያን ክመጽኡ ምዃኖም እቲ ወሃቢ ቃል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ፡፡

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምርድዳእ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ተዓዘብቲ መረጻ ናይ ምልኣኽ ውጥኑ ክስርዞ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር፡፡

እቲ ሕብረት፡ ነቲ ውሳነኡ ብምቕያር ናብቲ መረጻ ተዓዘብቲ ንምልኣኽ ብዛዕባ ምውሳኑ ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን፡፡

ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቶም ተዓዘብቲ መረጻ ዝዋፈሩሎም መዐቀኒታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተሰማምዑ ሓቢሩ ነይሩ፡፡

ኣምባሳደር ዲና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ምስቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዘይተሰማመዐትሉ ምኽንያት፡ እቲ ሕብረት ንሉእላውነት ዝቃረን ሕቶ ብምቕራቡ እዩ ኢሉ ነይሩ፡፡

እቲ ሕብረት ተዓዘብቲ ንዘይምልአኽ ዝወሰነሎም ምኽንያታት ክልተ ከምዝኾኑ ዝገለጸ ኣምበሳደር ዲና፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ሃገር ዘየለ ናይ ኮሚዩኒኬሽን ስርዓት ክኣቱ ግድን ምባሉን ውጽኢት እቲ መረጻ ዕላዊ ዝገብሮ ኣነ እየ ምባሉን ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

እዚ ድማ ምስ ልእላውነት እታ ሃገር ዝቃረን ስለዝኾነ ኣብ ስምምዕ ከምዘይተበጸሐ ተዛሪቡ፡፡

እቲ ወሃቢ ቃል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ዝሓዞ ቅዋም ከምዘይቀየረን፡ ሽዱሽተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ካብ ክልተ ትካላት ኣመሪካ ፣ ካብ ሩስያን ኣፍሪቃ ሕብረትን ተዓዘብቲ ክመጽኡ ምዃኖም ኣፍሊጡ፡፡