ንበዓል ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝቐተለ ውልቀሰብ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

መሳፍንት ጥጋቡ

ምንጪ ስእሊ, ETV

ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ብጻዩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱዎ።

መጋብኣያ ጸረ ሽበራን ጉዳያት ሕገ መንግስትን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎሚ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ እቲ ገበን ፈጺሙ'ዩ ዝተባህለ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ወሲኑ።

እቲ ውልቀሰብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነዚ ገበን ክፍጽም እንከሎ ነዚ ጉዳይ ክከታተል ዝጸንሐ ሳልሳይ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ልደታ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ገበነኛ ምዃኑ ብ27 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

በዚ መሰረት ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል እቲ ውልቀሰብ ንዝፈጸሞ ገበን ብሞት ክቕጻዕ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግን ንሕልፈት ክእሰር ወሲኑ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ተኸሳሲ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕነት ህዝብን ክልል ኣምሓራ ብዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ብዝተመርሐ ገበን ተሳታፊ ከም ዝነበረን ንጀነራል ሰዓረ መኮንንን ምኽትሉ ዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ንምቕታል ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦን ጠቒሱ ነይሩ።

15 ግንቦት 2011 ዓ.ም ምሸት ሰዓት ሰለስተ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ መጥቃዕታ ምስ ሰምዐ "ተኲሱ ንጀነራል ሰዓረ መኮንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ክሃድም ተኸቢቡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ" ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ክርኣይ ጸኒሑ ክብል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ርእሰ ምምሕዳርአ እቲ ክልል ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮንንን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርኣን ተቐቲሎም'ዮም።