ኢትዮጵያ፡ ብቕትለት በዓል ጀነራል ሰዓረ ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ገበነኛ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ከምኡ'ውን መሓዝኡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ብምቕታል ተኸሲሱ ዝነበረ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ገበነኛ ከም ዝተባህለ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።
እዚ ውሳነ ትማሊ ዓርቢ 27 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝሃበ ሳልሳይ ምድብ መጋበኣያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ መጋብኣያ ገበናት ሽበራን ጉዳያት ሕገ መንግስትን እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀነራል ሰዓረ መኮንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ኣካል እቲ ገበን ኮይኑ ከም ዝተኣመነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ እቲ ተኸሳሲ ሓላፊ ቢሮ ጸጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ብዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ዝመርሖ ከቢድ ተግባር ገበን ተሳታፊ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
በዚ መሰረት እቲ ተኸሳሲ ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ጀነራል ከምኡ'ውን ምኽትል ኢታማጆር ሹም ንዝነበረ ጀነራል ብርሃኑ'ውን ንክቐትል ልኡኽ ተዋሂቡዎ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ብ15 ግንቦት 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምሸት ሰዓት ሰለስተ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ኣብ ከተማ ባህርዳር መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ክሰምዕ እንከሎ "ተኲሱ ንጀነራል ሰዓረን ምስኡ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብምቕታል ክሃድም ክፍትን እንከሎ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ" ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ክርኣይ ከም ዝጸንሐ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ሓቢሩ።
ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ዝነበረ ቤት ፍርዲ ልደታ ብወገኑ ኣብ ዝቐረበ ክሲ ዝቐረቡ ክትዓት ምስ መዘነ ኣብ ልእሊ'ቲ ተኸሳሲ ውሳነ ብምሃብ ናይቲ መቕጻዕቲ ርኢቶ ንምስማዕ ን11 ሰነ 2013 ዓ.ም ቖጸራ ሂቡ ኣሎ።
15 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ዝተቐትለ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ሓላፍነት ንዝጸንሐ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ተኪኡ ኣዛዚ ሰራዊት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኣይጸንሐን።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን መሓዝኡ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ'ውን ተቐቲሉ'ዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ከተማ ባህርዳ'ውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮንን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ክልል ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







