ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ተራእዩ

ኣንበጣ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ፎሮ፡ ገልዓሎ፡ ቃሮራ፡ ኣፍዓበት፡ ጊንዳዕን ሽዕብን ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ከም ዘጋጠመ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ነቲ ንኡስ መጠን ዘለዎ ከም ዝኾነ ዝተገለጸ ወራር ንምቁጽጻር ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ድልው ከም ዝጸንሐን ተዋፊሩ ከም ዘሎን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ዕስለ ካብ የመንን ኢትዮጵያን ዝመጸ ከም ዝኾነ'ውን ተገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብዚ ወርሓት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ወረር ኣንበጣ ምድረበዳ ክህልው ምዃኑ ትካል መግብን ሕርሻን ፋኦ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገለ መዋሰኒ ከባብታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝዘለቐ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ከም ዝተረእየ ነበርቲ እቲ ከባብ ከምኡ'ውን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርንን ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ፡ ሚኪኤለ ንጉስ፡ እቲ ወራር ኣንባጣ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣለማጣን ጨርጨር ራያን ከም ዝተርአየ ገሊጹ።