ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ፎሮ፡ ገልዓሎ፡ ቃሮራ፡ ኣፍዓበት፡ ጊንዳዕን ሽዕብን ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ከም ዘጋጠመ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ነቲ ንኡስ መጠን ዘለዎ ከም ዝኾነ ዝተገለጸ ወራር ንምቁጽጻር ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ድልው ከም ዝጸንሐን ተዋፊሩ ከም ዘሎን እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ዕስለ ካብ የመንን ኢትዮጵያን ዝመጸ ከም ዝኾነ'ውን ተገሊጹ።
ኣብዚ ወርሓት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ወረር ኣንበጣ ምድረበዳ ክህልው ምዃኑ ትካል መግብን ሕርሻን ፋኦ ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ገለ መዋሰኒ ከባብታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝዘለቐ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ከም ዝተረእየ ነበርቲ እቲ ከባብ ከምኡ'ውን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርንን ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ፡ ሚኪኤለ ንጉስ፡ እቲ ወራር ኣንባጣ ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣለማጣን ጨርጨር ራያን ከም ዝተርአየ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







