ኤርትራ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ዝግበር ዘሎ ምድላዋት

ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ፡ እቲ ዞባ ንዓመታት ርእይዎ ዘይፈልጥ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት ካብ ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ዝኸፍአ ወራር ይርአ ምህላው ይግለጽ።
ኣብዚ ዝቕጽል ሳምንታት እቲ ወራር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንተዘይኣትዩ ብተዓጻጻፊ ዝዓበየ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ፋኦ ጨንፈር ምክትታል ኣንበጣ ምድረበዳ የጠንቅቕ።
እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊሱ ክሳብ ህንድን ፓኪስታንን ዝሽፍን ናይ ወራር ሓደጋ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ወራር ብቐንዱ ካብ ሰሜናዊ ሶማል ከም ዝብገስ'ውን ይሕብር።
እቲ ጸብጻብ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ንዝተራእየ ዕሰለ ንምቁጽጻር ብኣየር መድሃኒት ይንጸግ ምህላውን ናብ ኡጋንዳ ሰጊሩ ዝነበረ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከም ዝተወሰደሉ ገሊጹ።
ገለ ክፋሉ ናብ ሰሜን ብምጉዓዝ ብደቡብ ሱዳን ሓሊፉ ናብቲ ኣብዚ ወርሒ ጽቡቕ ዝናብ ዝተርኣየሉ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን ክራባሕ ከም ዝኽእል የብርህ።
ካልእ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ዝብገስ ዕስለ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ናብ ሰሜናውን ናብ ምብራቓውን ክፋላት እታ ሃገር ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ካብዚኦም ገለ ዕስለታት ናብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ክበጽሕን ኣብኡ ክራባሕን ከም ዝኽእል ፋኦ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንጸብጻብ ፋኦ ብምጥቃስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ናይ ኣንበጣ ወራር ከጋጥም ዘለዎ ተኽእሎ ሒደት እኳ እንተኾነ፡ ኣድላዪ ንዋት ምውዳድን ስልጠናታት ብቐጻሊ ምሃብን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ፡ ንልዕሊ 50 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ ምቁጽጻር ዕስለታት ኣንበጣ ዘተኮረ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠናታት ከም ዝተዋህበ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ጸብጺባ።
እቲ ስልጠና፡ ባህርያትን ዓይነትን ባልዓትን ኣገባብ ምክልኻሎምን ኣጠቓቕማን ጽገናንን መንጸጊታት ጸረባልዕ ከምኡ'ውን ሜላታት ኣነጻጽጋ መድሓኒት ዘጠቓለለ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ።
ኣብ ዞባ ማእከል ካብ 2 ክሳብ 14 ሓምለ ተመሳሳሊ ስልጠና ንልዕሊ 2500 ሓረስቶትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ከም ዝተዋህበ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ኬንያ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር
ኣብ ኬንያ ዝተርኣየ ዕስለ ኣንበጣ ድሮ ልዑል ጉድኣት ኣብጺሑ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ሓደ ካብቶም ግራቱ በቲ ዕስለ ዝተወረረ ሓረስታይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኩሉ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ግራውቲ ተወሪሩ ኣሎ፤ እዚ ግራትውትና ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ከም ዘይነበረ እዩ ክኸውን፤ ድኽነት እዩ" ኢሉ።
ኣብ ምቁጽጻር እቲ ዕስለ ዝነጥፍ ዘሎ ኣልበርት ለማሱላኒ ብወገኑ፡ "እዚ [ወራር] እንተቐጺሉ ኣብቂዕና ኢና፤ ህይወትና ኣብቂዑ እዩ" ኢሉ።
ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ን2500 ሰባት ንሓደ ዓመት ዝኣክል መግቢ ክበልዕ ይኽእል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







