ዓብዪ ስግኣት ካልኣይ ወለዶ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምጭጫሕ ዝርከቡ ካልኣይ ወለዶ ኣንበጣ ናብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ከምዘለዎን፡ ኣንፈት ንፋስ ተኸቲሉ ድማ ናብ ሰሜን ገጹ ዝወፍር ኣካል እቲ ዕስለ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብዪ ጉድኣት ከብጽሕ ከም ዝኽእልን ወድብ ምግቢ ዓለም ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ምቅማጡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝኾነ 'ትካል ምክልኻል ኣንበጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ' ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።
እቶም ጸብጻባት እንታይ እዮም ዝብሉ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፤ ካብ የመን ከምዝነቐለ ዝንገረሉ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጥቂዑ ነይሩ እዩ። ሕዚ ድማ፡ ካልኣይ ዙር ዕስለ ኣንበጣ ይመጽእ ከመዘሎ እሙናት ትንበያታት የመልክቱ ኣለዉ።
ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ኣብ ሰነ 20 ኣብ ዝውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኬንያ ሓድሽን ካልኣይ ወለዶ ዕስለ ኣንበጣን ይፍጠር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ክጭጫሕ ክልተ ሰሙን ከምዝወስደሉን፡ ዳርጋ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ከምዝዛምን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
እቲ ዕስለ፡ ኣብቲ ዝተፈጠረሉ ቦታ ማለት'ውን ኣብ ኬንያ፡ ቱርካናን ማርሳቢትን ኣብ ዝበሃሉ ክልላት፡ ንሓጺር እዋን እንተኾነ 'ውን ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ፣ ሳዕርን መግሃጫን መጠናዊ ጉድኣት ከምዘብጽሕ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።
ካብኡ ድማ ንሰሜን ገጽ ከምዝበርርን ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝኣቱን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብዚ እዋን እቲ ዕስለ ዓብዩ እንቋቖሖ ከምዝጫጨሕን፡ ናብ ክልተ ገጽ ከምዝብተንን ይእንፍት።
ሓደ ዕስለ ናብ ደቡብ ሱዳን እቲ ዝተረፈ ድማ፡ ናብ ምብራቕን ሰሜንን ኢትዮጵያ ከምርሕ እዩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ናብ ሱዳን ገጹ ዝወፍር ብዙሕ ጉድኣት ከብጽሕ ኣይኽእልን ተባሂሉ'ሎ።
እቲ ናብ ምብራቕ ኣንፈት ዝፍለ ዕስለ ድማ፡ ብኡ ኣቢሉ ናብ ሶማልያን ካብኡ ድማ ህንዲ ውቅያኖስ ተሻጊሩ ናብ የመንን ሳዑዲ ዓረብን ናይ ምኻድ ተኽእሎ ኣለዎ። ካልእ ክፋሉ ድማ፡ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከምርሕ እዩ።
ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?
ኣብ ምክልኻል ምድረባዳ ኣንበጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ [DLCO-EA]፡ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታ ዝኾነ መሓሪ ተስፋዮሃንስ፡ እቲ ወራር ኣንበጣ ኣብዚ መዳእታ ወርሒ ናብ ካልኣይ ወለዶ ናብ ዕስለ ዝቕየረሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንቢቢሲ ይገልጽ።
ምንቅስቓሶም ሓያል ስለዝኾነ ኣብ መዓልቲ ኣማኢት ኪሎሚትራት ከምዝጓዓዙ ይዛረብ።
ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ዘሎን ኣብ ሶማልን ምብራቕ ኢትዮጵያን ዘሎ ምስቲ ኣንፈት ንፋስ ምቅይያር፡ ኩሎም እቶም ዝወጹ ዕስለታት ኣንፈቶም ንሰሜን እዩ። ነዚ ኢና ድማ ቅድመ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ሂብና ዘለና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካሳብ ፍርቂ ሓምለ፡ ኣብ ዝግበር ምክልኻል ነቲ ቁጽሪ እንተደኣ ዘይኣጉዲልዎ፡ ናብቲ መፋረዪ ቦታ ዝበሃል፡ ብፍላይ ሰሜን ኢትዮጵያን ደቡባውን ምዕራባውን ኤርትራ ከምኡ ድማ ክሳብ ሱዳን፡ እቲ ዕስለ ከምዝጓዓዝ ኣቶ መሓሪ ይዛረብ።
እዚ ሓደጋ ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብፍላይ ንሓረስታይ ትግራይን ኤርትራን ፡ እቲ እዋን ናይ ዘርኢ ወቕቲ ብምዃኑ እዩ።
"ምስቲ ናይ ዘራእቲ ወቕቲ ተራኺቡ ኣሎ። እቲ ዝስገአና ዘሎ እዚይ እዩ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ እዚ ነተን ዝቦቕላ ዘለዋ ዘርእታት እንተበሊዕወን፣ ነቲ ሓረስታይ ናብ ተጸባይነት ከሳጥሖ ስለዝኽእል፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ እዩ" ይብል።
እቲ ሓረስታይ፡ ድሕሪ እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ክልተ ሰለስተ ጊዜ ናይ ምዝራእ ኩነታት እንተዘይረኺቡ ድማ ኣደዳ ጥሜት ተጸባይነትን ይኸውን ከምዘሎ ይሕብር።
እንታይ ምድላዋት ይግበር ኣሎ?
ኣቶ መሓሪ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፡ ምንቅስቓሶም ድሩት ከምዝኾነ እንተተዛረበ'ኳ፡ ኣባላት እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ገምጊሞም ከምዝተመለሱ ይዛረብ።
እዚ ዝገልጽዎ ዘለዉ ትንበያን መጠንቀቕታን ድማ፡ ካብዚ ገምጋም ተበጊሶም ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ኤርትራ ድማ እቲ ምክልኻል ቡቕሊ ኣዝዩ ዝተወደበ ስለዝኾነ፡ ካብዚ ወድብ ምግቢ ዓለምን ንሕናን እንህቦም ዘለና ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ተዳልዩ እዩ ዘሎ። መሳርሕታት ይጽግኑ ኣለዉ። ቅድሚ ጉድኣት ምብጽሑ ንምጥፋእ ተዳልዮም እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, FAO
ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ከምኡ እኹል ምድላዋት ከምዘሎ ይሕብር። ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እቲ ጉዳይ ስለዝፈለጥዎ፡ ኣድላይ ምድላዋት ከምዝገበሩ ይዛረብ።
ካብቶም ቀንዲ ምድላዋት፡ ናይ ምድሪ ኾነ ናይ ኣየር መድሓኒት መንጸጊ መሳርሒ ኦዲት ምግባር፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንሓረስቶት ትምህርትን ሓበሬታን ምሃብ ከምዝኾነ ገሊጹልና።
"ምድላው እቲ ኣንበጣ ከይመጸ ከሎ እዩ ዝግበር። ዘይተዳለኻ እንድሕር ጸኒሕኻ እዩ ሓደጋ ዘውርደልካ" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ዝተኻረየተን ነፈርቲ ናይቲ ትካል ጽቡቕ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ'ውን ገሊጹ።
"ንሕና ብወገንና ኩሉግዜ ድልዋት ኢና። እቲ ጻውዒት እንድሕር ተገይሩ ኣብቲ ናይ ኣየር ሓገዝ ንምሃብ ኩሉግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ኢና ዘለና"።
እንተኾነ፡ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰፊሕ ወራር እቲ ዕስለ፡ ኣብ ብዝሒ እተን ነፈርትን ኣብረርትን ድሩትነት ከምዘሎ ጠቒሱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







