ቅልውላው ትግራይ፡ 'ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ሰብኣዊ ሕገዝ የድልዮም' - ዩኒሴፍ

ዝተመዛበሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህፃናት ሰብኣዊ ሕገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነቶም ህፃናት ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባር ከምዘይተኽኣለ ኣፍሊጡ'ሎ።

ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ "እቲ ኲናት ካብ ዝተወለዓሉ እዋን ጀሚሩ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ" ኢላ።

ካብቶም ንድሕነቶም ብምስጋእ ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት ድማ፡ እቶም ኣስታት 12 ሽሕ ህፃናት ከምዝኾኑን፡ ገሊኦም ስድራ ወይ ቤተሰብ ከምዘይብሎምን ሓቢራ።

እቶም ህፃናት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ ዘመልከተ መግለፂ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾኖም ገሊፁ።

እታ ዳይሬክተር፡ ከም ኣገልግሎት ጥዕና፣ መግቢ፣ ማይ፣ ናውቲ ፅርየትን ካልእን ዝበሉ መድሕን ህይወት ዝኾኑ ሓገዛት ብቕልጡፍ ንክበፅሖም፡ ዩኒሴፍ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ብምትሕብባር ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኣፍሊጣ።

"ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ወይ ሰሙናት'ውን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ዶብ ሰጊሮም ክመጹ ስለዝኽእሉ መሰረታዊ ድልየታቶም ንምምላእ ተወሳኺ ሓገዝ ምርካብ ወሳኒ'ዩ" ኢላ።

ብሰንኪ'ቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት፡ ናብ ትግራይ ምንቅስቓስ ስለዘይከኣልን: ስልክን ኢንተርኔትን ብምቁራፁን፡ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህፃናት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ከምዝተገደዱ ዘመልከተት እታ ዳይሬክተር፡ እንተኾነ ዘድልዮም ሓገዝ ንምብፃሕ ከምዘይተኽኣለ ኣረዲኣ።

"እቲ ሕጂ ዘሎ ወጥሪ ቅድሚ ናብዚ ምብፅሑ'ውን፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ብውሑድ 54 ሽሕ ህፃናት ዘለዉ ኮይኖም፣ 36 ሽሕ ድማ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ብዕጥቂ ዝተሰነዩ ጎንፅታትን ውሽጣዊ ምፍንቓል ኣጋጢምዎም'ዩ" ትብል ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣብ መግለፂኣ።

ኣብቲ ክልል፡ ወራር ኣንበጣ በረኻን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ብዘኸተልዎ ሳዕቤን መጠን ሕፅረት መግቢ ኣብ ህፃናት ከምዘጋጠመ ሓቢራ'ላ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምፅናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረፃ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዘ ክፍፀም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ መረፃ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣብይ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነፅጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገፂ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ፀኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንፂ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ "ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ" ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝፀንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህፁፅ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት-ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።

ቅልውላው ትግራይ ኢትዮጵያ