ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ፀዊዑ

ብሰንኪ እቲ ጎንጺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብ ትግራይ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ይስደድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ጎንጺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ካብ ትግራይ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ይስደድ ኣሎ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ፀዊዑ'ሎ።

እቲ ትካል ነዚ ፃውዒት ዘቕረበ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ትግራይን ይካየድ ዘሎ ውግእ ንልዕሊ ክልተ ሰሙናት ቀጺሉ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

ናብ'ቲ ጎንፂ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ከምዘይተኽኣለ ዝገለፀ ሕቡራት ሃገራት፡ ብግዝያዊነት ተኹሲ ደው ክብል እዩ ፀዊዑ ዘሎ።

ብሰንኪ'ዚ ውግእ፡ ብኣማኢት ወይ ድማ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሲቪላት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ድማ ሓቢሩ።

በዚ ኵናት፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ናብ ሱዳን ተመዛቢሎም እዮም።

መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ጥምየትን ፍርሕን ተሸሚሞም ይርከቡ፤ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ህፃናት እዮም።

ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ፡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ናብ 200 ሽሕ ክብ ክብል ከምዝኽእል ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚኦም ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ስደተኛታት እናዛየደ ምምፅኡ ድማ፡ ነታ ሃገር ልዕሊ ዓቕሚ ከይኮና ስግኣታት ኣሎ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።

ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።

ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።

ቅልውላው ኢትዮጵያን ትግራይን