ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያ ‘ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ’ ክኽበር ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ረድኤትን ማርክ ሎውኮክ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ “ኩሎም ወገናት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ ኣለዎም” ኢሉ።
በቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘጋጠመን እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎን ሰብኣዊ ቅልውላው ይሻቐል ምህላዉ’ውን እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ብሰንኪ’ቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ወሃብቲ ረድኤትን ኣገልግሎታቶም ከይህቡ ተዓንቂፎም ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ።
“ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ንጹሃት ሰባት መውጽኢ መገዲ ክረኽቡን፡ ውሕስነት ሰራሕተኛታት ረድኤት ክሕሎን እጽውዕ። ሰራሕተኛታት ረድኤት ከይፈርሑን ከይተጠቕዑን ሓገዛቶም ክህቡ ክኽእሉ ኣለዎም” ድማ ኢሉ።
ቅድሚ እዚ ጎንጺ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዝጠልቡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስነት ንጹሃት ሰባት ክሕሎን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከይህሉን ክሰርሕ፣ መግብን ማይን ከምኡ ድማ ኣገልግሎት ሕክምና ከቕርብ ዝደሊ’ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ክገብር ግን ተጸጊሙ ምህላዉ ይገልጽ።
ሰብኣዊ ቅልውላው
ብሰንኪ’ቲ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት መንግስታት ክልል ትግራይን ፌዴራልን፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምምዝባሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ይገልጽ።
ኣብ መዓልቲ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ካብ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት እናሃደሙ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ኣለዉ።
ኣማኢት ሰባት ጥራይ ክቕበሉ ተባሂሎም ዝተሰርሑ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣጻቢቦምዎም ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ ካብ ሑመራ ናብ ሱዳን ዝተሰደዳ ክልተ ኣዴታት ኣዛሪቡ።
“ብወገን ኤርትራ ደብዳብ ከቢድ ብረት ምስተጀመረ ናብ ናይ ሱዳን መሬት ንሓምዳይት ወጺእና። ምስ ዕያልና፡ ክዳን ኣይሓዝና ገለ ኣይሓዝና” ትብል ሓንቲ ካብኣተን።
“እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ንጹሃት ሰባት ምስወደአ፡ ፊሪሕና ወጺእና” እትብል እታ ኣደ፡ ሽድሽተ ርእሳ እያ ናብ ሱዳን ተሰዲዳ።
ካብ ደብዳብ ከቢድ ብረት ክሃድሙ፡ ንሳን ደቃን ኣብ ናይ ጽርግያ መትረብ ፈሳሲ (ፋኛትራ) ተሓቢኦም ከምዝነበሩ’ውን ትዛረብ።
ኣብ ሱዳን ጽቡቕ ኣቀባብላ’ኳ እንተተገበረሎም፡ እቲ ስደተኛ ልዕሊ ዓቕሚ ብምዃኑ፡ ኣገደስቲ ቀረባት ክረኽቡ ተጸጊሞም ምህላዎም’ውን ትዛረብ።
ናብ ሱዳን ኣብ እትሰግረሉ እዋን፡ ብዙሕ ጸገም ከምዝረኣየት ድማ ትምስክር። “ኣብ ወሰን ሩባ ተከዘ ማናቱ ዝወለደት ኣላ፡ ሓኪም ዘይብሉ። ከይተጠመቓ ዝመጻ ሓራሳት ኣለዋ” ኢላ።
ወሲኻ ድማ፡ እቶም ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ዕጡቓት ገዛውትን ናይ ንግዲ ቦታታትን ከምዝዘመቱ ትዛረብ። ሰበስልጣን ፈደራል ግን እቲ ዘጥቅዕ ዘሎ ሰራዊት፡ ኣብ ዝኣተወሉ ቦታታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዝህብን'ዮም ዝዛረቡ።
“ዝበጽሓና ግፍዒ ኣዝዩ ሓያል እዩ” ክትብል እታ ኣደ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እታ ካልአይቲ ኣደ ብወገና፡ ወዲ 8 ወርሒ ቆልዓ ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ርእሳ እያ ናብ ሱዳን ወጺኣ።
ዋላ’ኳ ብህይወት ድሒና ናብ ሱዳን እንተኣተወት፡ ብጥምየትን ስእነት መጽለልን ይሳቐዩ ምህላዎም እያ ትገልጽ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







