ቅልውላዉ ትግራይ፡ ልዕሊ 400 ረዲኤት ከብጽሓ ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ኣይተመልሳን ተባሂሉ

ቢልለኔ ስዩም

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PM

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከብጽሓ ዝተኻረየን ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ኣበይ ከምዘለዋ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እተን ተሽከርከርቲ ካብቲ ብኲናት ዝተሓመሰ ክልል ክምለሳ ዘይምኽኣለን ከምዘሻቐሎ እቲ ትካል ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ነተን መካይን ኣብ ናይ ኲናት መዓላ ይጥቀሙለን ከይህልዉ ጥርጣረ ከምዘለዎ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እተን መካይን ብሰንኪ ስእነት እኹል ነዳዲ ክምለሳ ከምዘይክኣላ ተዛሪቡ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነተን መካይን ንምምላስ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይን ትካላት መጓዓዝያን ክዘራረብ ድሉው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምምላስ ናይተን ተሽከርከርቲ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

ኣብቲ 10 ወርሑ ዘቑጸረን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ትግራይ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ምህላዎምን ይፍለጥ።

ሰብኣዊ ረዲኤት ሒዘን ንክልል ትግራይ ካብ ዝኣተዋ መካይን 428 ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመልሳ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጻ።

ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይመንግስታዊ ማሕበራት መግብን ካልኦት ቀረባትን ዝጸዓና 590 ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ሰመራ (ክልል ዓፋር) ናብ መቐለ ምእታወን ሓቢራ።

እተን ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ምንታይ መዓላ የገልግላ ከምዘለዋ ስለዘይተፈልጠ፡ ብወገን መንግስቲ ጥርጣረ ከምዝሓደረ'ውን ጠቒሳ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ብወገኑ፡ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣተዋ 149 ተሽከርከርቲ፡ ዝኾነት መኪና ከምዘተመልሰት ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዋ 466 ተሽከርከርቲ፡ እተን 38 ጥራይ ከምዝተመልሳ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ሚኒስትሪ ሰላም ብዛዕባ'ተን ዘይተመልሳ ናይ ረዲኤት መካይን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

እታ ኣፈኛ ከምዝበለቶ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ንምብጻሕ ናይ ምድርን ኣየርን መጓዓዝያታት ይቕጽል ኣሎ።

ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሰብኣዊ ረዲኤት በረራታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ከምዝጀመረ'ውን ተዛሪባ።

ካብ መግቢ ወጻኢ፡ ኣስታት 760 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሜትሪክ ቶን ናይ ሕርሻ ቀረባትን ናብቲ ክልል ኣትዩ'ሎ ትብል እታ ኣፈኛ።

ኣብቲ ረዲኤት ናብቲ ክልል ዝጓዓዘሉ መስመር ካብ ዝነበሩ 7 ኬላታት ነቲ ጉዕዞ ንምስላጥ ተባሂሉ ናብ ክልተ ከምዝወረደ'ውን ቢልለኔ ሓቢራ።

ቃፍላይ ረዲኤት ፕሮግራም መግቢ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, WFP/twitter

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዓጾቦ፡ ጥምየትን ስደትን ምስዓቡ ይፍለጥ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍንቓል

ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምእታዎም፡ ዜጋታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝተቓልዑ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ዝገለጸት እታ ኣፈኛ፡ ዝበዝሑ ካብ ከባቢታት ዋግ ኽምራ፡ ሰሜን ጎንደር፡ ደቡብ ጎንደር፡ ሰሜን ወሎን ደቡብ ወሎን ዝተፈናቐሉ ምዃኖም ሓቢራ።

ካብ ሰሜን ወሎ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቚቦም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ኣስታት 270 ሽሕ ከምዝኾኑ'ውን ኣብቲ መግለጺ ጠቒሳ።

መንግስቲ ክሳብ ሎሚ፡ ልዕሊ 53 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ናብቶም ኣብ ደሴን ዋግ ኽምራን ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ኣብጺሑ'ሎ።

ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ህወሓት ዝርከቡ ከባቢታት ረዲኤት ምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ድማ ቢልለኔ ተዛሪባ።

ትካላት ረዲኤት ንትግራይ ዝሃብዎ ኣቓልቦ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ውን ክህቡ መንግስቲ ጸዊዑ'ሎ።