ቅልውላው ትግራይ: ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ንከተማታት ትግራይ ብኣልማማ ደብዲቡ' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማታት ትግራይ ብኣልማማ ደብዲቡ ክብል ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ንሕግታት ኵናት" ዝጠሓሰ'ዩ ኢሉ።
ዛጊት ብመንግስቲ ብዛዕባ'ዚ ጸብጻብ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ሓይልታቱ ንህዝቢ ብዘይጎድእ ኣገባብ ከምዝተዋግኡ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ-ትምህርቲን ዕዳጋታትን ከይተረፉ ብከበድቲ ብረታት ብኣልማም ከምዝተደብደቡ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
በቶም ደብዳባት ቆልዑ ዝርከብዎም 83 ሲቪላውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ካልኦት ልዕሊ 300 ከምዝቖሰሉን እቲ ማሕበር ገሊጹ'ሎ።
እቲ ጸብጻብ፡ ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ብሓይልታት ፈደራል ዝተቐትለ የለን ዝብል መግለጺ ዝገራጮ'ዩ።
ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ብዘይ ዝኾነ ገደብ ክኣቱን ነቶም ኣብቲ ኵናት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረዩ ዝብሉ ጠለባት ሕጂ'ውን ይብርክቱ ኣለዉ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ኣፍቂዱ እንተሎ፡ ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ ንምእታው ግን ፍቓደኛ ኣይኮነን ዘሎ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሓያሎ ቀንዲ መስረቲን መራሕትን ህወሓት ዝኾኑን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝነበሩን ቀቲሉን ኣሲሩን ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ምህላዉ ሰብመዚ መንግስትን ትካላት ረዲኤትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል ካብ ኣባይቱ ክፈናቕል እንከሎ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ብምህዳም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ካልኦት'ውን ህጹጽ ናይ መግቢን ሕክምናን ሓገዝ ከምዘድልዮም ጸብጻባት መንግስቲ ይሕብሩ።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ "ሕጊ ንምኽባር" ብዝብል ዘካየዶ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝተዛዘመ'ኳ እንተኣወጀ፡ እቲ መዓልታት ጥራይ ከምዝወስድ ዝተነገረሉ ስርሒት ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ቀጺሉ'ሎ። ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓሓሊፉ ረጽሚ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብ3 ሕዳር 2020 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ከተማ መቐለ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ናይቲ ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዕጥቅን ሰብን ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተቖጻጺሮሞ።
ንጽባሒቱ 4 ሕዳር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እቲ ስጉምቲ "ቀይሕ መስመር ዝሰገረ'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ሰጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ቤት ምኽሪ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







