ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብጉድለት ስነ-ምግባር ክሕተት መንግስቲ ጥርዓን ኣቕሪቡ

የዓለም ጤና ድርጅት ዳይሬክተር ጀነራል ዶ/ር ቴድሮስ አድሃኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, የዓለም ጤና ድርጅት ዳይሬክተር ጀነራል ዶ/ር ቴድሮስ አድሃኖም

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞራል፡ ናይ ሕግን ስነስርዓትን ሕቶታት ከምዘለዉዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይሻራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ዋላ'ኳ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንውድብ ጥዕና ዓለም ክመርሕ ኢትዮጵያ እንተሓጸየቶ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብቲ ዘለዎ ጽፍሒ ትጽቢት ዘይግበረሉ ሞያዊ ዘይሻራውነት ከምዘየርኣየ ኣብቲ ደብዳብ ሰፊሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ፡ ጥሕሰት ስነ ምግባር ሞያ ኢሉ ካብ ዝገለጾም፡ ዶክተር ኣድሓኖም ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ኣመልኪቱ ጣልቃ ከምዝኣተወ ዝገልጽ ይርከቦ።

ብዘይካ'ዚ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣባል እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝተገለጸ ጉጅለ ህወሓት ምዃኑን ደግፍ ከምዝገብረሉን'ውን እቲ ሚኒስትሪ ከሲሱ።

line

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ይኽልክለ ኣሎ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ከም ብዓል ሶርያን የመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዘይተኸልከለሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሕክምናዊ ቀረባት ከይቅርብ ተኸልኪሉ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ሕጽረት መድሃኒት ኣብ ክልል ትግራይ ሕሙማት ከምዝሞቱ ይገብር ኣሎ፡ ሕጽረት መግቢ'ውን መዓልታዊ ሰባት ንኽሞቱ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። እዚ ከይኣክል መዓልታዊ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ብምፍጻም ዜጋታት ብስግኣት ከምዝነብሩ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቅድሚ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ምምራጹ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚኒስተር ጥዕናን ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ'ዩ።

line

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ህወሓት ዓወታት ከመዝግቡ እንከለዉ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሱ ከምዝገልጽ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ ኸኣ ንሓደ ወገን [ንመንግስቲ ኢትዮጵያ] ጥራይ ከምዝነቅፍ ገሊጹ።

ብሓፈሻ ኣካይዳ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንመምርሒታትን ኣካይዳን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጥሕስን ንሽም እቲ ውድብ ዘደብንን ከምዝኾነ ዝገልጽ ደብዳበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እዚ ንዶክተር ኣድሓኖም ዝኸሱሉ ዘለዉ ነጥብታት ኣብ ፌስ ቡክ ናይ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርከብ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብዘይካ እዚ፡ ዶክተር ቴድሮስ ንውድብ ጥዕና ዓለም ወኪሉ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ውልቀሰብ: ነቲ ኣብቲ እዋን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ 1.8 ሚሊዮን ክነሱ 3.8 ሚሊዮን ኢሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርብ ከምዝገበሮ እቲ ሚኒስትሪ ከሲሱ ኣሎ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ንኽብል ክሰርሕ ምጽንሑ'ውን ከሲሱ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ንጉዳይ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክምርምሮ እቲ ሚኒስትሪ ሓቲቱ ኣሎ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይን ካልኦት በቲ ኵናት ዝተጎድኡ ከባቢታትን ዘቐረብዎ ረድኤት ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከብጽሑ ተፈቂድዎም ናብ ክልል ትግራይ ግን ከብጽሑ ፍቃድ ከምዘይተወሃቦም ገሊጹ ነይሩ።

ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሕክምናዊ ሓገዛት ክገብር ከምዘይክኣለ ብምግላጽ ከኣ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወቂሱ።

ዶክተር ቴድሮስ "ኣብ ዓለም ከምዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ መዓት ተራእዩ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ትግራይ ግሃነም'ያ ኮይና ዘላ" ኢሉ።

እዚ ጉዳይ ብሰለማውን ብፖሎቲካውን ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝኽእል ብግላጽ፡ እቲ ሰላም ዝመረጸ'ዩ ጅግና ዝብሃል ክብል ኣብቲ ቪድዮ ተዛሪቡ።

ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ፌዴራል ትማሊ ንኽሲ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣምልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብኸም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝቐርብ ክስታት "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።

ኣብቲ መግልጺ፡ መንግስቲ በይንኣዊ ምቁራጽ ተኵሲ ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ምስ ኣውጽአ፡ ህዝቢ እታ ክልል ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብመንግዲ ክልል ዓፋር ሰብኣዊ ረድኤት ክረክብ ጀሚሩ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይኸልከለን ብኣንጻሩ ህወሓት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎን ገሊጹ።