ኣስፕሪን፡ መንሽሮ-ጡብ ንምፍዋስ ክሕግዝ ይኽእል'ዶ?

መድሃኒት ኣስፒሪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣስፕሪን፡ መንሽሮ (ካንሰር) ጡብ ንምፍዋስ ካብ ዝሕግዙ ጸረ መንሽሮ መድሃኒታት ብዝበለጸ ግብረ-መልሲ ክህብ ከም ዝኽእል ሓካይም ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ክሪስቲ ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል ጥዕና እትነጥፍ ጋንታ፡ ኣብ ሰለስተ ሕሙማት መንሽሮ-ጡብ ዘለወን ሰባት መርመራ ጀሚራ ኣላ።

ኣስፕሪን ከም መድሃኒት ነድሪ እምበር ንኣፋውስ ሕማም መንሽሮ ንምብርባር ከምዝሕግዝ ኣይፍለጥን እዩ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕትታት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘርኣየ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ናእሽቱ ደቀንስትዮ'ኸ?

ኣስፕሪን ንገለ ዓይነት ሕማማት መንሽሮ ከምዝከላኸልን ንኸይዝርጋሕ ከምዝዓግትን ሓደ ሓደ ጭብጥታት ኣሎ።

ይኹን እምበር እቲ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ክሳብ ብተወሳኺ ምርምራት ዝድራዕ ሰባት ንኣስፕሪን ከም መድሃኒት ክወስዱዎ ከምዘይብሎም ይምከር።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዓመታዊ ኣስታት 8,000 ደቂ ኣንስትዮ፡ ምልክታት መንሽሮ-ጡብ ይርከበን። እዚ ከኣ መብዛሕቱ ንነኣሽቱን: ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮን ብዝያዳ ዘጥቅዕ ቁጡዕን ሓደገኛን ዓይነት መንሽሮ እዩ።

ኣብዚ ንመንሽሮ-ጡብ ንምፍዋስ ብትካል ግብረ ሰናይ ብረስት ዝግበር ዘሎ ፈተነታት: ንገለ ሕሙማት ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድመ መጥባሕቲ ዝወሃብ ኬሞቴራፒ: ኣስፕሪን ከም መፈተኒ ይወሃብ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤቨሎተራፒ ዝበሃል መድሃኒት መንሽሮ: ንፈተነ ዝወሃብ ዘሎ ኣስፕሪን ኣብ ገለ ሕሙማት ነቲ ሕማም ካብ ምዝርጋሕ ስለዝዓግቶ ናይ ብሓቂ ዘተስፉ ውጽኢት የርኢ ኣሎ።

ዕዉት እንተ ኰይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ሰለስተ ኣሉታዊ መንሽሮ ጡብ ንምርካብ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ፈተናታት ኣስፕሪንን ኤቭሉማብን ክህሉ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጡብ ዝጀመረ ዋህዮታት መንሽሮ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ምስ ዝላባዕ ።

ኣብ 2019፡ ጓል 44 ዓመት ነባሪት ሃምፕሻየር ቢትራያል፡ ሕማም መንሽሮ-ጡብ ከም ዘለዋ ተፈልጠት ።

ጓል 44 ዓመት ነባሪት ሃምፕሻየር ቢትራያል

ምንጪ ስእሊ, BREAST CANCER NOW

''መንሽሮ ንነዊሕ እዋን ዘማስን ሕማም ስለዝኾነ ቀሊል መንሽሮ ዝበሃል የሎን። ሕክምና መንሽሮ፡ ከም ምርጋፍ ጸጕሪ፡ ዕግርግር ምባል፡ ቃንዛ መላግቦን ጭዋዳን፡ ውጽኣት፡ ከምኡ" ውን፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ዘቃጽል፡ ውጽኣት፡ ምቅጻል ከብዲ ኢድ፡ ለይቲ ረሃጽን ድኻምን፡ መርዘን፡ ቅድሚ ሽዑ ርእየዮ ዘይፈልጥ ድኻም ኣጋጢሙኒ።

"እቲ ዝወሃበኒ ዝነበረ መድሃኒት ክሰርሓለይ ብምጅማሩ ዕድለኛ እየ። ግን ከኣ እቲ ናይ 18 ወርሒ ሕክምና ንዓይን ንስድራ ቤተይን ኣዝዩ ከቢዱና።

"ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኸውን ከኣ ሕክምናን ክንክን ተዋሂቡና" ትብል።

ሓድሽ ኣገባብ

ነቲ ናይ ፈተነ መጽናዕቲ እትመርሕ ዘላ ዶር ኣን ኣርምስትሮንግ፡ "ኵሉ እቲ ንመንሽሮ ጡብ ዝወሃብ መድሃኒት ብግቡእ ኣይሰርሕን እዩ። ይኹን እምበር ከም ኣስፕሪን ዝኣመሰለ ኣብ ኩሉን ብቐሊሉን ዝርከብ ሕሱር መድሃኒት ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ።

""እዚ ኣስፕሪን ምስ ካልእ ናይ መንሽሮመድሃኒት ተወሃሂዱ ዝግበር ዘሎ ናይ ምርምር ፈተነ ዘተስፉ ውጽኢት ክርከቦ ተስፋ ንገብር" ትብል።

ተሓጋጋዚት ኮማንደር ዶክተር ረቤካ -ሊ ኣስፕሪን ንምክልኻል ሕማም መንሽሮ ዝወሃብ መድሃኒት ስለዘበራብርን ንዝርገሐ ዋህዮታት መንሽሮ ስለዝገትእን ነቲ ሕማቕ ነድሪ ከዳኽሞ ስለ ዝኽእል፡ ናይ ብሓቂ ዓቢይ ተስፋ እዩ ክትብል ተስፍኣ ትገልጽ።