ድሕሪ 20 ዓመታት ተራኺቦም ሓዳር ዝመስረቱ ፍቝራት፡ ንኻልኣይ ግዜ ደኣ እንታይ ፈለዮም?

ድሕሪ 20 ዓመታት መሊሱ ዝዓምበበ ፍቕሪ

ምንጪ ስእሊ, WELQEBA FAMILY

እዚ ሕጂ ዝነግረኩም ዛንታ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ስልጣን ደርግ፡ ኣብ ወለጋ፡ ወረዳ ሆሮ ጉድሩ፡ ሻምቡ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝጅምር ዛንታ ፍቕሪ ንእስነት፡ ምፍልላይ፡ ደግሲ ፍቕሪ፡ ሓዳርን፡ እንደገና ምፍልላይን እዩ።

ኣነን ወልቀባ ቡርቃን ኣብ ከተማ ሻምቡ ብሓደ ኢና ዓቢና። ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ'ውን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተማሂርና።

ንትምህርቲ ብሓደ ንመላለስ፡ ብሓባደ ነጽንዕ ነበረና።

ፍቕሪ ክልቴና ብኸምዚ እዩ ጀሚሩ።

እንተዀነ፡ ቍልዕነት'ስለዝነበረና ፍቕርና ብግቡእ ኣይሓዝናዮን ዝነበረና።

ብድሕረኡ፡ ምስታ ብዓልቲ ሓዳር ዝነበረት ሓብተይ ክቕመጥ ኢለ ካብ ወለጋ ናብ ጐንደር ከድኩ።

ወልቀባ እውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንኽውድእ ንነቀምት ስለ ዝኸደ ብኡ ተፈላሊና።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና ተራኺብና ኣይንፈልጥን። ኣብቲ ግዜ እቲ ክትራኸብ ቀሊል ኣይነበረን፤ ተሌፎን ብዙሕ ኣይነበረን፣ ደብዳበ እንተ ተለኣኢኽና'ውን ዳርጋ ኣይበጽሕን ነይሩ። ብሰንኪ 'ዚታት ንዓመታት ተፈላሊና ጸኒሕና።

ንሱ ነቀምት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፡ ጽቡቕ ግዜ ኣየሕለፈን፣ ንትሽዓተ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስወዳእኹ፡ ኣለይቲ ሕሙማት (nursing) ኰይነ ተመሪቐ። ስራሕ ሒዘ'ውን ህይወተይ ክመርሕ ጀሚረ።

ወልቀባ ብወገኑ ካብ ማእሰርቲ ምስተፈትሐ፡ ኣቋሪጽዎ ንዝነበረ ትምህርቱ ወዲኡ፡ ስራሕ ሒዙ ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ።

እንደገና ንኽንራኸብ ምኽንያት ዝዀነትና ሓንቲ ዘመደይ እያ።

እዛ ዘመድ፡ ምስ ወልቀባ ኣብ ሓደ ከባቢ እያ ትነብር። ከም ኣጋጣሚ ገዛኣ ከይዱ ኣብ ኣልበማ ናተይ ስእሊ ምስ ረኣየ ብኸመይ ከም እትፈልጠኒ ሓተታ። ብዛዕባይ ሓበሬታ ምስ ረኸበ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ደስታ ሆስፒታል መጺኡ።

ኣነ ዝነበረኒ ሓበሬታ ብዘመነ ደርጊ ከም ዝተቐትለ ስለዝነበረ፡ ብህይወት ኣሎ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን።

ምስመጸ መጀመርያ ንሱ ከምዝኾነ ኣይፈለጥኩን። ምስ ኣለለኽዎ ግን ኣዝዩ ገሪሙኒ፣ ሰንበድኩን ፈራሕኩን ድማ።

ካብ ሞት ተንሲኡ ዝመጸ ጥራይ እዩ መሲሉኒ።

ደግሲ ፍቕሪ

ብድሕሪኡ ከም ብሓድሽ ተፋሊጥና፤ ከም ብሓድሽ'ውን ክንራኸብ ጀሚርና። እቲ ኣብ ቍልዕነትና ዝነበረ ፍቕሪ እንደገና ደጊሱ ከነሐድሶ ጀመርና።

ክንዘራረብን ክነዋግዕን ከለና ኣብ ልብና ዘይሞተ ፍቕሪ ነይሩ።

ኣነ ኣብ ውሽጢ ልቡ፡ ንሱ እውን ኣብ ውሽጢ ልበይ፣ ንደላለስ ነይርና ኢና። እቲ ዅሉ ዓመታት ክልቴና ሓዳር ኣይገበርናን ዝነበርና።

ከም ብማሕላ መብጽዓ ዝተጠምሩ ፍቝራት ንጸባበ ነይርና ማለት እዩ።

ብሰንኪ ዝተፈላለየ ተጓንፎታት ህይወት ተፈላሊና'ኳ እንተነበርና፡ ምስ ተራኸብና ግን ፍቕርና እንደገና ክነዐምብብ ተሰማሚዕና።

ሳላ ፈጣሪ ድማ መርዓና ጸንቢልና ሓድሽ ሓዳር መስሪትና።

ወልቀባ ኣመና ጽኑዕን ፈታዊ ሰብን እዩ። ስለዝዀነ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ሓዲጉ ኣብ ገጠራት ወሪዱ ህዝቢ ከገልግል መሪጹ ነበረ።

ኣብ ስርሑ ዕቱብ ስለዝዀነ ኣብ ፊንጫ፡ ባኮን አምቦን ኣብ ዝሰርሓሉ ግዜ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢ ከሲቡ እዩ።

ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታታት ተፈታዊ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, WELQEBA FAMILY

‘እቲ ጸገም ኣብ ኣእምሮኡ ከምዝዀነ ፈጺምና ኣይገመትናን’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወልቀባ ኣብ አምቦ እናሰርሐ እንከሎ ከምቲ ልሙድ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለስኩ ክበጽሖ ኢለ ከድኩ።

ሽዑ ግን ሓሚሙ ተኻኢሉ ጸኒሑኒ።

ምግቢ ስለዘይረግኣሉ ዘቕረብክዎ መኣዲ ገና ከይተላዕለ እንከሎ እቲ ዝበልዖ ምግቢ የምልሶ። ኣብኡ ኣብ ኣምቦ፡ ምርመራ ተገይርሉ ስቶማኮኡ፡ ኵላሊቱን ጸላም ከብዱን ደሓን ከምዝኾነ ተነጊርዎ።

ስራሕ ሓዲጉ ክኸይድ ዘይደለየ'ኳ እንተነበረ፡ ብኽንደይ ልማኖ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ከም ዝሕከም ገበርኩ።

ኣብኡ'ውን ተመሳሳሊ ሕክምናዊ መርመራታት ተገይሩሉ ዝዀነ ሕማም ኣይተራእየን። ግን ከኣ መግቢ ምርጋእ ኣበዮ።

ሕክምና እናተኻታተለ እንከሎ፡ ሓንቲ ዓይኑ ምርኣይ ከም ዝተጸገመ ነጊሩኒ። ነታ ኣይትርእይን ዝበላ ዓይኑ ዓሚተ በታ ካልአይቲ ንኽርኢ እንተሓተትክዎ፡ ብርግጽ እታ ዝበላ ዓይኑ ኣይትርእን ዝነበረት።

ሆስፒታል ከይዱ ምስ ተሓከመ ግላኮማ ኣለካ፣ ሓንቲ ዓይንኻ ዓዊራ እያ። እታ ኻልአይቲ'ውን ክትጉዳእ ጀሚራ'ላ ተባሂሉ።

መድሃኒት ወሲዱ ምሕዋይ እናጀመረ እንከሎ ግን ካልእ ተወሳኺ ጸገም መጺኡ።

ክስጉም እከሎ ሚዛኑ ክሕሉ ኣይከኣለን፣ ከም ሰኽራን ሰንከልከል ይብል።

ምስ መሓዙተይ ብምዃን ሓኪም እንተ ኣማኸርና እውን መንቀሊኡ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብ መወዳእታ ብናይ መትኒ ሓኪም (ኒውሮሎጂስት) ተሓኪሙ፡ መርመራ ርእሲ ኤምአርአይ ምስ ገበረ፡ ውጽኢቱ ኣብ ድሕሪት ርእሱ ሕበጥ መንሽሮ ከምዘሎ ተፈልጠ።

ምግቢ ንኸይረግኣሉን ሚዛኑ ንክስሕትን ዝገብሮ ዝነበረ ኸኣ ንሱ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓከምዎ ሓኻይም፡ እቲ ሕበጥ መንሽሮ ዝተፈጥረሉ ቦታ፡ ሚዛን ምንቅስቓስን ትርግታ ልቢን ዝቈጻጸሩ መትንታት ዝርከቡሉ ቦታ ከምዝኾነ ገሊጾምልና።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ሕበጥ ምሉእ ብምሉእ ንኽወጽእ ምግባር ከም ዘይከኣል፡ እንተዀነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሕክምና እንተገይሩ ጥራይ ክንኪ ከምዝከኣል ነጊሮምና።

ግዘ ከየጥፋእና ኣብ ህንዲ ምስዝርከብ ሓኪም ተማኺርና። ምሉእ ብምሉእ ምውጻእ ከም ዘይከኣል፣ 90 ሚእታዊ ኣውጺእካ ንቲ 10 ሚእታዊ ብሕክምና ራዲዮቴራፒ ክሳተኻኸል ምግባር ከም ዝከኣል ነጊሩና።

ነዚ ሕክምና እዚ ዝኸውን ገንዘብ ግን ካበይ ይምጻእ?

‘እቲ ጸገም ኣብ ኣእምሮኡ ከምዝኾነ ፈጺምና ኣይገመትናን’

ምንጪ ስእሊ, WELQEBA FAMILY

ዶ/ር ሂሩት ትበሃል መሓዛይ፡ ሓወይ ይድሓን እምበር ገንዘብ ዝትካእ እዩ ኢላ 400,000 ቅርሺ ሂባ ደረት ዘይብሉ ልግሲ ኣርኣየትኒ።

ብኸምዚ ኵነታት ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ እዩ ንኽህምና ናብ ህንዲ ዝወሰድክዎ።

ኣብ ህንዲ ሸውዓተ ሰዓት ብዝወስደ መጥባሕቲ እቲ ሕበጥ ኣውጺኦምሉ።

እቲ መንሽሮ ኢፐንዲሞማ (Ependymoma) ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላትና ዝዝርጋሕ ኣይኮነን። እቲ ሓኪም ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መትንታት ርእሱ ከም ዝተጐድአ ነጊሩና።

ሕክምና ክግበረሉ እንከሎ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ገሊጹልና።

እቲ ሕበጥ መንሽሮ ክምለስ ዝኽእለሉ ዕድል እንተሃልዩ ምስ ሓተትክዎ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ግን ድማ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣረዲኡኒ።

'ሕያዋይ ሰብ ኣይጸንሕን'

ወልቀባ ካብ ህንዲ ከይወጸ እንከሎ፡ ምልክት ጭንቀት ኣእምሮ ክስምዖ ጀሚሩ።

ብሓደ ኴንና ተሸጊርና፣ ናብ ዓደይ ክምለስ፡ ከምዚ ዓይነት ሕክምና ኣየድልየንን'ዩ ይብል ነይሩ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለስና ሕክምና ጥዕና ኣእምሮ ገይሩ መድሃኒት ክወስድ ምስ ጀመረ ክሓዊ ጀሚሩ።

ምስ ተመለስና'ውን ምስቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሓኪም እናተማኸረ፡ ሕክምና ኣእምሮ እናተኸታተለ፡ ሚዛኑ ምሕላው እንተጸገሞ'ውን ስርሑ እናሰርሐ፡ ንሸውዓተ ዓመታት ብሰላም ክነብር ጸኒሑ።

ኣብ መበል ሸውዓተ ዓመት ግን፡ ከምቲ ኵልሳዕ ዝገብሮ ኣእምሮኡ ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዝርከብ ብኤምአርአይ ተራእዩ ናብቲ ህንዲ ዘሎ ሓኪም ምስ ለኣኸሉ፡ እቲ ሕበጥ መንሽሮ እንደገና ክበቁል ከምዝጀመረ ጽሒፉሉ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ምሉእ ብምሉእ ሚዛኑ ክሕሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ነይሩ።

ኣብ መገዲ ምውዳቕ፣ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይምፍላጥን ምርሳዕን ጀሚሩ። እቲ ዝርእዮ ዝነበረ ለውጢ ኣዝዩ ቕልጡፍ እዩ ነይሩ።

ስለዝኾነ፡ ምሉእ ብምሉእ ክድሕን ተስፋ'ኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ልክዕ ከምታ ቀዳመይቲ ንሒደት ዓመታት ብህይወት እንተነበረ ኢለ እንደገና ናብ ህንዲ ወሰደዮ።

ባዕሉ ክንቀሳቐስ ስለዘይክእል፡ ብሽክለታ ስንኩላን እዩ ዝጥቀም ነይሩ።

ኣብቲ ካልኣይ ዙር ሕክምና መትንታቱ ክንካእን ንሞት ክቃላዕን ስለ ዝኽእል ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ራዲዮቴራፒ እዩ ተባሂሉ።

ክኢላ ሕክምና ራዲዮቴራፒ ድማ፡ እቲ ሕበጥ ድፉን ስለዝዀነ እንተዘይተቐኒሱ፡ እቲ ጸርጊ ኣይሓልፍን፤ ለውጢ'ውን ኣየህልዎን'ዩ ኢሉና።

በዚ ድማ መጥባሕቲ ተገይርሉ። እንተዀነ ድሕሪ'ዚ ሕክምና ግን፡ ከም ስርዓተ ምስትንፋስ ዝኣመሰሉ ጸገማት ስዒቦም።

ብህይወት ከም ዘይተርፍ ምስ ፈለጥኩ ፈጣሪ ብሰላም ምእንቲ ከዕርፎ ክጽሊ ጀሚረ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ህንዲ እንከሎ ህይወቱ ሓሊፋ፣ ሬሳኡ ሒዘ መጺአ ድማ ኣብዚ ተቐቢሩ።

መንሽሮ ርእሲ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ክፍሊ ርእሲ ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይሕብር።

እዚ መንሽሮ እዚ ካብ ካልኦት መንሽሮታት ዝፈልዮ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ኣካላት ስለ ዘይዝርጋሕ እዩ። ኰይኑ ግን ንቐንዲ መትንታት ብምጥቃዕ ንሞት ዘቃልዕ ሕማም እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ካብ 100 ሽሕ በጽሕታት እቶም 30 ብኸማዚ ዓይነት መንሽሮ ከምዝጥቅዑ ይፍለጥ።