ወዶም ብሓድሽ ኣገባብ ኣፋውሳ መንሽሮ ሓንጎል ክድሕን ተስፋ ጌሮም ዘለው ወለዲ

ሉካስ

ምንጪ ስእሊ, picture supplied

መግለጺ ስእሊ, ሉካስ ሓደ ሰሙን ቅድሚ 10ይ ዓመቱ ምኽባሩ እዩ መንሽሮ ሓንጎል ከምዘለዎ ተፈሊጡ

ወዲ 10 ዓመት ሉካስ፡ ካብ ኣዋርሕ ዘይበዝሕ ዕድመ ተሪፍዎ ከምዘሎ ሓካይም ክነግርዎ እንከለው ወለዱ፡ ወዶም ሓድሽ ኣገባብ ሕክምና መንሽሮ ክረክብ ብልዑል ተስፋ ይጽበዩ ኣለው።

ብሪጣንያዊ ሉካስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሓደ ሰሙን ቅድሚ 10ይ ዓመቱ ምኽባሩ እዩ መንሽሮ ሓንጎል ከምዘለዎ ተረጋጊጹ። 

ኣቦኡ ጄሚ፡ ወዱ ኣብ ኣሜሪካ ንፈተነ ሓድሽ ሕክምና ቅቡል ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። 

ሉካስ ዲኣይፒጂ ዝበሃል ሕማም ከምዝሓመመ ምስ ተረጋገጸ ‘ፋንዲን ኒውሮ’ ዝተባሃለ መትናዊ ጸገማት ንዘጋጠሞም ሰባት ዝሕግዝ ትካል ግብረሰናይ፡ ነታ ስድራ ምስታ ነቲ ሓድሽ ኣፋውሳ ተማዕብል ዘላ ትካል ከምዘራኸባ’ውን ጄሚ ይገልጽ። 

ሉካስ

ምንጪ ስእሊ, PICTURE SUPPLIED

መግለጺ ስእሊ, ሉካስ ሓደ ሰሙን ቅድሚ 10ይ ዓመቱ ምኽባሩ እዩ መንሽሮ ሓንጎል ከምዘለዎ ተፈሊጡ

“ሕክምና ‘ራድዮተራፒ’ ምስ ገበረ ካብ ክልተ ክሳዕ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ከምዝመውት እዮም ሓካይም ነጊሮምና።

“እዚ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑ ይርድኣኩም ይኸውን። ዝኾነ ነገር እንተዘይጌርን ናብ ምንታይ ገጹ ከምዝምዕብል ንፈልጥ ኢና። ኣሜሪካውያን ሓካይም ኣሜሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ሰሙናት ተወሳኺ ኤምኣርኣይ ክንገብርን እቲ ቱመር ናብ ዓንዲ ሕቖኡ ተዘርጊሑ ዘይምዃኑ ክነረጋግጽን ሓቲቶምና ኣለው።

“እቲ ውጽኢት ከምኡ እንተኾይኑ፡ ናብ ኣሜሪካ ክንጓዓዝ ፍቓድ ክንረክብ ንትስፎ” ኢሉ። 

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝግበር ፈተነ፡ ንዋህዮታት መንሽሮ ዝስሕብ ትሕዝቶ ብዘለዎ መድሃኒት እዩ ክካየድ። 

ዝተወሰነ ድግምጋም ናይ ኣልትራሳውንድ ብምጥቃም ከኣ ነቶም ዋህዮታት ምቕታል ከምዝከኣል ተስፋ ተጌሩሉ ኣሎ። 

እቲ ፈተነ ሰለስተ ወርሒ ዝወስድ ኮይኑ፡ ወጻኢታቱ ወላ’ኳ በቲ ናይ መድሃኒት ትካል እንተተሸፈነ፡ እታ ስድራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ እትጸንሓሉ እዋንን ንካልእ ወጻኢታት መነባብሮ መሸፈኒ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቲታ ኣላ። 

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ‘ፋንዲን ኒውሮ’ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ሕክምናዊ ፈተነታት፡ እቲ ኣገባብ ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ምዃኑ ዝግበሩ እዮም” ኢሉ። 

“ኩሉ ሰብ ተስፋ ጌሩ ኣሎ። ግና እንታይ ከምዝኸውን ኣይንፈልጥን። ኣብዚ እዋን ግና ነታ ስድራ ተስፋ ኣስኒቑ ኣሎ። 

“ሉካስ ኣብኡ እትው ምስበለ ብቕልጡፍ ሕክምና ክገብሩሉ እዮም” ኢሉ። 

ንሱ ወሲኹ እቲ ትካል ግብረሰናይ፡ ፈተነታት እቲ ኣገባብ ሕክምና ኣብ ብሪጣንያ’ውን ክህሉ ፍቓድ ንምርካብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። 

ኣብዚ እዋን ንሉካስ ሕክምናዊ ክትትል ትገብረሉ ዘላ ሓኪም ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ኖቲንግሃም ዶክተር ሶፊ ዊልኒ “ዲኣይፒጂ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘይፍወስን ቱመር እዩ ኢላ” 

ኣብ ብሪጣንያ ዓመታዊ ከባቢ 50 ቆልዑ እቲ ሕማም ከምዝርከቦም ብምግላጽ ከኣ ምርምራት ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።