ጀስቲን ቢበር፡ ገጹ መልመስቲ ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, INSTAGRAM/JUSTIN BIEBER
ኣብዚ ሰሙን ከካይዶ ወጢንዎ ንዝነበረ ሙዚቃዊ ምርኢት (ኮንሰርት) ዝሰረዘ ድምጻዊ ጀስቲን ቢበር ኣብ ገጹ መልመስቲ ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 28 ዓመት ብኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ምልክታት ‘ራምዚ ሃንት’ ዝበሃል ሕማም ከምዝተርኣዮ ገሊጹ።
“ከም እትርእይዎ፡ ዓይነይ ቋሕ ሰም ክብል ኣይክእልን። በዚ ሸነኽ ገጸይ ፍሽኽ ክብል ኣይክእልን. . . ስለዚ በዚ ሸነኽ ገጸይ ምሉእ ለሚሱ ኣሎ” ኢሉ።
ራምዚ ሃንት ኣብ ከባቢ እዝኒ ዝርከብ ናይ ገጽ ነርቭ ጉድኣት ምስ ዝበጽሖ ዝስዕብ ምዃኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ።
ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ሙዚቃዊ ምርኢት ‘ጀስቲስ ዎርልድ ቱር’ ከቕርብ ዝጸንሐ ጀስቲን ቢበር፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ሰለስተ ምርኢታት ናብ ካልእ እዋን ከምእተሰጋገረ ምግላጹ ይፍለጥ።
እቲ ትውልደ ካናዳዊ ደራፊ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ሰለስተ ደቒቕ ቪድዮ፡ “እቲ ኣብ እዝነይን ገጸይን ንዘሎ መትኒ ዘጥቅዐ ቫይረስ፡ ገጸይ ክለምስ ጌሩ” ብምባል የማናይ ሸነኽ ገጹ ኣመልኪቱ።
ኣብ ኢንስታግራም ንዝስዕብዎ 240 ሚልዮን ኣፍቀርቱ፡ እቲ ገጢምዎ ዘሎ ጸገም ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ ክዕገስዎ ሓቲቱ።
“ከምእትርእይዎ ገጢሙኒ ዘሎ ጸገም ከቢድ እዩ። እንተዘይሓምም ደስ ምበለኒ ኔሩ። ኣካላተይ ህድእ ክብል ይነግረኒ ዘሎ ይመስል። ከምእትርድኡለይ ተስፋ እገብር። ንግዚኡ ቅሩብ ከዕርፍ ኣለኒ” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ናብ ንቡር ንምምላስ ናይ ገጽ ምንቅስቓሳት ልምምድ ይገብር ከምዘሎ እኳ እንተተዛረበ፡ ክንደይ ግዜ ከምዘድልዮ ግና ከምዘይፈለጥ ገሊጹ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ቶሮንቶን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ኣብ ኒውዮርክን ሎስ ኣንጀለስን ምርኢት ከቕርብ ውጥን ኔርዎ።
ራምዚ ሃንት ቁጥዐ ሰብነት ዘስዕብ ሕማም ኮይኑ፡ ንገጽ ዘልምስን ናይ ምስማዕ ክእለት ዝቕንስን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምልክታት እቲ ሕማም ኣብ መብዛሕቶም ሰባት ግዚያዊ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገለ ሰባት ነባሪ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
የዒንትኻ ክትዕመት ዘይምኽኣል፡ ቃንዛ የዒንትን ብንጹር ዘይምርኣይን ከስዕብ ከምዝኽእልን ልዕሊ 60 ኣብ ዝዕድሚኦም ሰባት ብብዝሒ ከምዝርአን ይግለጽ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት በዓልቲ ቤት እቲ ድምጻዊ፡ ሀይሊ ቢበር፡ ኣብ ሓንጎላ ብዘጋጠመ ምርጋእ ደም ናብ ሆስፒታል ኣትያ ኔራ።
ንሳ ድሒራ ከምዝገለጸቶ፡ ወቕዒ ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን ኣብ ልባ ንዝነበረ ቀዳድ ብመጥባሕቲ ከምእተሸፈነን ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







