ኣብ 2021፡ ኮንስርታት ሙዚቃ ምስንዳእ ይጅመርዶ ይኾን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓመተ ፈረንጂ 2020፡ እንታይ ጽቡቕ ነገር ገዲፉ ሓሊፉ እንተተባሂሉ ዛዕባ ሙዚቃ ምባል ዝከኣል እዩ።
ብሪጣንያዊያንዱዋ ሊፓን ሌዲ ጋጋን ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ብቐጥታ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መደብ ድግስ ሙዚቃ ንኣድነቕቶም ኣሳዕሲዖም እዮም።
ብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣርቲስታት ድማ፡ ስራሕቶም ናብ ኣድነቕቶም ብቐጥታ ኣቕሪቦም እዮም።
ርግጽ እዩ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ሰባት ብኣካል ናብ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ከይዶም ዘተረኸብሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን።
እንተኾነ፡ ንገለ ኣርቲስታት ካልእ ምንቕቓሕ ፈጠረሎም እምበር ካብ ስረሖም መሊኡ ኣየባረሮምን።
ቻርሊ ኤክስሲኤክስ ዝተብሃለት ንእስቲ ደራፊት ኣብ ሽድሽተ ሰሙናት ዝወደአቶ ኣልበም ሙዚቃ ብሚልዮናት ተሸይጡላ እዩ።
ፍሉጥ ፖል ማካርቲኒ ድማ፡ ቅድሚ 50 ዓመታት ዝጀመሮ ሙዚቃ ሎሚዘበን ዛዚሙ ።
ተይለር ስዊፍት፡ ኣብ ሓሙሽተ ወርሒ ክልተ ኣልበማት ዛዚማ ወዲማ።
እቲ ሕቶ ግን፡ ኣብቲ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመተ ፈረንጂኸ እቲ ናይ ኮንሰርት ስራሕቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ዶ ይኸውን ዝብል እዩ ዝለዓል ዘሎ ።
ሙዚቃ ብኢንተርኔት
ኮሮናቫይረስ፡ ኣድነቕቲ ናይ ዝፈትውዎም ኣርቲስታት ውሽጠ-ምስጢር ክፈልጡ ገይሩዎም እዩ።
ምኽንያቱ፡ ኣብዝሓ ሙዚቀኛታት ናይ ሙዚቃ ኮንሰረት ከቕርቡ ዝጸንሑ ካብ ገዘኦም ኮይኖም ስለዝኾነ።
ካብኡ ናይቶም ፍሉጣት ኣርቲስታት ጓዳ ከም ናትና ደኾን ይኾን ዝብል ሕቶ ፈጢሩሎም።
ንኸምዚ ዓይነት ሕቶ ዝሓቱ ኣድናቕቲ ካብ ዓመት 2020 ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኣይህሉን።
ርግጽ እዩ፡ ፈረስ ዘጋልብ ስፍሓት ቐጽሪ ካብ ዘለዎም፡ ካብ መደቀሲ ክፍሎም ናብ ሳሎንን ናብ እንዳ ክሽነን እንዳ ሽቓቕ እናተመላለሱ ንዕዱማት ኣጋይሾም ዘዘናግዑ ኣርቲስታት ተራእዮም እዮም።
ዱዋ ሊፓ ዝተብሃለት ሓዳሽ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብኢንተርኔት ቐጥታ ዘካየደቶ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ብዙሓት ሰባት ሪኦምዎ እዮም።
እቲ ካብ ገዛኣ ዝተቓለሐ ኮንሰርት፡ 1.5 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ተገይሩሉ ተባሂሉ።
ነቲ ኮንሰርት ብቐጥታ ንምክትታል፡ ካብ ቻይና ጥራሕ 284 ሽሕ ሰባት ቲኬት ከምዝገዝኡ ተሓቢሩ ነይሩ።
እታ ሙዚቀኛ ግን ነቲ መደብ ከም ብዋዛ ዝረኣየቶ ኣይነበረን።
ብብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሳዕሳዕቲ ተዓጂባ እያ ኣካይዳቶ።
ከም በዓል ኤልተን ጆን ዝኣመሰሉ ሙዚቀኛታት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ መደብ ኣድሚቖምዎ እዮም።
‘ፎርትናይት’ ዝተብሃለ ናይ 9 ደቓይቕ ሙዚቃ ጽውውት ካልእ እዩ፤ እዚ ድማ 20 ሚልዮን ዶላር ተኸፊልዎ እዩ ተባሂሉ።
ትራቬስ ኣብ 2018/19 ን58 መዓልታት ተዘዋዊሩ ኣብ ዝሰርሖ ኮንሰርት 53 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ እዩ ረኺቡ ነይሩ።
ብኢንተርኔት ብቐጥታ ዝተሓላለፍ መደብ ሙዚቃ፡ ፒጃማ ገይሮም ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ዝፈትውዎ ሙዚቀኛ ንምርኣይ ናብ ዓብዪ ከተማ ምጓዓዝ’ውን ኣይከድልዮምን።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ‘ቦታ መሊኡና’ ‘ዕድምኦም ኣይኣኸለን’ ገለ ዝብሉን ዝኣመሰሉን ኩነታት ኣይከጋጥሞምን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮንሰርትታት ናብ ቦተኦም ዶ ይምለሱ ይኾኑ?
ገለ እቲ ናይ ሙዚቃ ድግስ ኣብ መጻኢ በዓለ ፋሲካ ስርሑ ክጅመር እዩ ኢሎም የተስፍው። ካልኦት ድማ፡ ይኾን ዶኾን፡ ኣብ መጻኢ ክረምቲ ይጅምር ይኸውን ኢሎም ተስፋ ይሰንቁ።
ሓደ ሓደ ሙዚቀኛታት ካብ ብኣግኡ፡ መእተዊ ኮንሰርት ኣብ ምሻጥ ይርከቡ።
ገለ ገሊኦም ድማ፡ መጻኢ ዓመት ዘተኣማምን ከምዘይኮነ እዮም ዝጠራጠሩ።
ምናልባሽ’ውን ናብቲ ኮንሰርት እንትኸዱ፡ ናይ ኮቪድ-19 ምርመራ ምግባር ናይ ግድን ክኸውን እዩ ዝብል ግምታት‘ውን ኣሎ።
ምፍንታት’ውን ግድን ክኸውን እዩ።
እዚ ኩሉ ካብ ዝኸውን ነቶም ዕዱማት ጸረ-ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘይንነጽገሎም ዝበሉ ድማ ኣይሰኣኑን።
ሰባት ርሕቐቶም እንተዘይሓልዮም፡ ዝኾነ ድምጺ ዘስምዕ መሳርሒ ኣብ ኢዶም ክእሰረሎም ይኸውን ዝበሉ’ውን ኣለዉ።
‘ቴኪት ማስተር’ ዝተበሃለ፡ ኣሰናዳኢ ናይ ሙዚቃታት ኮንሰርት ድማ፡ ሰባት ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዘርኢ ሰርቲፊኬት ኣብ ኢዶም እንተዘየሎ፡ ቲኬት ክገዝኡ ኣይክኽእሉን ይብል፥።
ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ኮንሰርትታት ሰባት ከም ቀደም ተጸቓቒጦም ዝኣትውዎም ኣይክኾኑን እዮም።
ካልእኸ?
ብሶፍት ሮክን ካንትሪ ሙዚቅን እትፍለጥ ኣመሪካዊት ቴይለር ስዊፍት፡ ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ፈረንጂ 2020 ብዝሰርሐቶ ሙዚቃ ንሽልማት ግራሚ ተሓፅያ ኣላ።
እታ ሙዚቀኛ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተቐርጸ ዋንነቱ ናታ ስለዘይኮነ፡ ደጊማ ክተቕርጽ ናብ ስቱድዮ ክትኣቱ እያ ተባሂሉ።
ተፈተውቲ ደረፍቲ ኣዴልን ሪሃናን ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ስራሕቲ ከውጽኣ ትጽቢት ተገይሩ እንተነበረ’ኳ፡ ዛጊድ ኣይኮነለንን፤ ኣድነቕተን ሃንቀው ይብሉ ኣለዉ።
ሓድሽ ደርፊ ካብ ዘውጸኣ ሰለስተ ዓመታት ኮይኑወን ኣሎ።
ሪሃና ኣብ 7 ዓመታት 7 ኣልበማት ኣከታቲላ ብምውጻእ ንኣድነቕታ ኣሐጒሳ ነይራ።
ሕዚ ግን፡ ትኹረታ ናብ ፋሽን ገይራ ተባሂላ እያ ትሕመ።
ሪሃና ንኮቪድ-19 ኣገልግሎት ዝውዕል ብሚልዮናት ዝቑጸር ዶላራት ወጻኢ ገይራ ኣላ።
ኣዴል ድማ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሙዚቃ ኣልበም ናይ ምውጻኣ ነገር ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ድሬክ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሓድሽ ሙዚቃ ከውጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







