ብምኽንያት ሓድሽ ቫይረስ ናብ ብሪጣንያ ዝግበሩ በረራታት ተቛሪጾም

ገያሾ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ ምዕራብ ሳሴክስ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ናይ መገሻ እገዳታት ገይረን ኣለዋ

ብምኽንያት እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ናብ ብሪጣንያ ዝግበሩ በረራታት እናተቛረጹ እንትኾኑ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ቅዋም ንምሓዝ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ይዘረራረብ ኣሎ።

ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ብሪጣንያ ዝግበሩ ጉዕዞታት ዘቋረጻ ኾይነን፥ ሃገራት ካናዳን ህንድን'ውን ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፈን ኣለዋ።

እቲ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ካብቲ ዝተለምደ ብ70 ሚኢታዊት ፈጢኑ ዝመሓላለፍ ምዃኑ ዝተገልጸ እንትኸውን፡ ክንደይ ዝኣክል ሓደገኛን ቀታልን ምዃኑ ገና መጽናዕቲ እናተገበሮ እዩ ዝርከብ።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓዲሽ ክታበት ድማ ነዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ንምክልኻል ክሕግዝ ዝኽእል እንተኾይኑ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ፈረንሳ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ብሪጣንያ ብዛዕባ ዝግበር ርክባትን ጉዕዞታትን ኣመልኪቱ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ሓደ ውሳነ ሒዙ ከምዝወጽእ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ እቲ ቫይረስ እንትጅምር፡ ኣባል ሃገራት ሕብረተ ኤውሮጳ ነናይ ዓርሰን መንገዲ ናይ ምኽታል ንጹል ዝንባለ እየን ኣርእየን ነይረን።

ሕዚ ግና፡ ከም ሕብረት ዝተወደበን ጥሙርን ምላሽ ንምሃብ ድሌታት ከምዘሎ - ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኤውሮጳ ኬቪን ኮኖሊ ተዓዚቡ።

ሚኒስተር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ፡ እቲ ሓድሽ ቫይረስ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ።

ዴንማርክ፣ ኢጣልያን ኔዘርላንድን ድማ፡ ኣብ ሃገራተን ከምዝተኸስተ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ናይቲ ሕብረት ተቖጻጻሪ መድሃኒት ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ነቲ ኣብ ብሪጣንያን ኣመሪካን ምሃብ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ክታበት ከጽድቕ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

እቲ ክታበት እንተጽዲቑ፡ 27 ኣባል ሃገራት ንዜጋታተን ምኽታብ ክጅምራ እየን።

ኤጀንሲ መድሃኒት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ሰሙን ተኣኪቡ ብዛዕብኡ ውሳነ ከሕልፍ እዩ ተባሂሉ ይእመን።

እቲ ኤጀንሲ እንድሕር ኣጽዲቕዎ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ መጻኢ ረቡዕ ዕላዊ መግለጺ ክህብ እዩ።

እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስእንታይ እዩ?

1፡ ኣብ ብሪጣኒያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሎንደንን ከባቢአን ክሳብ ሎሚ ተራእዩ ዘይፍለጥ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብምርመራ ተረኺቡ። ኣብ ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት ዝርከብ ዘሎ ድማ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ እዩ።

2፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ነቶም ካልኦት ዓሌታት ኮሮናቫይረስ እናተከአ ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ይግለጽ ኣሎ።

3፡ እዚ ዓሌት፡ ንርእሱ ዘራብሓሉ መገዲ ዝተፈለየ ብምዃኑ ንምቁጽጻሩ ከየጸግም ስግኣት ኣሎ። ካብ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ወጻኢ ንዘለዉ ዋህዮታት'ውን ቅርጹን ብህሪኡን እናለወጠ ከጥቀዖምዶ ይኸውን ዝብል ስግኣት'ውን ፈጢሩ'ሎ።

4፡ እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ ተረኺቡ። ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ሓደ ሲሶ፡ በዚ ሓድሽ ዓሌት ዝተጠቕዑ እዮም ነይሮም። ኣብ ታሕሳስ ድማ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ እቶም 75 ሚኢታዊት በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

5፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ምስ'ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ምልባዕ ዕድሉ ብ 70 ምኢታዊት ዝቐልጠፈ እዩ ኢሉ።

6፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ከይዲ ድዩ ንርእሱ ቀይሩ ወይ ካብ ካልእ ቦታ መጺኡ ዝብል ንግዚኡ ኣይተፈልጠን ዘሎ።

7፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ይዝርጋሕ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ'ዚ እዋን ግን ኣብ ከባቢ ሎንዶን እዩ ብብዝሒ ዝረኣይ ዘሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኢንግሊዝን'ውን ይረኣይ ኣሎ።

8፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ብሪጣንያ ናብ ዴንማርክን ኦውስትራሊያን'ውን ከምዝተላበዐ ተገሊጹ'ሎ። ኔዘርላንድን ጣሊያንን'ውን እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዝኣተወን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

9፡ እዚ ዓሌት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተራእዩ'ሎ እኳ ተባሂሉ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ምስ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ብዓሌት ኣይመሳሰልን'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

10፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ንርእሱ እናለወጠን እናራበሐን ከምልጥ ዝፍትን'ኳ እንተኾነ፡ እቶም ሕዚ ናብ ዕዳጋ ዝኣትዉ ዘለዉ ክታበታት ግን ከጥፍእዎን ክከላኸሉዎን ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣሎ።